104
ትትትትት ትትትት ትትት !!! ትትትትት - ትትት ትትትት November 06,2012

ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ !!!

  • Upload
    cardea

  • View
    535

  • Download
    7

Embed Size (px)

DESCRIPTION

ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ !!!. ኣዳላዊ፡- በይን ሙሉጌታ November 06,2012. ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ. መጽሓፍ ቕዱስ ማለት እንታይ ማለት እዩ᎒ መጽሓፍ ቅዱስ ካበይ መጺኡ᎒ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ’ዩ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ዝፍለ᎒ ኣከፋፍላ መጽሓፍ ቅዱስ። ንመጽሓፍ ቅዱስ መን ጽሒፍዎ᎒ እግዚኣብሄር ብኸመይ ዝበለ ኣጋባብ ተዛረቦም᎒ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ። መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይንበብ። - PowerPoint PPT Presentation

Citation preview

ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ!!!

ኣዳላዊ፡- በይን ሙሉጌታ

November 06,2012

ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ

መጽሓፍ ቕዱስ ማለት እንታይ ማለት እዩ᎒ መጽሓፍ ቅዱስ ካበይ መጺኡ᎒ ’ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ዩ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ዝፍለ᎒ ኣከፋፍላ መጽሓፍ ቅዱስ። ንመጽሓፍ ቅዱስ መን ጽሒፍዎ᎒ እግዚኣብሄር ብኸመይ ዝበለ ኣጋባብ ተዛረቦም᎒ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ። መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይንበብ። ምስክርነት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት።

1. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ማለት እዩ᎒ ‘’መጽሓፍ ቅዱስ ዝብል ሓረግ ካብ መጽሓፍን” “ቅዱስን” ዝብሉ

ክልተ ቃላት ዝተረኽበ ክኸውን ከሎ፤ መጽሓፍ፡- ማለት ቃላት ተጠቃሊሎም ኣብ ሓደ ጥራዝ ዝትጠርነፉ ከመልክት (ክኸውን)

ከሎ፣ ቅዱስ፡- “ ዝብል ቃል ድማ ብዕብራይስጥ ክዳሽ” ብሱርት“ካዲሽ” ብግእዝን ብዓረብን ከኣ ቅዱስ ካብ ዝብል ቃል ዝተረኽበ

ኮይኑ ትርጉሙ ድማ “ ዝተፈለየ መጽሓፍ” ማለት እዩ። መጽሓፍ ቕዱስ፣ ብርግጽ መጽሓፍ እዩ፣ ግን ከኣ ተራ መጽሓፍ

ኣይኮነን። ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና መንገዲ ኣምላኽ ድማ ዘርእየንናን ቃል ህይወት ዝኾነናን ህይወት ዝህበናን እዩ። ከም ክርስትያን መጠን እንታይነት መጽሓፍ ቅዱስ ክንፈልጥ የድልየና።

ከምቲ ኩሉ ፍልስፍናዊ መጽሓፍ ነናቱ ዝኾነ መንገዲ ዘለዎ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ባዕሉ መንገዲ ( ሰመያዊ መንገዲ) ኣለዎ።

2. መጽሓፍ ቅዱስ ካበይመጺኡ᎒

መጽሓፍ ቅዱስ ደራሲኡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ባዕሉ እዩ። በዚ ኢና ድማ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ እዩ ንብል ዘለና። “ነዚ ዘረጋግጸልናጥቅሲ ንመልከት፣ እግዚኣብሄር ግና

በለኒ፣ ናብ ዝልእከካ ኩሉ ኪድ፣ እቲ ዝእዝዘካ ኩሉ ድማተዛረብ” ዝብል እዩ። (ት/ ኤር 1፥7)

ስለዚመጽሓፍ ቅዱስ ብቅዱሳን ሰባት ኣቢሉ ካብ እግዚብሄር ዝተዋህበና ቕዱስመጽሓፍ እዩ። 2 ይ ጴጥ

1፥20-21 ፤ 2 ይጢሞ 3፥15-16።

3. ’ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልኦት መጽሓፍቲ ብኸመይ ዩ ዝፍለ᎒

መጽሓፍ ቅዱስ በዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ (6) ነጥብታት ካብ ካለኦት መጻሕፍቲ ይፍለ።

1. ብናይ እግዚኣብሄር ዝተላእኩ ቅዱሳን ሰባት ዝተጻሕፈ ስለ ዝኾነ።ት/ ኢሳ 34፥16 ፣ ዘጸ 17፥14 ፣ 2 ጴጥ 1፥20-21 ፣ ራእይ 1፥11።

2. መጽሓፍ ቅዱስ ብዕድሜኡ ካብ ካልኦት መጽሓፍቲ ፍሉይ እዩ፣ምኽንያቱ ብቕድሚኡ ዝተጻሕፈመጽሓፍ ስለ ዘይነበረ።

3. ወዲ ሰብ ቅድሚምፍጣሩ ብዛዕባ ዝነበረ ርግጸኛ ኮይኑ ስለ ዝዛረብ።

4. ንመጻኢ (Future) ብዛዕባ ዘጋጥሙ ነገር ርግጸኛ ኮይኑ ስለ ዝዛረብ። ት/ ኢሳ 7፥14 ወ/ ማቴ 1፥23-24።

5. ንዝሰምዕዎ ሰባት ስለ ዝባርኽን ( ራእ 1፥3) ዘጸናንዕን ዝመክርን ዝግስጽን 2 ይጢሞ 3፥15-16 ፣ ራእይ 3፥15-19።

6. ዘመን ዘይስዕሮ ብምዃኑ ። ወ/ ማቴ 35፥24 ፣ 1 ይ ጴጥ 1፥25 ።

4. ኣከፋፍልላ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ኽፍልታት ይኽፈል ንሳቶም

ከኣ

1) ብሉይ ኪዳን

2) ሓዱሽ ኪዳን ተባሂሎም ይጽውዑ።

1. ብሉይ ኪዳን ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳሞት ዘመን እግዚኣብሄር ንሕዝቢ እስራኤል ዝሃቦምሚስጢር ፤ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን እንታይ እንታይ ከም ዝኾነ ዝገልጽልና መጽሓፍ እዩ። ብሉይ ኪዳን ኣብ ኣርባዕተ ክፍልታት ይኽፈል ንሳቶም ከኣ፡-

ሀ. ናይ ሕጊመጻሕፍቲ ሐ. ናይ ትምህርቲ (ጥበብ) መጻሕፍቲ

ለ. ናይ ታሪኽመጻሕፍቲ መ. ናይ ትንቢት መጻሕፍቲ

ሀ. ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ The book of the law ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ ዝባሃሉ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ክሳብ ኦሪት

ዘዳግም ዘለዉ መጻሕፍቲ ክኾኑ ከልዉ ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ መበሊኦም ድማ ዳርጋ ዝበዘሐ ክፋሎም ብዛዕባ ሕጊ ስለ ዝምህሩ እዩ። እዞም ሓሙሽተ ናይ

“ ሕጊ መጻሕፍቲ ናይ ሙሴመጻሕፍቲ” ብምባል ድማ ይፍለጡ እዮም ፣ እዚ ድማ

ሙሴ ብ1500 ኣ. ኣ ኣብ እንባ ሲና ስለ ዝጻሓፎም እዩ። ብዝሖም ሓሙሽተ (5) ኮይኑ ንሳቶም ከኣ፡-1. ኦሪት ዘፍጥረት ኦ. ዘፍ

2. ኦሪት ዘጽኣት ኦ. ዘጽ3. ኦሪት ዘሌዋውያን ኦ. ዘሌ

4. ኦሪት ዘሁልቅ ኦ. ዘሁ

5. ኦሪት ዘዳግም ኦ. ዘዳ

1. ዘፍጥረት (Genesis) ዘፍጥረት ፤ ዝብል ቃል ካብ ዘፍጥረት ም 1 ቁ 1 ዝተወሰደ ኮይኑ ቱርጉሙ ድማ ናይ

ፍጥረታት መጀመርያ ማለት እዩ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ፍጥረትን ብዛዕባ እቲ መፈጸምታ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነ ሰብን ነንብብ። እግዚኣብሄር ንሰብ ብመልክዑን ከም ምስሉን

ኪፈጥሮ ኸሎ፡ ንሰብ ምሉእ ሓርነት ኪህልዎ ኸም ዝደለየን ብሓርነቱ ኺጥቀም ከኣ ትእዛዝ ከም ዝሃቦን ተጻሒፉ ንረክብ (ዘፍ.1-2) ። ሰብ ግና ብሓርነቱ ተጠቒሙ ትእዛዝ እግዚኣብሄር

ኬፍርስ ሓረየ። እዚ ስለ ዝገበረ ኸኣ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ኣተወ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ከኣ ሞት ወረደ (ዘፍ.3) ። ሓጢኣት ኣብ ዓለም ስለ እተዘርግሐ፡ ወዲ ኣዳም ቀታል ነፍሲ ኾነ፡ ብዘበን

ኖህ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ በዝሔ (ዘፍ.4፡1-6 ፤ 5) ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ኣዝነበ እሞ ብጀካ ኖህን ደቁን ንኹሉ ፍጥረት ደምሰሰ (ዘፍ.6፡6-9፡29) ። ደቂ ኖህ ግና

ካብቶም ቀዳሞት ሰባት ስለ ዘይሓሹ፡ ንእግዚኣብሄር በደሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንኡ ዚኸውን ፍሉይ ወለዶ ስለ ዝደለየ ንኣብርሃም ጸውዔ (ዘፍ.10-12) ። ካብ

ምዕራፍ 12 ክሳዕ 13 ዛንታ ኣብርሃም ንረክብ። ቀጺልና ኸኣ ብዛዕባ ደቁ፤ ብዛዕባ እስማኤልን ብዛዕባ ይስሃቅን፡ ብዛዕባ ደቂ ይስሃቅን፡ ብዛዕባ ኤሳውን ብዛዕባ እቲ ኣቦ እቶም

12 ነገድ እስራኤል ዝኾነ ያእቆብን ነንብብ (ዘፍ.24-36) ። ኣብ መወዳእታ ኦሪት ዘፍጥረት ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሰብ፡ ብዛዕባ ዮሴፍ ከነንብብ ከሎና፡ ኣሕዋቱ ደቂ ያእቆብ፡ ብምኽንያት ጥሜት እኽሊ ኺሽምቱ ናብታ ዮሴፍ ዝነበራ ሃገር ግብጽ ከም ዝኸዱ ንግንዘብ። ኣብ ኣጋ

መወዳእታ እታ መጽሓፍ ከኣ፡ እቶም ሕሩያት ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ሃገር ባዕዲ ተቐሚጦም ንረክብ፡ ብዛዕባ ሞት ዮሴፍውን ነንብብ (ዘፍ.35-50) ። እምበኣርስከ እቲ

ብምስሊ እግዚኣብሄርን መልክዑን ተፈጢሩ ቀደም ንዘልኣለምነት እተመደበ ሰብ፡ ሕጂ መዋቲ ኸም ዝኾነ ንርዳእ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነዚ ሰብ እዚ ዚኸውን መድሓኒ ኣድላዪ ኾነ።

ዘጽኣት {Exodus} ዘጽኣት “፤ ናይ ግእዝ ቃል እዩ፣ ትርጉሙ ድማ ምውጻእ” ማለት እዩ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እቶም ፍሉያት

ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ህዝቢ እስራኤል፡ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኸም ዝውጹን ናብ ከነኣን ድማ ኸም እተጓዕዙን ነንብብ። ዮሴፍ ይመውት ዘበናት ከኣ ዚሓልፍ፡ ካልእ ንጉስ ድማ ይነግስ። እቶም ብምኽንያት

ጥሜት ናብ ግብጺ ዝወረዱ ደቂ ይእቆብ ቁጽሮም እናበዝሔ ይኸይድ፡ ግብጻውያን ከኣ ይንዕቅዎም፡ ይፈርህዎም። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ፈርኦን፡ ቁጽሪ ደቂ እስራኤል ኪጎድል ይግባእ ብዚብል ዕላማ፡ ሕጻናት

እስራኤል ከም ዚቕተሉን እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ከቢድ ዕዮ ኸም ዚቑረኑን ይገብር። በዚ ጊዜ እዚሙሴ ይውለድ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብኢድሙሴ ገይሩ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ምስሪ ንምውጻእ ይምድብ

(ዘጸ.2-4) ። ፈርኦን፡ እስራኤል ኣይፍኑን ብዝበለሉ መጠን ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ግብጺ በብዓይነቱ መቕጻዕቲ የውርድ። በቲ ኣብ መወዳእታ ዝወረደ ምቕጻዕቲ፡ በኹሪ ግብጺ ዘበለ ይቕተል፡ ፈርኦን ከኣ

ንእስራኤላውያን ይፍንዎም (ዘጸ.5-12) ። እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ይወጹ እሞ፡ ባሕሪ ኤርትራ ተሳጊሮም ናብ ከረን ሲና ይበጽሑ። ኣብኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ነቲ ብሉይ እተባህለ ኪዳን ይህቦም (ዘጸ.13-14) ።

እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ምእንቲ ኺራኸብ፡ ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኺነብር፡ ማሕደር ዚኸውን መቕደስ ኪሰርሓሉን ኣብቲ ማሕደር ከኣ ብክህነት ኬገልግሉ ኣሮንን ደቁን ኪምደቡን፡ ናይ ክብሪ ልብሲ ኸኣ

ኬዳልውሎምን ይእዝዝ (ዘጸ.25-31) ። ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ኪዛረብ ኣብቲ ኸረን ይድንጕ፡ ህዝቢ እስራኤል ትዕግስቶም ይውዳእ እሞ ንኣሮን ገዲዶም ምስሊ ምራኽ ወርቂ ኸም ዚሰርሓሎም ይገብርዎ።

ሙሴኸኣ ነተን ክልተ ናይ ምስክር ጽላት ሒዙ ኻብቲ ኸረን ኪወርድ ከሎ፡ ሓጢኣት እቲ ህዝቢ ስለ እተረድኤ ነተን ጽላት ሰንድዩ ይሰብረን። እግዚኣብሄር ከኣ፤ ነዚ ህዝቢ ክውድኦ ሕደገኒ ክሳዕ ዚብል

ይኹሪ። ሙሴ ግና ናብ ኣምላኽ ስለ ዝለመነ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ይርሕርሓሎም እሞ ንሙሴ ኻልኣይ ጊዜ ናብቲ ኸረን ይጽውዖ። ሙሴ ናብቲ ኸረን ምስ ደየበ ኸኣ፡ ነቲ ኺዳኑ ኻልኣይ ጊዜ ይጽሕፈሉ

(ዘጸ.32፡-34) ። ኣብተን ዚስዕባ ምዕራፋት ከኣ፡ ከምቲ ኣብቲ ኸረን ንሙሴ እተገልጸሉ፡ እቲ ማሕደር ከመይ ኢሉ ከም እተሰርሔ ነንብብ (ዘጸ.35-40)።

ዘሌዋውያን {Leviticus} ዘሌዋውያን ፤ ሌዋውያን ሓደ ኻብቶም 12 ነገዳት እስራኤል እዮም። ካህናት ብ.ኪ. ሌዋውያን ስለ

ዝነበሩ፡ ኣብታ ኦሪት ዘለዋውያን እትብሃል መጽሓፍ ብዛዕባ ክህነት ሌዋውያን ኣስፊሕና ነንብብ(እብ.7፡11) ። እግዚኣብሄር ቅዱስ ስለ ዝኾነን ህዝቢ እስራኤል ከኣ ንእኡ እተፈልዩ ቅዱሳት ህዝቢ

ኪኾኑ ስለ እተመነየን፡ ካብ ሓጢኣቶም ዜተዓርቕዎምን ናብኡ ዜቕርብዎምን ካህናት ምእንቲ ኪኾኑ ኢሉ ንነገድ ሌዊ መረጸ። ካብኦም ከኣ ኣሮንን ደቁን ካህናት ኪኾኑ ፈለየ። እቶም ካብ ቤት

ኣሮን ዘይኮኑ ኻልኦት ሌዋውያን ከኣ ኣገልገልቲ ማሕደር ኣምላኽ ኪኾኑ ተሾሙ (ዘሌ.11፡44-45 ።ዘሁ.1፡47-50 ፤ 3፡1-10 ፤ 18፡1-7) ። ትእዛዝ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ኣብ ከረን

ሲና ምስ ተዛረበ ተዋህባ። እተን ናይ መጀመርታ ትእዛዛት ከኣ፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር ባህ ኬብል ምስ ዚደሊ ከመይ ዝበለ መባእ ኬቕርብ ከም ዘለዎን ከመይ ገይሩ ኸም ዜቕርቦን ይገልጻ

(ዘሌ.1-3) ። ድሕሪኡ ኸኣ እቲ ሓጢኣተኛ ካብ እግዚኣብሄር ተፈልዩ ኸይተርፍ፡ እቲ ካህን ደም ብምፍሳስ ከመይ ገይሩ ኻብ ሓጢኣቱ ምስ እግዚኣብሄር ከም ዜተዓርቖ እሞ ምስ ኣምላኽ ከም

ዜራኽቦ ነንብብ (ዘሌ.4-7) ። ካብ ምዕራፍ 8 ክሳዕ 10 ኸኣ ሕጊ ምቕዳስ ክህነት ዚዝርዝር ምዕራፋት ንረክብ፡ ቀጺሉ ኸኣ ህዝቢ እግዚኣብሄር ብምግቡን ኣካላቱን ልብሱን ቤቱን ንጹህ

ኪኸውን ከም ዚግብኦ ዚገልጽ ምዕራፋት ንርኢ (ዘሌ.11-15) ። ኣብ ምዕራፍ 16 ሕጊ ናይታ ዓባይ መዓልቲ ዕርቂ ተዋሂቡ ይርከብ፡ እዚ ሕጊ እዚ ኸኣ ኣብ እብ.9 ተግሊጹ ኣሎ። ኣብ ምዕራፍ 17

ሰብ ደም ዘይበልዓሉ ምኽንያት ንረክብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ህዝብታት እግዚኣብሄር ካብ ካልኦት ህዝብታት ፍሉያት ኪኾኑ ዚግባእ ስለዝኾነ፡ ፍሉይ ትእዛዛት ይውሃቦም (ዘሌ.18፡25) ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ምዕራፋት ከኣ ኣምላኽ ንህዝቡ፤ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ እናበለ፡ ነተን እተዋህብኦም

ትእዛዛት ኩለን ኪእዘዙ የጠንቅቖም (ዘሌ.26-27)።

ዘሁልቍ {Numbers} ዘሁልቍ “፤ ናይ ግእዝ ቃል ኮይኑ ፣ ትርጉሙ ድማ ምቑጻር” ማለትእዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኦሪት ዘሁልቍ እተባህለትሉ ምኽንያት፡ ብዛዕባ

ቁጽሪ ደቂ እስራኤል እትዝርዝር መጽሓፍ ስለ ዝኾነት እያ። ምቑጻር ደቂ እስራኤል ካብቲ ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ዝነበሩሉ ጊዜ ኸም ዝጀመረ

ንዝክር (ዘሁ.1፡5) ። ኣብተን ማእከሎት ምዕራፋት ናይዛ መጽሓፍ ጉዕዞ እስራኤል ናብ ከረን ሲና ክሳዕ ርባ ዮርዳኖስ ነንብብ (ዘሁ.6፡25) ። ደቂ እስራኤል ኣብ ፍርቂ መገዲ ማለት ኣብ ቃዴስ ምስ ሰፈሩ፡ ብኣምላኽ ስለ ዘይኣመኑን ስለ ዘይተኣዘዝዎን፡ እቲ ወለዶ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ጸነተ፡

ስለዚ እቶም ደቆም ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ኣብቲ ጥቓ ርባ ዮርዳኖስ ዚርከብ ሃገር ሞኣብ ምስ በጽሑ፡ እቲ ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ከም እተቖጽረ ንርኢ (ዘሁ.26) ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ሞትሙሴን

ብዛዕባ ምትካእ እያሱን ብዛዕባ ሞት ኣሮንን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገር ርስቶም ምስ ኣተው ዘብዕልዎ በዓላትን፡ ብዛዕባ ዶብ እታ ሃገርን፡ ኣብዛ ምጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹ ንረኽቦ (ዘሁ.27-36) ።

ዘዳግም {Deuteronomy} ዘዳግም ፤ እተባህለትሉ ምኽንያት፡ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ዶብ ሃገር ከንኣን ምስ በጽሑ

ሙሴ ነቲ ኦሪት ደጊሙ ስለ ዘፍለጦም እዩ። ህዝቢ እስራኤል ገና ኣብ ከረን ሲና ኸለው፡ ነቲ ኦሪት ሓደ ጊዜ ሰሚዖምዎ ኸም ዝነበሩ ንዝክር ( ዘጸኣት፡ ዘሌዋውያን) ። እዚ ኸኣ

ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ዝኾነ ነገር ነበረ። እቶም በዚ ግዜ እዚ ነቲ ኦሪት ዘዳግም ዝሰምዕዎ ግና እያሱን ካሌብን እቶም ዕድሚኦም ካብ ዕስራ ዓመት ንታሕቲ ዝነበሩን

ጥራይ እዮም። እቶም ቀዳሞት ወለዶም ኣብ ምድረ በዳ መይቶም እዮም፡ ስለዚ እቶም ኣብ ዶብ ከነኣን ዝበጽሑ ህዝቢ፡ ነቲ ኦሪት ዘይሰምዑ ሓድሽ ወለዶ ኸም ዝነበሩ ንዝክር።

እምበኣርከስ ኣብ መንጽር ያሪኮ ኸለው፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብታ ሃገር ርስቶም ቅድሚ ምእታዎም፡ ሙሴ ኣብ ከረን ኔቦ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ነቲ ኦሪት ደጊሙ ይነግሮም። ስለዚ

እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እንረኽቦ ነገር እዚ እዩ (ዘዳ.1፡3-5 ፤ 6፡1-2 ፤ 32፡48-49)። ሙሴ ደጋጊሙ ኸምዚ እናበለ ይመኽሮም፤ ናብታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ሃገር ኣቲኹምምእንትñ ኺትወርስዋ፡ ነዚ ኣነ ዝነግረኩም ዘለኹ ሕግታት ስምዑን ሓልውን፡ ቀዲሉ ኸኣ

ሎሚ ህይወትን ሞትን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣለኹ፡ ስለዚ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፡ ህይወት ሕረዩ፡ ብዚብል ቃል የተባብዖም (ዘዳ.30፡11-20) ። ኣብ ምዕራፍ 31

ከኣ ሙሴ ብዛዕባ ሞቱ ኸም እተዛረበን፡ መተካእታኡ ንእያሱ ኸም ዝሾመን፡ ነዚ ሕጊዚ ኸም ዝጸሓፈን፡ ነቶም ካህናት ከኣ ነዚ መጽሓፍ ሕጊ ኣብ ውሽጢ ታቦት ኪዳን

እግዚኣብሄር ኬንብርዎ ኸም ዝኣዘዞምን ነንብብ።

ለ. ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ናይ ታሪኽመጻሕፍቲ ዝባሃሉ ካብ መጽሓፍ እያሱ ክሳብ

መጽሓፈ ኣስቴር ክኾኑ ከለዉ፣ ናይ ታሪኽመጽሓፍመበሊኦ ድማ ዝበዝሕ ክፋሎም ታሪኽ ዝሓዘ ስለ ዝኾነ አዩ።

1. መጽሓፍ እያሱ 2. መጽሓፍመሳፍንት 3. መጽሓፈሩት

4. 1 ይ ሳሙኤል 5. 2 ይ ሳሙኤል 6. 1 ይ ነገስት 7. 2 ይ ነገስት 8. 1 ይ ዜና

መዋእል 9. 2 ይ ዜናመዋእል 10. መጽሓፈ እዝራ11. መጽሓፈ ነህምያ 12. መጽሓፈ ኣስቴር።

መጽሓፈ እያሱ ኢያሱ “፤ ማለት እግዚኣብሄር መድሓኒት” ማለት እዩ። ድሕሪ ሞትሙሴመራሒ እስራኤል

ኮይኑ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እያሱ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ነቲ ህዝቢ ርባ ዮርዳኖስ ኣሳጊሩ ነታ ሃገር ተስፋ ዘውረሶም መራሒ። ኣቦሓጎኡ ኤሊሻማዕ ዋና ነገድ ኤፍሬም ነበረ (1ዜና.7፡26-27 ፡

ዘሁ.1፡4-10) ። እያሱ መንእሰይ ከሎ ኻብ ምስሪ ወጸ፡ ሙሴ ኸኣ ምስ ኣማሌቅ ኪዋጋእ ኣዘዞ፡ ንሱ ኸኣ ሰዓሮም (ዘጸ.17፡8-13) ። ጊልያ ሙሴ ነበረ (ዘጸ.24፡13 ፤ 32፡17 ፤ 33፡11 ።

ዘሁ.11፡28) ። እያሱ ሓደ ኻብቶም ምድሪ ከነኣን ኪስልዩ ካብ ቃዴስ እተላእኩ ዓሰርተው ክልተ ሰለይቲ ነበረ። ንሱን ካሌብን ብእምነት ንኺድ ስለ ዝበሉ፡ ናብ ከነኣን ከም ዚኣትው ተስፋ ተዋህቦም (ዘሁ.13-14) ። ኣብ ዘሁ.13፡8 ሆሽዓ ዚብል ስም ተዋሂብዎ ኣሎ። ድሕሪ ሙሴኸኣ መራሒ ኪኸውን ተሓርየ (ዘሁ.27፡15-23 ። ዘዳ.3፡28 ፤ 31፡23)።

እግዚኣብሄር ብቓልን ብራእይን ከም ዘተባብዖ ነንብብ (እያ.1፡1-9 ፤ 5፡13-15) ። ህዝቢ እስራኤል ብመሪሕነት እያሱ ርባ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ያሪኮ ሓዙ፡ ጊልጋል ከኣ እታ ቐንዲ

ቦታኦም ኮነት። ካብኣ ተበጊሶም እናወረሩ ኸኣ ንነገስታት ከነኣን ሰዓሩ። እግዚኣብሄር ከኣ መዓልቲ ብምንዋሕን በረድ ብምውራድን ሓገዞም (እያ.10፡11-14) ። ደቂ እስራኤል ንከነኣን

ምስ ሓዝዋ፡ እያሱ ነቶም ነገዳት እስራኤል መመሬቶምመቐሎም። ጊዜ ሞቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ነቲ ህዝቢ ኣኪቡ ኩሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሎም ኣዘኻኸሮም። ምስቲ ህዝቢ ኪዳን ኣተወ እሞ ንምልክት ኪኸውን ኣብ ሴኬም ሓደ ዓቢ እምኒ ኣቖመ (እያ.24፡25-28) ። እያሱ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኮነ ሞተ፡ ኣብ መሬት ርስቱ ኣብ ሃገር ኤፍሬም ከኣ ተቐብረ

(እያ.24፡29-31

መጽሓፈ መሳፍንትመሳፍንት ፤ ኣብ ዘበን ብ.ኪ. ኣብ እስራኤል ነገስታት ከይነገሱ ኸለው፡ ሓደ ኻብ ዘርኢ

ነገስታት ዘይኮነ፡ ነታ ሃገር ካብ ወራር ዜድሕን ጅግና፡ {መስፍን} ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ደቂ እስራኤል ኣብ ሃገር ርስቶም ምስ ኣተው፡ ድሕሪ ሞት እያሱ፡ ንእግዚኣብሄር

ሓዲጎም ኣማልኽቲ ካልኦት ህዝብታት ብምምላኽ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ተቖጥዖም። ስለዚ ናብኡ ምእንቲ ኺመልሶም፡ ናብ

ዚማርኽዎም ጸላእቲ ኣሕሊፉ ይህቦም ነበረ። ደቂ እስራኤል ከኣ ጸላኢ ብዝመጾም መጠን፡ እናተጨነቑን እናተጣዕሱን ናብ እግዚኣብሄር ይምህለሉን ይልምኑን ነበሩ። በዚ

እዋን እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺምሕሮም ሓደ መስፍን ኣተንሲኡ ካብ ኢድ እቶም ዚማርኽዎም የድሕኖም ነበረ (ምሳ.2፡11-19 ፤ 3፡9 ፥ 15) ።

እቶም ኣብ እስራኤል ዝተንስኡ መሳፍንቲ 13 እዮም። ንሳቶም ከኣ ካብ ሞት እያሱ ጀሚሮም ክሳዕ ንግስነት ሳኦል ን300 ዓመት ዚኸውን ነታ ሃገር ሓለው። እቶም መሳፍንቲ እዞም ዚስዕቡ እዮም፤ ዖትኒኤል {መሳ.3፡7-11} ፡ ኤሁድ ወዲ ጌራ እቲ

ዓኼላይ {መሳ.3፡12-30} ፡ ሻምጋር ወዲ ዓናት {መሳ.3፡31} ፡ ዴቦራ እታ ነብዪትንባራቕን {መሳ.4፡1-5፡31} ፡ ጊደዎን {መሳ.6፡1-8፡35} ፡ ኣቢሜሌክ {መሳ.9፡1-57} ፡ቶላ {መሳ.10፡1-2} ፡ ያኢር {መሳ.10፡3-5} ፡ ዮፍታሔ {መሳ.10፡6-12፡7} ፡ ኢብጻን {መሳ.12፡8-10} ፡ ኤሎን {መሳ.12፡11-12} ፡ ዓብዶን {መሳ.12፡13-15} ፡ ሳምሶን {መሳ.13፡1-16፡31}።

መጽሓፈ ሩትሩት “፤ ማለት መልክዕ” “ወይ እውን ምልክዕቲ” ማለት እዩ። ብዘበን

መሳፍንቲ ማሕሎን ወዲ ናእሚ ኣእትይዋ ዝነበረ ሞኣባዊት እያ። ናእምን ብዓል ቤታን ብምኽንያት ጥሜት ምስ ደቆም ካብ ሃገር ኤፍሬም

ተላዒሎም ናብ ሃገር ሞኣብ ተሰዱ። ወዶም ማሕሎን ከኣ፡ ሩት እተባህለት ሞኣባዊት ኣእተወ። ናእሚ ድማ ሰብኣያን ደቃን ምስ ሞቱ ናብ ሃገራ ንምምላስ ሓሰበት፡ ሩት ግና ብእግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነት ምስ ናእሚ

ሓማታ ንምኻድ መደበት። ሩት ንናእሚ እናኣገልገለት ከላ፡ ቦኣዝ ብዓልቤተ- ልሄም ንምእታው በቕዔት። ምስ ተኣታተው እዮቤድ ወለዱ፡ እዮቤድ

ከኣ ኣቦ እሴይ ኮነ። እቲ ዛንታ ብሰፊሑ ኣብ መጽሓፍ ሩት ተጻሒፉ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እግዚኣብሄር ነታ ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝነበረ ሩት

ብምኽንያት እምነታ ኸም እተቐበላን (ሩት.1፡16-17) ፡ ዓባዩ ንንጉስ ዳዊት ክትከውን ከኣ ከም ዘብቅዓን ትዝርዝር (ሩት.4፡13-17 ። ማቴ.1፡5)።

1 ይን ፤ 2 ይን ሳሙኤል ሳሙኤል ፤ ማለት ስም እግዚኣብሄር ወይ ከኣ ኣምላኻዊ ስም ማለት እዩ። ሳሙኤል

መወዳእታ ካብ እቶም መሳፍንቲ እዩ። ሳሙኤል ንሳኦልን ዳዊትን ቀቢኡ ዘንገሰ ነብይ እዩ { ግብ 3፥24 ፤ 13፥20} ። ብጸሎት ምስሙሴ ከም እተቆጽረ ንርኢ { ኤር 15፥1}።

ሳሙኤል ብዓል ኤፍሬም እዩ፡ ኣቦኡ ኤልቃና ይብሃል፡ ኣዲኡ ኸኣ እታ መኻን ዝነበረትሃና እያ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ከምቲ ዝሃበቶ መብጽዓ፡ ጡብ ምስ ሓደገ ንእግዚኣብሄር

ወፈየቶ፡ ኤሊ ድማ ኣዕበዮ (1ሳሙ.1) ። ደቂ ኤሊ ግና ባዕለጌታት ነበሩ። ሳሙኤል ኣብ ቅድሚ ኤሊ ኼገልግል ከሎ እግዚኣብሄር ተገልጸሉ (1ሳሙ.2-3) ። ኤሊ ምስ ሞተ፡ ሳሙኤል ናይ እስራኤል ፈራድን ካህንን ኮነ (1ሳሙ.7፡15-17) ። ደቂ ሳሙኤል ከም ኣቦኦም ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዘይተመላለሱ፡ እቲ ህዝቢ ንጉስ ደለየ፡ ሳሙኤል

ከኣ ንሳኦል ቀብኤ (1ሳሙ.8፡10) ። ሳኦል ቃል እግዚኣብሄር ምስ ነዓቐ ኸኣ፡ ሳሙኤል ንዳዊት ቀብኤ (1ሳሙ.13፡14 ፤ 15፡23 ፤ 16፡1-13) ። ሳሙኤል ንዳዊት ኣብቲ ናይ

ስደቱ ግዜ የጸናንዖ ኸም ዝነበረ ንርኢ (1ሳሙ.19፡18-24) ። ሳሙኤል ምስ ሞተ ኣብ ቤቱ ኣብ ራማ ተቐብረ (1ሳሙ.25፡1) ። ድሕሪ ሞቱ ኸኣ ብሓንቲ መናፍስቲ እትጥይቕ

ሰበይቲ ንሳኦል ተገልጸ (1ሳሙ.28፡11-19) ። እዘን መጽሓፍቲ እዚኤን ዋና ትሕዝቶኤን ብዛዕባ ሳሙኤል ስለ ዝኾነ፡ ብስሙ ይስመያ ኣለዋ።

1 ይን ፣ 2 ይን ነገስት እቲ ኽልተ መጽሓፍ ነገስት፤ ቀዳማይ ነገስት፡ ካልኣይ ነገስት ተባሂሉ ይስመ። እዚ መጽሓፍቲ እዚ

ካብ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ መንግስቲ ይሁዳ፡ ናይ ክልቲኤን፡ ማለት ናይ መንግስቲ ይሁዳን መንግስቲ እስራኤልን ዛንታ ነገስታት የዘንቱ። እዚ ናይ 400 ዓመታት ዛንታ እዩ ።

ዳዊትን ሰሎሞንን ነቶም 12 ነገዳት ብምሉኣቶም ኪገዝእዎም ምስ ጸንሑ፡ ብዘበን ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን እታ መንግስቲ ስለ እተመቕለት፡ ዓሰርተ ኻብቶም ነገዳት ግዝኣት የሮብዓም እቲ ጸላኢ ሰሎሞን ኮኑ፡ እስራኤል ከኣ ተባህሉ። ክልተ ነገዳት ከኣ ግዝኣት ሮብዓም ኮኑ፡ ይሁዳ ኸኣ

ተባህሉ (1ነገ.11፡28-33 ፤ 12፡16-20) ። ብመሪሕነት የሮብዓም ህዝቢ እታ ሰሜናዊት መንግስቲ ንእግዚኣብሄር በደልዎ እሞ ካልኦት ኣማልኽቲ ኬምልኹ ጀመሩ። ስለዚ ኣብ መንጎ ነገስታት

እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ነገስታት ብዙሓት ኣይነበሩን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ እግዚኣብሄር ንኣሶራውያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘተንስኦም። እታ ርእ ሲ ኸተማ እስራኤል ዝነበረት

ከተማ ሰማርያ ብ 722 ቅ.ል.ክ. ብኢድ ኣሶራውያን ዓነወት ፡ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ተማሪኾም ናብ ኣሶር ተወስዱ (2ነገ.24፡3-4፥10-15) ።

ኣብታ ደቡባዊት መንግስቲ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ፡ ከተማ ኢየሩሳሌምን ቤት መቕደስን ነበራ። እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ነበሩ። ኣብ ይሁዳ ሕያዎት ነገስታት ነገሱ፡ ደሓር ግና ምናሴ ዚብሃል

ንጉስ ብዙሕ ስለ ዝበደለ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንኣሶራውያን ዘልዓለ፡ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ከኣ ነቡካድነጻር እተባህለ ንጉስ ባቢሎን ኣልዓለ እሞ ኢየሩሳሌም ብ 586

ቅ.ል.ክ. ብኢድ ሰብ ባቢሎን (ከሌዳውያን) ዓነወት ፡ ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ተወስዱ (2ነገ.24፡3፥4፥10-15)።

………ይቕጽል

1 ይን ፣ 2 … ይን ነገስት መቐጸልታ መብዛሕትኦም ነብያት ብዘበን ነገስታት እዮም ዝተንስኡ። እቶም ነገስታትን

ህዝቦምን ኪብድሉ ኸለው፤ ተመለሱ፡ እንተ ዘይተመለስኩም እግዚኣብሄር ኪፈርደኩም እዩ፡ኢሎም ከጠንቅቕዎም እግዚኣብሄር ነብያት ይልእከሎም

ከም ዝነበረ ነንብብ (2ዜና.36፡15-16 ። ኤር.25፡1-11) ። ኤልያስን ኤልሳእን ኢሳይያስን ሚክያስን ሆሴእን ኣሞጽን ጼፎንያስን ኤርምያስን

ብዘበን ነገስታት ዝተንስኡ ነብያት እዮም (ኢሳ.1፡1) ። እቲ ምሉእ ዛንታ ነገስታት ቅድም ኣብ ሓደ መጽሓፍ ተጻሒፉ ነበረ፡ እቶም

ሰብዓ ሊቃውንቲ ናብ ግሪኽ ምስ ተርጎምዎ ግና ነቲ መጽሓፍ ኣብ ክልተ ኸፈልዎ። እቲ መጽሓፍ ድሕሪ ሞት ንጉስ ዮያኪን ስለ እተጻሕፈ፡ በቲ ዘበን

ስደት ኣብ ባቢሎን እተጻሕፈ ይመስል። ጸሓፊኡ ግና መን ከም ዝኾነ ኣይተፈልጠን (2ነገ.25፡29-30) ። እቲ ጸሓፊ ነቲ ዛንታ ኺጽሕፍ ዘሎ፡ ካብ

ካልእ ዛንታ ቐዲሑ ከም ዝጸሓፈ ተፈሊጡ ኣሎ (1ነገ.11፡41 ፤ 14፡19-29)።

1 ይን ፣ 2 ይን ዜና መዋእል ዜና መዋእል “ማለት ናይ ዕለታት ዜና” ማለት እዩ። እተን ክልተ ናይ ዜና መዋእል

መጽሓፍቲ ከምተን ክልተ መጽሓፍ ነገስት፡ ቀደም ዘበን ሓንቲ መጽሓፍ ነበራ።. ብ 150 ቅ.ል. ክ ግና እቶም 70 ሊቃውንቲ ነታ መጽሓፍ ኪትርጉምዋ ኸለው፡ ኣብ ክልተ ኽፍሊ

ኸፈልዋ። እዘን ክልተ ናይ ዜና መዋእል መጽሓፍቲ ብብዙሕ መገዲ ነተን ክልተ መጽሓፍቲ ነገስት ይመስላ እየን። ኣብ ዜና መዋእል ዕለታዊ ታሪኽ ነገስታት እስራኤልን

ይሁዳን ይዝንቶ። እቲ ንዜና መዋእል ዝጸሓፈ ሰብ፡ መጽሓፉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ብመንፈሳዊ መገዲ፡ በቲ ሃይማኖት ዚትንኪ ኣረኣእያ እዩ ዝጸሓፋ። ኣብቲ ጽሑፉ

ብዛዕባ ቤት መቕደስን ብዛዕባ ኻህናትን ገሊጹ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ንይሁዳ ዘይትንክï ጉዳያት እስራኤል ብዙሕ ኺጠቕሶ ኣይንርእን። እቲ ጸሓፋይ ብተርታ

ወለዶ ጀሚሩ (1ዜና.1-9) ብዛዕባ ሞት ሳኦል ኣዘንትዩ ናብ ዳዊት ይበጽሕ (1ዜና.10) ። ካብኡ ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኣብ 1 ዜና መዋእል ዛንታ ዳዊት ይዝርዝር። ካብኡ ኸኣ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ከተማኡ ኸም ዘምጽኦን (1ዜና.13-16) ፡ ቤት ኣምላኽ ንምስራሕ

ከም ዝሓሰበን ዜድሊ ኸም ዘዳለወን (1ዜና.22) ፡ ሌዋውያን ቆጺሩ ናብ ዕይኦም ከም ዝመደቦምን (1ዜና.23-26) ፡ ምስ ኣረገ ኸኣ ንወዱ ሰሎምን ምስሊ እታ እትህነጽ ቤት

መቕደስ ሕድሪ ኸም ዝሃቦን ተር ኣቢሉ የዘንቱ (1ዜና.28-29)። ……………ይቕጽል ..

1 ይን ፤ 2 …ይን ዜና መዋእል .መቐጸልታ

ኣብታ ኻልአይቲ መጽሓፍ ከኣ ብዛዕባ ሰሎሞን ነንብብ። ሰሎሞን ቤት ኣምላኽ ከም ዝሰርሔን፡ ብጸሎት ከም ዝቐደሳን፡ ከምኡ ኸኣ ብዛዕባ ግርማ ሰሎሞንን

ምብጻሕ ንግስቲ ሳባን ነንብብ (2ዜና.1-9) ። ኣብተን ዚስዕባ ምዕራፋት ክሳዕ መወዳእታ ድማ፡ ካብ ሮብዓም ክሳዕ ምርኮ ህዝቢ ይሁዳ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ

ሃገሮም ምእንቲ ኺምለሱ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣዋጅ ክሳዕ ዚእውጅ ንዝነበሩ ነገስታት ይሁዳ፡ ተር ኣቢሉ ዛንታ ነፍስ ወከፎም የዘንቱ (2ዜና.10-36)።

ብዙሓት መምህራን መ.ቅ. ፡ እቲ መጽሓፍቲ ዜና መዋእል ዝጸሓፈ እዝራ እዩ ይብሉ። እዚ ኸኣ ሓቂ ኸይኮነ ኣይተርፍን እዩ። እዚ ኪኸውን ከሎ ግና፡ ኣብተን

መጽሓፍቲ፡ ድሕሪ እዝራ ዝነበረ ወለዶውን ይዝርዝር ስለ ዝኾነ ካልእ ሰብውን ወሲኹለን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዜና መዋእል እተጻሕፈሉ ዘበን 400

ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ እዩ። ጸሓፊ ዜና መዋእል ብኻልእ ዛንታ ነገስታት ዝሓዘ ጽሑፍ ከም እተጠቕመ ፍሉጥ እዩ (2ዜና.9፡29 ፤ 12፡15 ፤ 20፡34 ፤ 32፡32)።

መጽሓፈ እዝራ እዝራ ፤ ማለት {ረድኤት} ማለት እዩ። እዝራ ካህንን ፣ ጸሓፍን እዩ ነይሩ ። ታሪኽ እዝራ ኣብ

መጽሓፍ እዝራ ተጻሒፉ ይርከብ። እዝራ ኣብ ማእከል ምርኮኛታት ባቢሎን ዓበየ። ካብ ዓሌት ኣሮን ከም እተወልደን፡ ከም ሕጊሙሴ ኸኣ ካህን ከም ዝነበረን፡ ብሕጊሙሴ ድማ ፍጡን ጸሓፊ ከም ዝኾነን ነንብብ (እዝ.7፡1-6፥11) ። ኣብቲ ሳብዓይ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ማለት ብ 458 ቅ.ል.ክ. ፡ ካብቲ ንጉስ ፍቓድ ወሲዱ 1800 ፍቓደኛታት ኣይሁድ ተማሊኡ ናብ

የሩሳሌም ከደ (እዝ.8፡1-36) ። ቅድሚ ምምጻእ እዝራ እቶም ኣብ ሃገር ኣይሁድ ዝነበሩ ካብ ምርኮ እተመለሱ ኣይሁድ ብብዙሕ መገዲ ተጨኒቖም ከም ዝነበሩ ንዝክር፡ ብቓል

እግዚኣብሄር ገይሩ ዚመርሖም ሰብ ካብ ምስኣን እተላዕለ፡ ካብ መገዲ እግዚኣብሄር ኪርሕቑ ጀመሩ። እዝራ እቲ ኻህን ግና ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፡ ስርዓትን ፍርድን ከኣ

ኣብ እስራኤል ንምምሃርን ልቡ ስለ ዘዳለወ፡ እቲ ናብ የሩሳሌም ምምጽኡ፡ ቃል እግዚኣብሄር ንምምሃርን ነቲ ጌጋ እቲ ህዝቢ ንምዕራይን ጠቐመ (እዝ.7፡10 ። ነህ.8፡8) ። ብፍላይ ከኣ

ብዙሓት ሰብ ይሁዳ ሕጊ ኦሪት ኣፍሪሶም፡ ካብ ዓሌት እስራኤል ዘይኮና ኣንስቲ ስለ ዘእተው፡ እዝራ ነዞም ሰባት እዚኦም ካብተን ኣንስቲ ኺፍለዩ ምኽሪ ሃቦም (እዝ.9፡10) ። በዚ ዘበን እዚ

ኸኣ ህዝቢ የሩሳሌም ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ ምካበብያ የሩሳሌም ንምንዳቕ ኪጽዕሩ ጀመሩ። እንተኾነ ግና ብምኽንያት ኣንጻርነት ጸላእቲ እቲ ዕዮ ኺሰልጦም ኣይከኣለን (እዝ.4፡6-23) ። ብ

445 ቅ.ል.ክ. ግና እቲ ኣሰላፊ ወይኒ ንጉስ ፋርስ ዝነበረ ነህምያ፡ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነቲ መካበብያ ነደቖ፡ እዝራ ኸኣ ምስ ነህምያ ሓቢሩ ነቲ ህዝቢ ኣስፊሑ ሕጊ እግዚኣብሄር መሃሮ

(ነህ.8-10) ። ……ይቕጽል

…መጽሓፍ እዝራ ..መቐጸልታ

እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ህዝቢ እስራኤል ካብ ባቢሎን ከም እተመልሱን ንቤት መቕደስ ከኣ ከም ብሓድሽ ከም ዝሰርሕዋን ተዘንቱ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ካብ 537

ቅ.ል.ክ. ጀሚራ ክሳዕ እታ እዝራ ናብ የሩሳሌም ዝመጸላ ዓመት፡ ማለት 458 ቅ.ል.ክ. ዘሎ ዛንታ ትዝርዝር። እታ

ቤት መቕደስ ከኣ ብ 516 ቅ.ል.ክ. ከም እተወድኤት ይመስል። እታ መጽሓፍ ባዕሉ እዝራ ከም ዝጸሓፋ ወይ

ከኣ ንድፊ እታ መጽሓፍ ከም ዘዳለወ ይግመት (እዝ.8፡1)።

መጽሓፈ ነህምያ ነህምያ ማለት “ ’እግዚኣብሄር የድሕን ዩ” ማለት እዩ። ነህምያ ናይ ኣርታሕሻስታ

ንጉስ ፋርስ ኣሰላፊ ሜስ ዝነበረ ኣይሁዳዊ (ነህ.1፡1፥2፥11) ። ብዘበን ኣርታሕሻስታ፡ ኣብ መበል ዕስራ ዓመት መንግስቱ፡ ብ 445ቅ.ል.ክ. ኢየሩሳሌም

ንምንዳቕ ፍቓድ ተቐበለ (ነህ.2፡1፥5፥6፥11) ። ዑና የሩሳሌም ምስ ረኣየ ነቶም ሓላቑ እታ ኸተማ ንዕዮ ኣተባብዖም፡ ኣንጻርነት ጸላኢ ከይፈርሄ ኸኣ ብ 52 መዓልቲ

ነቲ መካበብያ ኣንደቐ (ነህ.2፡12-6፡15) ። ነታ ሃገር እናኣመሓደረን ነቲ ህዝቢ ብምኽሪ እናመርሔን ከኣ ክሳዕ 433 ቅ.ል.ክ. ኣብ ኢየሩሳሌም ጸንሔ(ነህ.8፡9 ፥

10፡1 ፤ 13፡6) ። ቲርሻታ ገዛኢ ሃገር ማለት እዩ።ድሕርዚ ነህምያ ናብ ኣርታሕሻስታ ተመልሰ፡ መሊሱ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ከደ ግና ዘይግባእ ኩነታት ምስ ረኣየ

ብምግሳጽን ብሓይልን ነቲ ጉዳይ ከልከለ (ነህ.13) ። ነህምያን እዝራን ብሓደ ኾይኖም ይሰርሑ ነበሩ። ነህምያ ናይ እምነት ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ከም መሰረት ቃል

ኣምላኽ ብትብዓት ንምጽላይን ምዕያይን ከኣለ (ነህ.1፡4-11 ፤ 2፡4፥20 ፤ 4፡14-15 ፤6፡9-11) ።እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ እብራይስጥን ግእዝን ናይ መጽሓፍ እዝራ

ኽፍሊ እያ። ነህምያ ባዕሉ ኸም ዝጸሓፋ ኸኣ ግሉጽ እዩ (ነህ.1፡1 ፥ 2 ፥ 4)።

መጽሓፈ ኣስቴር ኣስቴር “፤ ዝብል ቃል ካብ ናይ ፋርስ ቛንቛ ዝመጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ኮኾብ” ማለት እዩ። ካልኦት

ግና ኣስቴር ካብ ሓደ ኣሽታር ዚብል ስም ጣኦት ባቢሎን እተወስደ ስም እዩ ይብሉ። እዛ ኣብ መ.ቅ. ተጠቒሳ ዘላ ኣስቴር፡ ናይ እብራይስጢ ስማ ሃዳሳ ዚብል እዩ ዝነበረ። ኣስቴር፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ

ምስ ኣእተዋ ንግስቲ ዝኾነት ኣይሁዳዊት ምርኮኛ ነበረት። እቲ ንጉስ ንሰበይቱ፡ ንንግስቲ ዋሽቲ፡ ምስ ሰደዳ፡ ነዛ ብሓልዮት ወዲ ሓወቦኣ ማርዶካይ ዝዓበየት ኣስቴር፡ ንግስቲ ኺገብራ ሓሰበ (ኢሳ.2፡5-

11) ፡ ስለዚ እቲ ንጉስ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ኣንገሳ (ኣስ.2፡17) ። እቲ ጸላኢ ኣይሁድ ዝነበረ ሃማን፡ ኣይሁድ ኬጥፍእ ምስ ሓሰበ፡ ኣስቴር ነቲ ንጉስ ለሚና ኣድሓነቶም (ኣስ.3-8 ብፍላይ ከኣ 4፡10-5፡

2) ። ማርዶካይን ኣስቴርን ነቲ ክፉእ ሓሳብ ናይ ሃማን ብምልዋጥ፡ ንኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ከም ዚለዓሉ ገበርዎም፡ በብዓመቱ ኸኣ ጱሪም እተባህለ በዓል ኪብዕል ትእዛዝ ወጸ (ኣስ.8-10)።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ብጊዜ መንግስቲ ፋርስ ኣብ ልዕሊ ምርኮኛታት እስራኤል ዝወረደ ስደትን ምድሓኖምን እተዘንቱ መጽሓፍ እያ። እታ መጽሓፍ ድሕሪ ሞት ኣሓሽዌሮስ ማለት ብ 465 ቅ.ል.ክ.

ከም እተጻሕፈት ይግመት፡ መን ከም ዝጸሓፋ ግና ኣይተፈልጠን። ዝኾነ ኾይኑ ግና እቲ ጸሓፊኣ ናይ ቤተ መንግስት ፋርስ ኣገባብ ንብረትን ስርዓትን ዚፈልጥ ኣይሁዳዊ ይመስል። ኣይሁድ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ በብዓመቱ ኣብ በዓል ጱሪም ዘንብብዋ ስለ ዝኾኑ ኣዝያ ፍልጥቲ ኾነት።መጽሓፍ ኣስቴር

ብቛንቋ እብራይስጢ እያ እተጻሕፈት፡ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ስም እግዚኣብሄር ኣይተጠቕሰን። እዚ ኸኣ፡ ብዘበን ምርኮ፡ ብጊዜ ስደት ስለ እተጻሕፈት ከይኮነ ኣይተርፍን። እንተኾነ ግና ሽሕ እኳ ስም እግዚኣብሄር እንተ ዘይተጠቕሳ፡ እግዚኣብሄር ልዕሊ ኩሉ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ንጉስ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝነበሮ ጽቡቕ ፍቓድ ብኣስቴር ገይሩ ኸም ዝፈጸሞ ብጋህዲ ትገልጽ (ኣስ.4፡14)።

ሐ. ናይ ትምህርቲ ወይ ናይጥበብመጻሕፍቲ

እዞምመጻሕፍቲ እዚኦም ብመልክዕ ግጥምንመዝሙርን ዝተጻሕፉ እዮም። ዕላምኦ ከኣ ንሰብ ብዝለምለመመንገዲ

ንምስሓብን ንምስትም ሃርን፣ ከምኡ እዉን ሰናይ ዝኾነ ባህሪ ክህልዎምግባር እዩ። ብተወሳኺ ብመዝሙርን ግጥምን

ንእግዚኣብሄር መምስጋን ናይ ነፍሲ ወከፍ ግዴታ ምዃኑ የረድኡ። ንሳቶም ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-

1. መጽሓፈ እዮብ 2. መዝሙር ዳዊት 3.ምሳሌ 4. መጽሓፈመክብብ 5. መሃልየ መሃልይ።

መጽሓፈ እዮብ እዚ ሰብ እዚ ብዙሕ መከራ ዝወረዶ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ነበረ። ኣብ መጽሓፍ እዮብ ከኣ፡

ሃብታምን ክቡርን ከም ዝነበረ ይዝንተወሉ። ኩሉ ሃብቱ ብሃንደበት ይጠፍእ፡ ደቁ ኸኣ ይሞቱ። ንሱ ኸኣ ብብርቱዕ ቁስለተ- ስጋ ይውቃዕ፡ ብሰብ ድማ ይንዐቕ። እቶም ፈለጣት ኢና በሃልቲ ፈተውቱውን ከይተረፉ፤

እዚ ብስውር ስለ ዝበደልካ እዩ ዚወርደካ ዘሎ፡ እናበሉ ይከራኸርዎ። ኣንባቢ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ቅንዕና እዮብ ምእንቲ ኪፍተን፡ እዮብ ብሰይጣን ኪፍተን ብእግዚኣብሄር ከም እተፈቕዶ ይፈልጥ እዩ። እዮብ ግን

ነዚ ኣይፈለጦን፡ ስለዚ እቲ ልዕሊ ኹሉ ዜጨንቖ ዝነበረ ነገር፡ እግዚኣብሄር ከም እተላዕሎ ስለ ዝመሰሎ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ እግዚኣብሄር ጥበቡን ሓይሉን ምስ ገለጸሉ፡ እዮብ ንኸምዚ ዝበለ ኣምላኽ

ምእማኑ እምበር፡ መገዱ ንምስትውዓል ንሰብ ከም ዘይተዋህቦ ይርዳእ፡ ክርክሩ ኸኣ ይሓድግ። ድሕርዚ ኸኣ ካብቲ ቅድም ዝነበሮ ዝበለጸ ሃብቲ ይውሃቦ፡ ብሰላምን ብኽብረትን ከኣ ነዊሕ ዕድመ ይጸንሕ። እዮብ

ዝነበረሉ ዘበን መኣስ ከም ዝኾነን ኡጽ እትብሃል ሃገር ከኣ ኣበይ ከም ዝነበረትን ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን። ዝኾነ ኮይኑ ግና ብዘበን ቀዳሞት ኣቦታት ዝኾነ ይመስል (እዮ.1፡1-5) ። እዮብ ከም ኖህን

ዳንኤልን ምእንቲ ኻልኦት ዚጽሊ ሰብ ከም ዝነበረ ንርኢ (ህዝ.14፡14፥20 ። እዮ.42፡8፥10)። መጀመርታን መወዳእታን ክፍልታት ናይዛ መጽሓፍ እዮብ ብስዲ- ንባብ ተጻሒፉ ንረኽቦ፡ ካብ እዮ.3-41

ዘሎ ትሕዝቶኣ ግና ብግጥሚ ተጻሒፉ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ በቲ ዕምቆት ጥበባ ኣዝያ ትነኣድ፡ በቲ ናይ ስነ- ጽሑፋ ጽባቔ ኸኣ ሓንቲ ኻብተን ዝበለጻ ናይ ዓለም መጽሓፍቲ ኾይና ትቑጽር። ጸሓፊኣ ግና መን

ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ዛንታ እዮብ ሽሕ እኳ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዚፍለጥ እንተ ነበረ ፡ እዛ ክሳዕ ሎሚ ዝጸንሔት መጽሓፍ እዮብ ብዘበን ሰሎሞን ወይ ከኣ ብድሕሪኡ ኸም እተጻሕፈት ዚመስሎም ብዙሓት ሉቃውንቲ ኣለው።ካልኦትውን ብዘበን ኣብርሃምን ይስሃቅን እተጻሕፈት መጽሓፍ እያ ዚብሉ ኣለው። መጽሓፍ

እዮብ ከም መጽሓፍ ምሳሌን ከምመጽሓፍ መክብብን ሓንቲ ካብተን መጽሓፍቲ ጥበብ ዚብሃላ እያ። ጳውሎስ ካብ እዮ.5፡13 ጠቒሱ ኣብ 1ቆረ.3፡18-20 ከም ዘመልከቶ ንርኢ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሓሳብ

እግዚኣብሄርን መገዱን ግሩምን ረቂቕን ስለ ዝኾነ፡ እዚ ብኣረኣእያ ጥበብ ሰብ ኪትርጎም ከም ዘይከኣል ትሕብር። ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን ስለ ዝኾነን፡ ነቶም ከም እዮብ

መከራ ተዓጊሶም ዚኣምንዎ፡ ከም ዚባርኾም ተረድእ ።

መዝሙር ዳዊት ዳዊት ፤ ካብ ኩሎም ነገስታት እስራኤል ዝዓበየን እተፈትወን ንጉስ ነበረ። ዘበን መንግስቱ ካብ 1011-

971 ቅ.ል.ክ. ኮይኑ ይግመት። ዳዊት ኣብ እስራኤል ስሙ ኣዝዩ ውሩይ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዛንታኡ ኣብመ.ቅ. ካብ 1ሳሙ.16 ጀሚሩ ክሳዕ 1ነገ.2 ብነዊሑ ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ዜና መዋእልውን

ዛንታኡ ኣብ 1ዜና.11-29 ተጻሒፉ ኣሎ። ዳዊት ኣብ ይሁዳ ኣብ ቤት- ልሄም እተባህለት ዓዲ ተወልደ። ኣቦኡ ኸኣ እሴይ ይብሃል (1ሳሙ.16፡10-11) ። ካብ ደቂ እሴይ እቲ ዝነኣሰ ስለ ዝነበረ፡ ኣባግዕ ኣቦኡ

እናሓለወ ጊዜ ንእስነቱ ብጓስነት እናኣገልገለ ጸንሔ (1ሳሙ.16፡11 ፤ 17፡34-36) ። መተካእታ ንጉስ ሳኦል ኮይኑ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ብኢድ ሳሙኤል ተቐብኤ (1ሳሙ.16፡13) ። ዝፋን እስራኤል ቅድሚ ምውራሱ ግና፡ ጋሻ ዛግሬ ናይ ንጉስ ሳኦል ኮይኑ የገልግል ነበረ። ንሳኦል ባህ ኬብል ከኣ በገና

ይወቕዓሉ ነበረ (1ሳሙ.16፡18-23) ። ብስም እግዚኣብሄርን ሓይሉን ንሓደ ጎልያድ እተባህለ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍ እምኒ ቐተሎ (1ሳሙ.17፡45-51) ። በዚ ናይ ጅግንነት ተግባሩ ኸኣ እቲ

ህዝቢ ብዙሕ ፈተዎ፡ እንተኾነ ግና በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንጉስ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ዳዊት ቅንኢ ስለ ዘሕደረ ኪቐትሎ ደለየ። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ንዳዊት ፈታዊኡ ስለ ዝነበረ ይሕግዞ ነበረ። ዝኾነ ኾይኑ

ዳዊት ነፍሱ ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ ሃደመ እሞ ኣብ መንጎ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ኪነብር ጀመረ(1ሳሙ.20፡21) ፡ ኣብ በዓቲ ኣዱላም ከኣ ተሓብኤ (1ሳሙ.22፡1) ።

ኣብ በረኻ ኺነብር ከሎ 400 ዚኣኽሉ ሰባት ተኸተልዎ፡ ሓለቓ ውግእ ናይዞም ሰባት ኮይኑ ኸኣ ነቶም ጸላእቲ እስራኤል ይዋጋእ ነበረ (1ሳሙ.23) ። ንጉስ ሳኦል በቲ ጊዜ ወራር ፍልስጥኤማውያን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ብገዛእ ኢዱ ምስ ሞተ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ዳዊት ኣብ ይሁዳ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ኩላ እስራኤል

ከም ዝነገሰ ነንብብ (2ሳሙ.2-4 ፤ 5፡1-5)።

………ይቕጽል .

መዝሙር ዳዊት …..መቐጸልታ ንጉስ ዳዊት በተን ዝነገሰለን ዓመታት በብዓይነቱ ዓበይቲ ስርሓት ስለ ዝገበረ፡ ስሙ ኣዝዩ ውሩይ ኮነ፡

ተወዳዳሪ ዘይብሉ ንጉስ ኮነ። ቀጺልና ገለ ኻብቲ ንጉስ ዳዊት ዝፈጸሞ ዓበይቲ ተግባራት ንጠቅስ፤ ሀ) ነቶም ካብ ዘበን መሳፍንቲ ጀሚሮም ንእስራኤል ዜሸግሩ ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ሰጥ ኣበሎም

(2ሳሙ.5፡18-25) ።ለ) ነቶም ብወገን ደቡብን ምብራቕን ሰሜንን ኣብ ዶብ እስራኤል ዝነበሩ ህዝብታት ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ

ብምግባር፡ ወሰናስን መንግስቱ ኣብ ዙርያ ሃገሩ ብምስፋሕን ነቲ ሃገር ኣዝዩ ኣግፍሖ (2ሳሙ.8 ፤ 12፡26-31) ።ሐ) ንይቡሳውያን ስዒሩ፡ ነታ የሩሳሌም እተባሀለት እተዓርደት ከተማ ወሪሩ ሓዛ እሞ ርእሲ ኸተማመንግስቱ

ገበራ። የሩሳሌም ከኣ ከተማ ዳዊት ተባህለት (2ሳሙ.5፡1-10) ።መ) የሩሳሌም ኩሉ ህዝቢ ንመንፈሳዊ ኣኼባ ዚእከበላ ቦታ ምእንቲ ኺትከውን፡ ነቲ ታቦት ካብቲ ዝነበሮ ቦታ

ኣምጺኡ ናብታ ኣብ የሩሳሌም ተተኺላ ዝነበረት ድንኳን ኣቐመጦ፡ ስርዓት እቲ መቕደስ ከኣ ኣመሓየሸ(2ሳሙ.6 ። 1ዜና.15፡16 ፤ 25) ። ቤት መቕደስ ንምስራሕውን ሓሰበ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣይፈቐደሉን (1ዜና.28፡3) ።ረ) ብዙሕ መዛሙር ጸሓፈ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዳዊት መዝሙር ብዚብል ኣርእስቲ ተመልኪተን ዘለዋ 73

መዛሙር እየን። **ዳዊት ካብ ዕቤቱን ወሪኡን እተላዕለ እታ መንግስቱ ኣብ መ.ቅ. ምሳሌመንግስቲ እቲ መሲህ ኮይና ትጥቀስ። እቲ መሲህውን ሓያሎ ጊዜ ብስም ዳዊት ተጠቒሱ ንረኽቦ (2ሳሙ.7፡8-17 ። ኢሳ.9፡

7 ። ኤር.23፡5-6 ፤ 33፡14-17 ። ህዝ.34፡23 ፤ 37፡24) ። ስለዚ የሱስ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ወዲ ዳዊት ተባሂሉ ይጽዋዕ (ማቴ.9፡27 ፤ 12፡23) ። ኣብቲ መጽሓፍ ወለዶውን የሱስ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ከም እተወልደ

ጽሑፍ ኣሎ (ማቴ.1፡1) ። እንተኾነ ግና ንጉስ ዳዊት በዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ክብ ዝበለ ነገራት ብኽብሪ ዚዝከር ንጉስ እኳ እንተኾነ፡ እንሓንሳእስ ኣብ ዜጉሂ ሓጢኣት ከም ዝወደቐውን ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ ናይ ዝሙት ሓጢኣት ወደቐ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ሰብኣያ ቐቲሉ ኣእተዋ (2ሳሙ.11-12) ። ህዝቢ ብምቑጻር

ንእግዚኣብሄር ኣጉሃየ (2ሳሙ.24) ። ዳዊት በብዓይነቱ ሓጢኣት ኣብ ርእሱን ኣብ ህዝቡን ብዙሕ መቕጻዕቲ ኣውረደ። ኣቤሰሎም ወዱጠለሞ (2ሳሙ.18) ፡ ሰሎሞን መንግስቲ ዳዊት ኪወርስ ተመዲቡ ኸሎ፡ ኣዶኒያ

ነታ መንግስቲ ኺወርሳ ሃቀነ (1ነገ.1) ። እንተኾነ ግና ዳዊት ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሄ ካብ ሓጢኣቱ ተመልሰ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ይቕረ በለሉ (2ሳሙ.12፡13-14)።

መጽሓፈ ምሳሌ ሰሎሞን ፤ ማለት {ሰላማዊ} ማለት እዩ። ሰሎሞን ኣብታ ሕብርቲ መንግስቲ እስራኤል ሳልሳይን ናይ

መወዳእታ ንጉስን ዝነበረ ወዲ ዳዊትን ወዲ ባትሴባን (2ሳሙ.12፡24) እዩ። ኣቡኡ ዳዊት ምስ ኣረገ፡ ንጉስ ኪኸውን ተቐብኤ (1ነገ.1) ። ንኣብያታርን ንሺሜዕን ንኣዶንያን ንዮኣብን ሕነ ፈደዮም

(1ነገ.2) ፡ ጓል ፈርኦን ኣእተወ (1ነገ.3፡1) ፡ ኣስተውዓሊ ልቢ ኺረክብ ለመነ፡ ብጥበቡ ኸኣ ውሩይ ኮነ (1ነገ.3፡5-28 ፤ 10፡1-10 ። 2ዜና.1፡3-12) ። ብሓገዝ ሑራም ንጉስ ጢሮስ ቤት መቕደስን ቤት

ንጉስን ነደቐ (1ነገ.5፡8 ። 2ዜና.2፡7) ። ነቲ ስራሕ ህንጻ ዚዓዩ ዓየይቲ ኣከበ (1ነገ.5፡13-17 ፤ 9፡19-21) ፡ ብንግድ ኣዝዩ ማዕበለ (1ነገ.10፡11-29) ። ብዛዕባ ኣእዋምን ብዛዕባ እንስሳታትን ዓሚቕ

ፍልጠት ነበሮ (1ነገ.4፡33-34) ። ኣብ ዘበን መንግስቲ ሰሎሞን ብዛዕባ ስነ ጽሑፍ ዓቢ ምንቅስቓስ ተገብረ። እቶም ብዛዕባ ጥበብ ዚዛረቡ መጽሓፍቲ ኸኣ፡ ሰሎሞን ከም ዝጸሓፎም ይእመን (ምሳ.1፡

1 ። መሃ.1፡1) ። ሰሎሞን ብዙሓት ኣንስቲ ኣእተወ፡ ንሳተን ከኣ ኣብ እስራኤል ናይ ባዕዲ ኣምልኾ ኸም ዚኣቱን ሰባት

ነቲ ኣምልኮ እቲ ከም ዚስዕቡን ገበራ። በዚ ኸኣ ሰሎምን ንእግዚኣብሄር ኣጉሃየ (1ነገ.11) ። ሰሎሞን ምስ ሞተ፡ እቶም ናይ ሰሜን ዓሰርተ ነገድ፡ ሮብዓም ወዱ ኸይነግስ ስለ እተቓወሙ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሰሎሞን ዝነበረ የሮብዓም መረጹ። ድሕሪ ሞት ሰሎሞን፡ ኣብ ምምቃል እታ መንግስቱ

እንተ ተዓዘብና፡ ብሃብቱን ብፍልጠቱን ውሩይ እኳ እንተ ነበረ፡ ብምምሕዳሩስ ጨቋኒ ኸም ዝነበረ ንግንዘብ (1ነገ.12፡4) ። እምበኣርስከ ዛንታ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ 1ነገ.1-14 ምስኡ ኸኣ ኣብ

1ዜና.22- 2ዜና.9 ተጻሒፉ ይርከብ። ናይ ሰሎሞን ክብርን ጥበብን መንግስትን ኣዝዩ ፍሉጥ እዩ ዝነበረ፡ እንተኾነ ግና ካብኡ ዚበልጽ ክርስቶስ መጸ (ማቴ.6፡29 ፤ 12፡42)።

…ይቕጽል ..

መጽሓፈ ምሳሌ …..መቐጸልታ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ብዙሓት መምህራን ብምሳሌ ገይሮም ኣብ ሃገሮም በብዓይነቱ

ትምህርቲ የምህሩ ከም ዝነበሩ ኽንዝክር የድሊ። ኣብዛ መጽሓፍ ምሳሌ እትብሃል መጽሓፍ ከኣ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ ሓደ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከመይ ገይሩ ኺነብር ከም

ዚግብኦ ይምህር። ምሳሌታት፡ ንህይወት ወዲ ሰብ በብወገኑ እናተንከፉ ግቡእ ምምላስ ሰብ ይሕብሩ። እቲ ቐንዲ ትምህርቲ ምሳሌታት ከኣ፤ ጥበብሲ ምስ እግዚኣብሄር ብምትሕብባር፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ከም እትህብን ንኹሉ ኸም እተስልጥን ምርዳእ እዩ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ኩሉ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ምሳሌታት፡ ናይ ሰሎሞን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብቲ ምሳሌታት ቃላት ጠቢባን ኣሎ፡ ናይ ኣጉር ምሳሌታት ኣሎ፡ ከምኡውን ቃላት ልሙኤል

ተመልኪቱ ኣሎ (ምሳ.22፡17 ፤ 24፡23 ፤ 30፡1 ፤ 31፡1) ። ካብ ምሳ.1 ጀሚርና ክሳዕ ምሳ.9 እንተንበብና፡ ጥበብ ምኽሪ ኽትህብ ከላ ንርኢ። ኣብ ጎደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ

ቃላት ትዛረብ (ምሳ.1፡20 ፤ 8፡1-3 ፤ 9፡1-3) ። እቲ እትህቦ ትምህርቲ ኸኣ ናይ ሰሎሞን እዩ። ካብዚ ቐጺልና እቲ ኣብ ምሳ.10-22፡16 ምስኡ ኸኣ ኣብ ምሳ.25-29 ዘሎ ጽሑፍ፡ ሰሎሞን ባዕሉ ዝመሃዞ ምሳሌታት ምዃኑ ንርዳእ። ሰሎሞን ካብ እግዚኣብሄር ፍሉይ ጥበብ ከም

እተቐበለን፡ ስለስተ ሽሕ ምስላ ከም ዝመሰለን ነንብብ (1ነገ.3፡10-12 ፤ 4፡29-34) ። ካብዘን ምስላታት ሰሎሞን፡ መብዛሕትኤን ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ተጠርኒፈን ኣለዋ፡ እቶም

ዝኣኻኸብወን ከኣ ናይ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰባት እዮም (ምሳ.25፡1) ። እዘን ምስላታት እዚኣተን ድማ ኣብተን ኣብ መወዳእታ ዘለዋ 7 ምዕራፋት ( ማለት ምሳ.25-31) ተመዝጊበን ይርከባ። ……ይቕጽል .

…መጽሓፈ ምሳሌ ..መቐጸልታ መጽሓፍ ምሳሌ መኣስ ተጻሕፈት? ንዚብል ሕቶ፡ ከምዚ ዚስዕብ መልሲ ኪውሃቦ

ይከኣል። እታ መጽሓፍ ካብቲ ሰሎሞን ዝነገሰሉ ጊዜ፡ ማለት ካብ 950ቅ.ል.ክ. ኣቢላ ብሰሎሞን ተጀሚራ ትኸውን። እቶም ናይ ህዝቅያስ ሰባት ከኣ ብ

700ቅ.ል.ክ. ካልእ ምስላታት ዝወሰኹላ ይመስል። ኣይሁድ ድማ ብ 450ቅ.ል.ክ. ካብ ምርኮ ምስ ተመልሱ ነታ መጽሓፍ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ፍጻሜ ከም ዘብጽሕዋ

ይግመት። መጽሓፍ ምሳሌ ብመልክዕ ግጥሚ እያ እተጻሕፈት፡ ምኽንያቱ ኸኣ ብግጥሚ

ዚውሃብ ትምህርቲ ኣብ ልቢ ኸም ዚዕቆር ፍሉጥ እዩ። ነፍስ ወከፍ ምሳሌ ርእሱ ዚኸኣለ ስለ ዝኾነ፡ በብሓደ ኺንበብ ከሎ ነናይ ገዛእ ርእሱ ትምህርቲ ይህብ።

ብዝተረፈ ኣብ ሓደ ዛንታ ኸም እንርእዮ እተኣሳሰረ ዓይነት ንባብ ኣይኮነን። እዚ ኪኸውን ከሎ ኸኣ በብዓይነቱ ምሳሌታት ኣብ ሓደ ክፍሊ ተጠርኒፉ ዚርከብ ስለ

ዝኾነ፡ ነፍስ ወከፍ ምሳሌ ምስቲ ምስኡ ዚሰማማዕ ካልእ ምሳሌ ምንባቡ ጠቓሚ እዩ።

ክርስቶስን ጴጥሮስን ጳውሎስን ያእቆብን ካብ መጽሓፍ ምሳሌ ይጠቕሱ ኸም ዝነበሩ ንርኢ (ሉቃ.14፡8-10 ምስ ምሳ.25፡6-7 ። 1ጴጥ.2፡22 ምስ ምሳ.26፡11 ።

ሮሜ.12፡20 ምስ ምሳ.25፡21-22 ። ያእ.4፡6 ምስ ምሳ.3፡34 ኣጋጥም)።

መጽሓፈ መክብብ መክብብ ፤ ማለት ሰባኺ ወይ መምህር ማለት እዩ ። ሰሎሞን በዛ መክብብ እትብሃል መጽሓፍ ይሰብኽን

ይምህርን። ሰሎሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ የሩሳሌም (መክ.1፡12) ተባሂሉ እቲ ጥበቡ ኣብ ሓያሎ ክፍልታት መክብብ ተጠቒሱ ንረኽቦ (መክ.1፡16 ፤ 2፡9) ። ብዙሕ ምስላታት ከም ዝሰርዔውን ንርኢ (12፡9 ። 1ነገ.4፡32) ።

ገሊኦም ሊቃውንቲ፡ እቲ ኣጸሓሕፋ እብራይስጢ ናይ መጽሓፍ መክብብ ናይ ዳሕራይ ዘበን እዩ እምበር ናይ ዘበን ሰሎሞን ኣይኮነን፡ ስለዚ እቲ ጸሓፊ መጽሓፍ መክብብ ካልእ ሰብ እዩ፡ ዚብሉ እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ጸሓፊ ካልእ ሰብ እንተኾነውን እቲ መጽሓፍ መክብብ እትህቦ መልእኽቲ ብዘይ ጥርጥር ናይ ሰሎሞን እዩ። ሰለሞን ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፤ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት ከንቱ እዩ፡ ኣየጽግብን፡ ይብል። ኣምላኽ ግና ንጉስ ስለዝኾነ

ኩሉ ኪገብር ይኽእል፡ ሃብታም ስለ ዝኾነ ዝደለዮ ይዕድግ፡ ጥበበኛ ስለዝኮ � ነ ንኹሉ ኺምርምር ይኽእል። ካብ ኣምላኽ ኪበልጽ ዚኽእል የልቦን። ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ትምህርቲ ምስ መዝ.49 ከም ዚሰማማዕ ንርኢ። እቲ

ኣብ ዮሃ.10፡10 ተጻሒፉ ዘሎ ጥቕሲ ኸኣ ኣብቲ ትምህርቲ እቲ ይሕብር። ክፍልታት መጽሓፍ መክብብ፤ መክ.1 ። እቲ ሰባኺ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ማለት ኣብ ምልእቲ ዓለም ዘይሩ ይምለስ እሞ ኩሉ ኸንቱነት ከም ዝኾነ

ይርኢ። መክ.2 ። ኩሉ ጣዕሚ ናይዛ ዓለም፡ ሰሓቕን መስተን ጸወታን ሃብትን ፍልጠትን ስልጣንን ጥሪትን ኣንስትን

ክብረትን ኩሉ ኻልእ ነገራት ይፍትን፡ ምስ ፈተነ ኸኣ ኩሉ ኸንቱነት ድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ዘየጽግብን ምዃኑ ይግንዘብ።

መክ.3-11 ። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ክልተ ሓሳባት ማዕረ- ማዕረ ኾይኑ ይኸይድ። (ሀ) ኩሉ እቲ እግዚኣብሂር ዘይብሉ ነገር ከንቱ እዩ። ንኣብነት፡ ሞት ከንቱ እዩ፡ ሰብ ከምቶም ዚሞቱ እንስሳ እዩ (መክ.3፡18-21) ። (ለ)

ዓለም ጽብቕቲ እያ፡ ፍጥረት እግዚኣብሄር እያ፡ ስለዚ ሰብ ኣብ ዓለም ከሎ ባህ ይብሎ፡ ተስፋኡ ግና ኣብኣ ኣይመስርት (መክ.3፡11-13) ።

መክ.12 ። ኣብ ዓለም ምሉእ ሓጎስን ዘይበርስ ህይወትን ኣብ ዝኾነ ይኹን ምንጪ ዘይርከብ ስለዝኾነ፡ እቲ ሰባኺ ኣብ ናይ መወዳእታ ምኽሩ፤ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሓልዎ፡ ዚብል ቃል እዩ።

መሃልየ ማሃልይ መሃልይ ፤ እዛ ቓል እዚኣ ናይ ግእዝ ቃል እያ። ትርጉማ ኸኣ፡ ቅነ፡ ግጥሚ ወይ መዝሙር እዩ ። ስለዚ እታ

ብሰሎሞን ከም እተጻሕፈት እትሕሰብ " መሃልየ መሃልይ" ቅነ-ቅነታት ፡ ግጥሚ-ግጥምታት ወይ ከኣመዝሙር-መዛሙር ማለት እያ (1ነገ.4፡32) ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ዝለዓለ ናይ ሰለሞን መዝሙር እትገልጽ መጽሓፍ ቅነ እያ። ኣብኣ ናይ ክልተ ፍቑራት ምዝርራብ ብግጥሚ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ትሕዝቶኣ ብግጥሚ ስለ እተጻሕፈ፡ ካብቲ ስሩዕ ኣጸሓሕፋ ፍልይ

ዝበለ እዩ፡ ትርጉም እቲ ትሕዝቶኣ ኸኣ ንምርድኡ ብዙሕ ጊዜ ብርትዕ ዝበለ ኾይኑ ንረኽቦ። ብዓይኒ እቲ መርዓዊ እታ መርዓት ኣብ ገጻ ፈጺሙመንቅብ ዘይብላ ናይ ጽባቔ ምልኣት ኮይና ትግለጽ (መሃ.4፡1-15 ፤ 6፡

6-10) ። ከምኡ ኸኣ እታ መርዓት ነቲ መርዓዊ ክትምልከት ከላ፡ ኣዝዩ ዝጸበቐ፡ መንቅብ ዘይብሉ፡ ካብ ዓሰርተ ሽሕ እተመርጸ ኾይኑ ትረኽቦ (መሃ.5፡9-16) ። እዚ ምዝርራብ እዚ ብናይ ፍቕሪ ምዝርራብ ኣብ

መንጎ ክልተ ፍቑራት ዚዝረብ ስለዝኾነ፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ምስጢር ብዘይ ምስትውዓል ኪነቕፍዎ ይርከቡ። እንተኾነ ግና እቲ ትሕዝቶ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ብርግጽ ሓደ ቅዱስ ምሳሌ እዩ።እዛ መጽሓፍ እዚኣ ናይ ምንታይ ምሳሌ እያ? ንዚብል ሕቶ፡ በብዓይነቱ መልሲ ሊቃውንቲ ንረኽበሉ። ኣይሁድ ከም ምሳሌ

እግዚኣብሄርን ህዝቢ እስራኤልን ገይሮም ይርድእዎ (ህዝ.16 ። ሆሴ.1-3) ። ካልኦት ሊቃውንቲ መ.ቅ. ከኣ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ማሕበሩን ዘሎ ፍቕሪ፡ ብሩህ ምሳሌ ከም ዝኾነትን፡

እግዚኣብሄር ብሰሎሞን እታ ማሕበሩ ከኣ ብሱላሚት መርዓቱ ተመሲሎም ከም ዘለውን ይገልጹ። ነታ ማሕበር እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ዝሰብኣያ ሰበይቲ ገይሩ ዚዛረበላ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ጥራይ ኣይኮነን፡

ኣብ ካልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስውን መብርሂ ኣሎና (ህዝ.16 ። 2ቆረ.11፡2 ። ኤፌ.5፡22-32 ። ራእ.21፡2 ፤ 22፡17) ። ክፍልታት እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተሓላለኸ እዩ። ኣብቲ ትሕዝቶኣ፡ ሰለስተ ሰባት በብተርታ

ኺዛረቡ ንሰምዕ። እታ ጽብቕቲ 17 ጊዜ፡ እቲ ፈታዊኣ 11 ጊዜ፡ ከምኡ ኸኣ እተን ኣዋልድ የሩሳሌም ተባሂለን ዘለዋ 4 ጊዜ እናተቐባበሉ ይዛረቡ። ስም እግዚኣብሄር ከኣ ሓደ ጊዜ ጥራይ ተጠቒሱ ንረኽቦ (መሃ.8፡6)።

መ. ናይ ትንቢት መጻሕፍቲ

ኣብዚ ክፍሊ እዚ ነብያት ብእግዚኣብሄር ተመሪሖም ዝተዛረብዎን ዝምሃርዎን እንታይ ከም ዝኾነ ይነግረና (ይምህረና) ። ብመሰረት እዞም

መጻሕፍቲ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ከም ዝብጀዎምን ከም ዝሕልዎምን ይነግረና። እዙይ ግና እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዘለዎም

እምነት እንተ ጸኒዑ እዩ። ነገር ግን ሕጉ እንተ ድኣ ጥሒሶም እግዚኣብሄር ንመከራ ኣሕሊፉ ከም ዝህቦምን ከም ዝቀጽዖምን

ይገልጽ፣ ከምኡ እውን ሰላም ወይ ጥፍኣት ከምጽእ ከም ዝኾነ ቅድሚ ምዃኑ ኣቀዲሞም ከም ዝዛረቡን ከም ዘጠንቁቁን የረዳኣና።

ናይ ነብያት መጻሕፍቲ በቲ ናይ ጻሓፍቶም ስም ይጽውዑ፣ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት ከኣ ይኽፈሉ፤ ንሳቶም ከኣ፡-

1. ዓበይቲ ነበያት

2. ናኣሽቱ ነበያት ተባሂሎም ይጽዉዑ።

1) ዓበይቲ ነብያት

ዓበይቲ ነብያት ዝተባሃሉ ካብቶም ካልኦት ነብያት ስለ ዝዓብዩ ወይ እውን ሰለ ዝበልጹ ዘይኮነስ እቲ ሒዞሞ ዘለዉ ምዕራፋትን ቁጽርታትን

ካብቶም ካልኦት ስለ ዝበዝሕ እዩ። እቶም ዓበይቲ ነብያት ዝባሃሉ ኣርባዕተ (4) እዮም፣ ንሳቶም ከኣ፡-

1. ነብይ ኢሳይያስ 2. >> ኤርምያስ3. ነብይ ህዝቅኤል

4. >> ዳንኤል እዮም።

ነብይ ኢሳይያስ ኢሳይያስ ፤ ማለት እግዚኣብሄር ምድሓን እዩ ማለት እዩ ። ብዘበን ኡዝያን ዮታምን

ኣሃዝን ነገስታት ይሁዳ ካብ 740 ክሳዕ 688 ቅ.ል.ክ. ዚንበ ዝነበረ ነብዪ እዩ። ብዘበን መንግስቲ ኣሃዝን ህዝቅያስን ኣማኻሪ ቤተ-መንግስት ነበረ። ኣቦኡ ኣሞጽ ይብሃል፡ እዚ ግና ካልእ እዩ እምበር ነብዪ ኣሞጽ ኣይኮነን (2ነገ.19፡1-2 ። ኢሳ.1፡1) ። ኢሳይያስ በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ነብዪ ኪኸውን ተጸውዔ (ኢሳ.6) ። ብዘበን

ንጉስ ኣሃዝ ፡ ሰራዊት ሶርያን ሰማርያን ንይሁዳ ምስ ወረርዋ ፡ ኢሳይያስ ምስ ወዱ ወጺኡ ንኣሃዝ ተቐባበሎ እሞ፡ እምነቱ ናብ እግዚኣብሄር ኪገብር እምበር ከይስንብድ

መከ � ሮ። ኣሃዝ ግና ምእንቲ ካብ ጸላእቱ ኺረድኦ ንንጉስ ኣሶር ግብሪ ይህብ ነበረ(ኢሳ.7፡1-17 ፤ 8፡1-4 ። 2ዜና.28፡16-21) ። መንግስቲ ኣሶር እናበርትዔት ምስ ከደት

መራሕቲ ይሁዳ ሓገዝ ኪረኽቡ ናብ ምስሪ ቖላሕታኦም ሰደዱ፡ ኢሳይያስ ከኣ ነዚ ናብ ወጻኢ ቁልሕ ምባሎም ብእግዚኣብሄር ዘይምእማን ከም ዝኾነ ገሊጹ ተዛረበሉ

(ኢሳ.20 ፤ 30፡1-5) ። ንጉስ ኣሶር ንከተማታት ይሁዳ ሒዙ ኣብ የሩሳሌም ኮይኑ ብንዕቐት ምስ ተዛረበ፡ ኢሳይያስ እቶም ኣሶራውያን ከም ዚሰዓሩ ተነበየ፡ ከምቲ ቓሉ

ኸኣ ሰራዊት ኣሶር ብሴፍ ኣምላኽ ተወቕዑ (2ነገ.18፡13-19፥37 ። 2ዜና.32፡16-21 ።ኢሳ.30 ፤ 37) ። ንጉስ ህዝቅያስ ምስ ሓመመ፡ ከም ቃል ኢሳይያስ፡ ካብ እግዚኣብሄር

ምልክት ተዋህቦ (2ነገ.20፡1-11) ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ነብዪ ኢሳይያስ ደቂ ህዝቅያስ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ከም ዚውሰዱ ተዛረበ (ኢሳ.39) ።

ትንቢት ኢሳይያስ ኢሳይያስ መጽሓፍቲ ታሪኽ ነገስታትን መጽሓፍ ትንቢትን ጸሓፈ (2ዜና.26፡22 ፤ 32፡32 ። ኢሳ.8፡

1) ። ትንቢት ኢሳይያስ ካብ ቀደም ጀሚሩ ብ 700 ቅ.ል.ክ. ከም እተጻሕፈ ይብሃል። ኣብዘን ዝሓለፋ 200 ዓመታት ግና ብዛዕባ መጽሓፍ ኢሳይያስ ብዙሕ መጽናዕቲ ስለ እተገብረ፡ ኣብ

መንጎ ዘበናውያን ሊቃውንቲ እተፈላለየ ሓሳባት ተረኺቡ ኣሎ። ኢሳይያስ ባዕሉ ካብ ኢሳ.1 ክሳዕ 39 ከም ዝጸሓፈ እምበር እተን ካብ ኢሳ.40 ክሳዕ 55 ዘለዋ ምዕራፋት ብኻልእ ኣብ

ጊዜ ምርኮ ባቢሎን ዝነበረ ነብዪ፡ ካብ ኢሳ.55 ክሳዕ 66 ከኣ ብሓደ ኻልእ ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ዝነበረ ነብዪ እየን ተጻሒፈን ዚብሉ ኣለው። ካልኦት ከኣ ኢሳ.1-39 ከምኡ ኸኣ

ኢሳ.56-66 ኣብ በበይኑ ኽፍሊ ተመቒሉ ብብዙሓት ሰባት እተጻሕፈ ይመስል ዚብሉ ኣለው።

ነዚ ሓሳብ እዚ ንምድጋፍ ክልተ ምኽንያት ተዋሂቡ ኣሎ፤ 1. ሓደ ነብዪ ነቶም ብዘበኑ ዚርከቡ ሰባት ጥራይ ዚዛረብ ስለ ዝኾነ፡ ኢሳይያስ ነቶም ብድሕሪኡ ዝነበሩ ምሩኻት ባቢሎን ዝጸሓፈ

ኣይመስልን ዚብል ሓሳብ ኣሎ። እንተኾነ ግና እቲ ብነብያት ገይሩ ዚዛረብ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ፡ በዚ ሓሳብ እዚ ዚውሰን ኣይኮነን። 2. ኣብ መንጎ ኢሳ.1-39 ኣብ መንጎ ኢሳ.40-66 ፍልልይ ኣጸሓሕፋን ፍልልይ ካልእ ነገራትን ስለ ዘሎ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ነቲ እተባህለ ኺድግፍ ይለዓል። እንተኾነ ግና እቲ ብዛዕባ ዚመጽእ ዓመታት፡ ኣብ ጊዜ እርጋን እቲ ነብዪ እተጻሕፈ

ኽፍሊ፡ ካብቲ ብጊዜ ጉብዝንኡ ዝጸሓፎ ኸይተፈልየ ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ክልቲኡ ኽፍሊ ዚሰማማዕ ነገራት ከም ዘሎ ምግንዛብ የድሊ። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ ካብ ካልኦት ነብያት

“ኣብሊጹ ንእግዚኣብሄር ናይ እስራኤል ቅዱስ” እናበለ ይሰምዮ (ኢሳ.1፡4 ፤ 37፡23፤41፡16 ፤60፡14) ። ……ይቕጽል

ትንቢት ኢሳይያስ ካብ ዘበን ብ.ኪ. ጀሚሩ ትንቢት ኢሳይያስ ምስቲ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ናይ እብራይስጢ ቑጹር እዩ። ካብዚ

መጽሓፍ እዚ ዚጥቀስ ዝኾነ ኽፍሊውን ቃል ነብዪ ኢሳይያስ ከም ዝኾነ ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ቐንዲ መልእኽቲ ናይ ነብዪ ኢሳይያስ፤ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ምልእቲ ዓለም ከም ዚነግስ፡ ኣብ ልዕሊ ዓመጸኛታት ከም ዚፈርድ፡ ነቶም ዝኣምንዎ ኸኣ ከም ዘድሕኖም ምግላጽ እዩ። ንትንቢት ኢሳይያስ ኣብ ሰለስተ

ኽፍሊ ክንከፍሎ ንኽእል፤ 1. ካብ ኢሳ.1-39 ፡ ኣብ ጊዜ ኢሳይያስ እተፈጸመ ተግባራት ዚገልጽ ክፍሊ። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ፡ እግዚኣብሄር ቅዱስ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓማጺ ዝኾነ ህዝብን ካልኦትን፡ ፍርዲ

እግዚኣብሄር ከም ዘየቋርጽ እናገለጸ፡ ክብርን በረኸትን መንግስቲ ኣምላኽ የረድእ። 2. ካብ ኢሳ.40-55 ፡ ድሕሪ ጊዜ ኢሳይያስ ብምኽንያት ምርኮ ባቢሎን እተጻሕፈ ተግባራት ዚገልጽ ክፍሊ። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ፡

እግዚኣብሄር መድሓኒ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቡ ናብ ሃገሮም ከም ዚመልሶም እናገለጸ፡ ካብዚ ዝበለጸ ኸኣ ንምልእቲ ዓለም ምድሓን ከም ዘምጽእ ንርኢ። 3. ካብ ኢሳ.56-66 ዘሎ፡ ዘልኣለማዊ ኽብሪ ጽዮን ዚገልጽ ክፍሊ። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ እቶም ክፍኣት ዚመርጹ ኸም ዚጠፍኡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ በቶም ናቱ ዝኾኑ ኸም ዚሕጎስ ይዛረብ።

ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ መሲህ ኣስፊሑ ይገልጽ፤ እቶም ጸሓፍቲ ሓ.ኪ. ንኢሳይያስ እናጠቐሱ፡ እቲ ኢሳይያስ ብዛዕባኡ እተነበየሉ፡ የሱስ ምዃኑ የረጋግጹ። ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ነገራት ኣስፊሑ ይዛረብ፤ እቲ ዚመጽእ ካብ ድንግል ከም ዚውለድ (ኢሳ.7፡14 ። ማቴ.1፡23) ፡ መንግስቱ ዘልኣለማዊት ምዃና

(ኢሳ.9፡6) ፡ ካልእ ሰብ መገዱ ኸም ዘዳልወሉ (ኢሳ.40፡3-5 ። ማቴ.3፡3) ፡ ኣብ ገሊላ ኸም ዚዓዪ (ኢሳ.9፡1-2። ማቴ.4፡11-16) ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝኾነ (ኢሳ.61፡1 ። ሉቃ.4፡17-19) ፡ ሕሙማት ከም

ዚፍውስ (ኢሳ.53፡4 ። ማቴ.8፡16-17) ፡ ብለውሃት ከም ዚዐዪ (ኢሳ.42፡1-3 ። ማቴ.12፡18-21) ። መሰረት እምነት ከም ዚኸውን (ኢሳ.28፡16 ። ሮሜ.9፡32-33) ፡ ኣህዛብ ከም ዜድሕን (ኢሳ.65፡1-2 ። ሮሜ.10፡20) ። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ እቲ ብዛዕባ ባርያ እግዚኣብሄር ዚዛረበሉ ኽፍሉ፡ እቲ ብዛዕባ መሲህ ዚንበየሉ ጽሑፍ እዩ (ኢሳ.42፡1-4 ፤

49፡1-7 ፤ 50፡4-9 ፤ 52፡13-53፡12) ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢሳ.53 ንሕማማት ክርስቶስ ብትንቢት ገይሩ ይገልጾ። እዚ ቓል እዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ተጠቒሱ ኣሎ (ሉቃ.18፡31-33 ። ዮሃ.12፡37-38 ። ግብ.8፡32-35 ። ሮሜ.

4፡24-25 ። 1ጴጥ.2፡24-25) ። ከምኡ ኸኣ ኢሳይያስ ብዛዕባ ምትህልላኽ እስራኤል ምስ ኣምላኽ ብዙሕ ጊዜ ጽሒፉ ኣሎ። እዚውን ኣብ ሓ.ኪ. ተጠቒሱ ንረኽቦ (ኢሳ.1፡9 ምስ ሮሜ 9፡29 ። ኢሳ.6፡9-10 ምስ ማር.4፡11-

12 ። ኢሳ.29፡13 ምስ ማቴ.15፡8-9 ኣጋጥም)።

ነብይ ኤርምያስ ኤርምያስ ፤ { እግዚኣብሄር ክብ የብል} ማለት እዩ። ኤርምያስ ሓደ ኻብቶም ዓበይቲ ነብያት እዩ፡ ሓደ ኻብቶም

ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም እትርከብ ኣናቶት ኣብ እትብሃል ከተማ ዝነበረ ዓሌት ካህናት እዩ።

ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣቦ ኤርምያስ እቲ ብዘበን ዮስያስ መጽሓፍ ሕጊ ዝረኸበ ሒልቅያ ከም ዝኾነ ይኣምኑ። ንእስራኤል ጥራይ ዘይኮነስ ንኣህዛብውን ነብዪ ኪኸውን ምስ ተጸውዔ ሰምበደ እሞ ገና ቆልዓ እየ፡ እናበለ

ኣመኻነየ፡ ድሕሪኡ ግና በቲ እተዋህቦ ተስፋ በርትዔ። ኤርምያስ ብ 626 ቅ.ል.ክ. ኣብ መበል 13 ዓመቱ ንንጉስ ዮስያስ ተጸውዔ ፡ ብዘበን ደቂ ዮስያስ ከኣ እናተነበየ ጸንዔ እሞ 40 ዓመት ድሕሪ እቲ ጽውዓኡ ምርኮ

ኢየሩሳሌም ረኣየ (ኤር.1፡1-10) ። በቲ ዓመታት እቲ እዞም ዚስዕቡ ሓሙሽተ ነገስታት ነገሱ፤ 1. ዮስያስ ። ንሱ ኻብቶም ሕያዎት ነገስታት እቲ መወዳእታኦም ነበረ። ናይ ባዕዲ ኣምልኾ ንምክልኻል፡ ኣምልኾ ኣምላኽን ቤት ኣምላኽን ንምሕዳስ ብዙሕ ጸዓረ። ዮስያስ ምስ ሞተ ኸኣ ኤርምያስ ኣልቀሰሉ (2ዜና.34-35) ። 2. ዮኣሓዝ ።

ዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ምስ ነገሰ፡ ኣብ ሳልሳይ ወርሑ ተማሪኹ ናብ ግብጺ ተወስደ (2ዜና.36፡1-4 ። ኤር.22፡10-12) ። 3. ዮያቂም ። ዮያቂም ሓው ዮኣሓዝ ቅድም ንግብጺ ደሓር ከኣ ንባቢሎን ተገዝኤ (2ዜና.36፡4-8) ።

ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝነበረ (ኤር.22፡13-19) ፡ ንኤርምያስ ተቓወሞ፡ መጽሓፉ ኣንደደሉ (ኤር.36) ። 4. ዮያኪን ። ዮያኪን ወዲ ዮያቂም ምስ ነገሰ፡ ኣብ ሳልሳይ ወርሑ ምስ ብዙሓት ሰብ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ተማረኸ

(2ነገ.24፡8-17 ። ኤር.22፡24-30) ። ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኣብ ክንድኡ ንሓወቦኡ ጼድቅያስ ኣንገሰ። 5.ጼድቅያስ ። ጼድቅያስ ካብ ኤርምያስ ምኽሪ ደኣ ይጥይቕ ነበረ እምበር ነቲ ምኽሪ ኣይተቐበሎን(ኤር.37) ። ስለዚ ጼድቅያስ ኣብቲ ኽፍኣቱ ተረረ። ብመሰረት እቲ ብኤርምያስ እተባህለሉ ትንቢት ከኣ

ተማረኸ (ኤር.34፡1-5) ። ኣብ መበል 11 ዓመቱ የሩሳሌም ተታሒዛ ኽትነድድ ከላ፡ ኤርምያስ ተኣሲሩ ነበረ። ኤርምያስ ምስቲ ነቡካድነጻር ኣብ ይሁዳ ዝሸሞ ገዳልያ ተቐመጠ እምበር ናብ ባቢሎን ኣይተወስደን።

ገዳልያ ምስ ተቐትለ ግና እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ብግዲ ናብ ግብጺ ወሰድዎ (ኤር.39-43) ። ኣብ ግብጺ ኸኣ ትንቢት ካብ ምንባይ ትም ኣይበለን (ኤር.43፡8-44፡30) ። ብዛዕባ ኣማውታኡ ኸኣ እተጻሕፈ ነገር የልቦን።

……ይቕጽል .

ነብይ ኤርምያስ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ቃል ትንቢት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኤርምያስ ብዛዕባ ርእሱን

ብዛዕባ እቲ ዝወረዶ መከራን ኣስፊሑ ጽሒፉ ኣሎ። ስለዚ ኻብ ካልኦት ነብያት ዝበለጸ ብዛዕባ ጠባዩን ኩነታቱን ኪፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ንየሩሳሌምን ህዝባን ሽሕ

እኳ ብዙሕ ከም ዚፈትዎም እንተ ገለጸ (ኤር.8፡18-9፡1 ፤ 13፡17) ፡ ተማሪኾም ምኻዶም ከም ዘይተርፎም ኪነግሮም ግቡእ ኮይኑ ተራእዮ። ልዕሊ እዚ ኸኣ፤

ንንጉስ ባቢሎን ኢድኩም ሃቡ፡ ተገዝኡ፡ እቶም ምሩኻት ቅድሚ 70 ዓመት ኣይኪምለሱን እዮም ኢሉ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገለጸሉ ቓል ትንቢት ስለ እተዛረበ፡

እተጸልኤ ነብዪ ኾነ። ብዙሓት ከኣ ኪቐትልዎ ደለዩ (ኤር.11፡21 ፤ 26፡11 ፤ 36፡26 ፤38፡6-10) ። ተወቕዔ ኣብ ጉንዲ ተኣስረ፡ ኣብ ጉድጓድጭቃ ተደርበየ (ኤር.20፡2 ፤37፡13-15 ፤ 38፡28) ፡ ተጸሊሉ ተባህለ (ኤር.29፡26-27) ። ምስዚ ኹሉ ከኣ ንህዝቡ

ምልክት ምእንቲ ኪኸውን ሰበይቲ ከየእቱን ናብ ዕድመ ወይ ናብ ቤት ሓዘን ከይኸይድን ተኸልከለ (ኤር.16) ። ኣብዘን ዚስዕባ ምዕራፋት ብዛዕባ እቲ እተሰምዖ

ጭንቅን ዝጸለዮ ጸሎትን ይጽሕፍ (ኤር.1፡4-10 ፤ 8፡18-9፡2 ፤ 11፡18-12፡6 ፤ 15፡10-21 ፤ 17፡12-18 ፤ 18፡18-23 ፤ 20፡7-18) ። ኣብ ኩሉ እቲ ዝጓነፎ ዝነበረ ነገራት ከኣ

እግዚኣብሄር ከምቲ ዘተስፈዎ ገይሩ ይሕልዎ ነበረ (ኤር.1፡18-19 ፤ 15፡20-21)።

ትንቢት ኤርምያስ ኤርምያስ ብዘበን ሓሙሽተ ነገስታት ይሁዳ እተነበየ ነብዪ እዩ። እግዚኣብሄር ንኤርምያስ ምስ

ጸውዖ፤ ህዝቢ ይሁዳ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዘምለኹ፡ ካብ ሰሜን ጸላኢ ኽሰደሎም እየ፡ ኢሉ ነገሮ (ኤር.1፡13-16) ። ኤርምያስ ከኣ ናብቲ ህይወቶም ዝኾነ ናብ እግዚኣብሄር ኪምለሱ ን 23 ዓመታት ዚኣክል ከየቋረጸ ይነግሮም ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን

(ኤር.25፡3-7) ። ኤርምያስ ምስ ተጸውዔ፡ ኣብ መበል 23 ዓመቱ፡ እቲ ኻብ ሰሜን ኺመጽእ እዩ እተባህለ ንጉስ ነቡካድነጻር ኣብ ባቢሎን ነገሰ (ኤር.25፡1-2) ። ኤርምያስ ከኣ ነቡካድነጻር ኣብ

ልዕሊ ይሁዳ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትውን ከም ዚመጽእን፡ እዞም ህዝብታት ከኣ ን 70 ዓመታት ዚኣክል ንባቢሎን ከም ዚግዝኡን ተነበየ (ኤር.25፡8-11) ፡ ድሕሪኡ

ኸኣ ባቢሎን ከም እትወድቕ ገለጸ (ኤር.25፡12-14) ። ነዚ ኸቢድ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ንምዝራብ ዝበቕዔ ብሓይሊ ኣምላኹ እምበር ብናይ ርእሱ ኽእለት ኣይነበረን (ኤር.1፡6-10፥17-

19) ። ንጉስ ዮያቂም ነቲ ኤርምያስ ኣብ 23 ዓመታት እተነበዮ ትንቢት ምስ ኣንበቡሉ ነቲ ጽሑፍ ቆራሪጹ ኸም ዘንደዶ ጽሑፍ ኣሎ፡ ኤርምያስ ከኣ ከም ብሓድሽ ብኢድ ባሩክ ኣጽሓፎ (ኤር.36) ።

ኤርምያስ ካብቲ ጼድቅያስ ዝነገሰሉ ጊዜ ጀሚሩ፤ ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፡ ስለምንታይ እዛ ኸተማ እዚኣ እትዓኑ፤ እናበለ ንጼድቅያስ የጠንቅቕ ነበረ። ጼድቅያስ ግና እምነቱ ኣብ ግብጺ ስለ ዝነበረ (ኤር.37፡3-10) ፡ መሊሱ ኸኣ ስለ ዘመኽነየ

(ኤር.38፡19) ፡ ንንጉስ ባቢሎን ኢዱ ኣይሃበን። ካብዚ እተላዕለ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ

የሩሳሌምን ዝወረደ ፍርዲ ዝገደደ ኾነ (ኤር.39፡1-10 ። 2ዜና.36፡11-21) ። …ይቕጽል .

ትንቢት ኤርምያስ ኤርምያስ መልእኽቲ ፍርዲ ዘይኮነስ መልእኽቲ ተስፋውን ይህብ ከም ዝነበረ ንርኢ። እግዚኣብሄር

ንህዝቡ ኻብ ምርኮ ኸም ዚመልሶምን የሩሳሌም ከኣ ተሓዲሳ፡ { እግዚኣብሄር ጽድቅና እዩ} ከም እትብሃልን፡ እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ሓድሽ ኪዳን ከም ዚገብርን፡ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ንጉስ

“ነጊሱ ኸኣ እግዚኣብሄር ጽድቅና እዩ” ከም ዚብሃል ተነበየ (ኤር.30-33 ፤ 23፡1-6) ። ኤርምያስ ብቓል ጥራይ ዘይኮነስ ብበበይኑ ተግባርን ምሳሌን ገይሩ ትንቢቱ ይገልጽ ነበረ። ከም ምሳሌ ገይሩ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ናይ ትንቢት መግለጺ ጽሒፉ ኣሎ፤ ብዛዕባ ቕናት (ኤር.13) ፡ ብዛዕባ ሰራሕ

መሬት (ኤር.18) ፡ ብዛዕባ ሳርማ (ኤር.19-20) ፡ ብዛዕባ መእሰርን ኣርዑትን (ኤር.27-28) ፡ ብዛዕባ ሕርሻ (ኤር.32) ፡ ብዛዕባ ሬካባውያን (ኤር.35) ፡ ብዛዕባ ዓበይቲ ኣእማን (ኤር.43፡8-13) ፡ ብዛዕባ ምሳሌ እታ እተዋህበቶ መጽሓፍ (ኤር.51፡59-64) ፡ ብዛዕባ እታ ዝረኣያ ጨንፈር ኦም ለውዚ፡ ብዛዕባ እተን በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ (ኤር.1፡11-13 ፤ 24)።

እቲ ቐንዲ መልእኽቲ ኤርምያስ፡ እግዚኣብሄር ዓቢን ቅዱስን ስለ ዝኾነ፡ ህዝቡ ኻብ ክፍኣት ተመሊሶም ብፍጹም ልቦም እምበር ብሓሶት ከየምልኽዎ ምንጋር እዩ። ብዘበን ንጉስ ዮስያስ፡

ይሁዳ ናይ ሓቂ ዘይኮነ፡ ብኣፎም ጥራይ ናብ እግዚኣብሄር ከም እተመልሱ ነንብብ (ኤር.3፡10) ። ሽዑ እቶም ካህናትን ነብያትን፤ መቕደስ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝቡ ኢኹም፡

ኣጆኹም፡ ዚወርደኩም ነገር የልቦን፡ እናበሉ ነቲ ህዝቢ የታልልዎ ነበሩ እምበር፡ ብዛዕባ ምፍራህ እግዚኣብሄር ኮነ ብዛዕባ ብቕንዕና ምንባር ኣይተዛረቡን (ኤር.7፡3-11 ፤ 14፡13-18 ፤ 23፡9-40) ። እግዚኣብሄር ግና ልቢ ሰብ እዩ ዚርእï (ኤር.17፡9-10) ። እቶም ብምሉእ ልቦም ንኣምላኽ ዚደልይዎ

ኸኣ ይረኽብዎ እዮም (ኤር.29፡13) ። እግዚኣብሄር ነቲ ሕጉ ኣብ ልቢ ህዝቡ ዚጽሕፈሉ ጊዜ ብተስፋ ይጽበ ነበረ (ኤር.31፡33 ፤ 32፡39-40)።

ነብይ ህዝቅኤል ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ “ እግዚኣብሄር የበርትዕ” ማለት እዩ። ብ 597 ቅ.ል.ክ. ደቂ እስራኤል ናብ ባቢሎን

ምስ ተማረኹ፡ ነብዪ ህዝቅኤል ሓደ ኻብቶም ምርኮኛታት ነበረ፡ እዚ ነብዪ እዚ ካህን እስራኤል ከኣ ነበረ። ኣብቲ ሃገር ምርኮ ምስቶም ካልኦት እስራኤላውያን ኮይኑ ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ይነብር ነበረ (ህዝ.1፡3) ። በዚ

ዘሎናዮ እዋን እቲ ርባ ኣየናይ ምዃኑ ኣይፍለጥን እዩ፡ እንተኾነ ግና ካብ ከተማ ባቢሎን ብዙሕ ርሑቕ ከም ዘይኮነ ይግመት። ነብዪ ህዝቅኤል ንዳንኤል ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ነንብብ (ህዝ.14፡14 ፤ 14፡20 ፤ 28፡3) ።

ነብዪ ህዝቅኤል በዓልት- ቤት ከም ዝነበረቶ ጽሑፍ ኣሎ (ህዝ.8፡1 ፤ 24፡16-18) ። ነብዪ ህዝቅኤል ወዲ ሰላሳ ዓመት ምስ ኮነ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ከም ዘሎ ብራእይ ረኣየ (ህዝ.1) ። ነቶም እተማረኹ ህዝቢ እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ኪነግር ተጸውዔ (ህዝ.2፡1-4) ። እንተ ዘይነገረ ግና እግዚኣብሄር ደም እቶም ሓጢኣተኛታት ካብ ኢዱ ኸም ዚደልዩ ክልተ ግዜ ከም ዘጠንቀቖ ነንብብ (ህዝ.3፡18 ፤ 33፡6) ።

ቅድሚ ውድቀት ኢየሩሳሌም ዝሰበኾ ስብከት፡ ናይ ንስሓ ስብከት እዩ ዝነበረ። እዚ ኸኣ፡ እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ኣይሁድ፤ ቀልጢፍና ናብ ሃገርና ኽንምለስ ኢና፡ ባቢሎን ተሳዒራ ሕጂ- ሕጂ ካብ ሃገርና ክትወጸልና

እያ፡ ዚብል ሓሳብ ስለ ዝሓደሮም እዩ ዝኾነ። ምስናይ እዚ ኹሉ ግና እቶም ህዝቢ ምልክት ምምላስ ናብ እግዚኣብሄር ኣየርኣዩን። የሩሳሌምሲ ክትወድቕ ኣይከኣልን እዩ፡ ዚብል ኣጉል እምነት ነበሮም። እዚ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ቅዱስ ከም ዝኾነን ሓጢኣቶም ከኣ ፍርዲ ከም ዜስዕብ ስለ ዘይተረዱን እዩ ዝኾነ። እታ

ኸተማ ምስ ወደቐት ግና መንፈስ እቶም ህዝቢ ተለወጠ እሞ በቲ እተፈጸመ ነገር እናሓዘኑ ተስፋ ቖረጹ። ካብዚ እተላዕለ ኸኣ፡ ስብከት ነብዪ ህዝቅኤል ኣብ ቃል ምጽንናዕ ተለወጠ። እግዚኣብሄር ብብዝሒ

ምሕረቱ ከም ዜድሕን፡ እግዚኣብሄር ባዕሉ ጓሳኦም ከም ዚኸውን (ህዝ.34) ፡ ሓድሽ ልቢ ኸም ዚህቦም(ህዝ.36፡26-28) ፡ ዳዊት ከኣ ንጉሶም ከም ዚኸውን (ህዝ.34፡24 ፤ 37፡24-28) ተነበየሎም። ነዚ ሓድሽ

ኩነታት ድማ ብምሳሌ እታ ሓዳስ ቤት መቕደስ ገይሩ ገለጸሎም (ህዝ.40-48) ። መፈጸምታ ናይዚ ኹሉ ኸኣ ዘበን ወንጌል ምዃኑ ርጉጽ እዩ።

ነብይ ዳንኤል ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ እግዚኣብሄር ፈራዲ እዩ፡ ማለት እዩ። ነብዪ ዳንኤል ኣብ ሃገር ይሁዳ

ካብ ወገን ነገስታት ወይ መሳፍንቲ እተወልደ ይመስል፡ ዓቢ ኽእለት ከኣ ነበሮ። ብ 605 ቅ.ል.ክ. ነቡካድነጻር ንዳንኤልን ብጾቱን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም፡ ንዳንኤል ከኣ

ቤልጥሻጽር ብዚብል ስም ሰመዮ። ኣብ ባቢሎን ከኣ ትምህርቲ ከለዳውያንን ቛንቋኦምን ተማህረ (ዳን.1፡1-7) ። ዳንኤል ንኣምላኹ ስለ ዘይረስዔ፡ ከይረክስ ተጠንቀቐ፡ ከም ሓሳቡን

ጥንቃቔኡን ከኣ ረኸበ (ዳን.1፡6-16) ። ተማሂሩ ኸኣ ኣብ ባቢሎን ተሾመ (ዳን.1፡17-21) ። ስለዚ ዳንኤል ክሳዕ 536 ቅ.ል.ክ. ንነቡካድነጻርን ንዳርዮስን ንቤልሻጽርን ንቂሮስን

እናመሃረን ሕልሚ እናፈትሐን ጽሕፋት እናተርጎመን ኣገልገለ። ምእንቲ ህዝቢ እግዚኣብሄር ይጽሊ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ብዙሕ ራእይ ረኣየ። እንተኾነ ንጣኦት ምምላኽ ስለ ዝኣበየ ኣብ

ጉድጓድ ኣናብስ ተደርበየ፡ እግዚኣብሄር ግና ካብ ሞት ኣድሓኖ። ዳንኤል በቲ ጽቡቕ ኣካይዳኡ እተፈልጠ ነበረ (ህዝ.14፡14፥20)። ትንቢት ዳንኤል ፤

እቲ ዳንኤል ዝተርጎሞ ሕልምታትን ዝረኣዮ ራእይን ብርቱዕ ምስጢር ዝሓቖፈ ስለ ዝኾነ፡ እቶም ሊቃውንቲ ኺትርጉምዎ ኸለው በበይኑ ርእይቶ ይህቡሉ። እቲ ቐንዲ ዕላማ ትንቢት

ዳንኤል ግና፡ ኣብ መወዳእታ፡ እግዚኣብሄርን ህዝቡን ከም ዚዕወቱ ምግላጽ እዩ። እቲ ኣብ ዛንታ ዓለም እተፈጸመ ተግባራት፡ ኣብ ትንቢት ዳንኤል በብኽፍሉ ተገሊጹ ኣሎ።

2. ናኣሽቱ ነብያት

እዞም ዝስዕቡ ዓሰርተ ኽልተ (12) ነብያት ድማ ናኣሽቱ ነብያት ተባሂሎም ይጽዉዑ፣ ናኣሽቱ መበሊኦ ከኣ በቲ ሒዞሞ ዘለዉ ምዕራፍን ቁጽርን ካብቶም

ካልኦት ኣርባዕተ ስለ ዝውሕዱ እዩ። ዝርዝር ኣስማቶም ድማ እዚ ዝስዕብእዩ፤

1. ነብይ ሆሴዕ 9. ነብይ ሶፎንያስ

2. >> ኢዩኤል 10. >>> ሃጌ (ሓጌ)3. ነብይ ኣሞጽ 11. ነብይ ዘካርያስ

4. >>> ኣብድዩ 12.>>> ሚልክያስ እዮም።5. ነብይ ዮናስ

6. >>> ሚክያስ

7. ነብይ ናሆም

8. >>> እምባቆም

ነብይ ሆሴዕ ሆሴዕ ፤ ብዕብራይስጥ { እግዚኣብሄር መድኃኒ} ማለት እዩ።

ትምቢት ሆሴእ፤ ነገዳት እስራኤል ኣብ ክልተ መንግስታት ምስ ተመቕሉ፡ ነብዪ ሆሴእ ካብ

765 ክሳዕ 725 ቅ.ል.ክ. ብዛዕባ ውድቀት እታ ሰሜናዊት መንግስቲ ተነበየ። ድሕሪ ሞት ዳግማዊ የሮብዓም ከኣ እታ መንግስቲ እናደኸመት ከደት፡ ብ 722

ቅ.ል.ክ. ከኣ ብዓሰርተ ኢድ ወደቐት። እንተኾነ ግና ህዝቢ እግዚኣብሄር ሓደ ብምንባሩ፡ ሆሴእ ኣብቲ ትንቢቱ ብዛዕባ ይሁዳውን ወሲኹ ተነበየ ( ንኣብነት

ሆሴ.2፡2) ። በቲ ብዛዕባ ይሁዳ እተነበየሉ ዘበን፡ ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን በብእዋኖም ኣብ ይሁዳ ነጊሶም ከም ዝነበሩ ነንብብ (ሆሴ.1፡1) ።

በቲ ዘበን እቲ ኣሞጽን ኢሳይያስን ሚክያስን ይንበዩ ኸም ዝነበሩ ንዝክር። እቲ ቐንዲ መልእኽቲ ናይ ሆሴእ ብዛዕባ እቲ እሙን ፍቕሪ እግዚኣብሄር ክነሱ

(ሆሴ.2፡23-24 ፤ 14፡4) ፡ እቲ ቐንዲ ዕድመ ኸኣ እቲ ህዝቢ ኣብ ምፍላጥ ኣምላኽ ተመሊሱ ኸም ዚድሕን ምንጋር ነበረ (ሆሴ.4፡6 ፤ 6፡6 ፤ 13፡14) ።

ነብይ ኢዩኤል ኢዩኤል ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ ማለት እዩ። ነብይ ኢዩኤል ካብ ነገድ ሮቤል ኮይኑ ፣ ኣብኡ ባቱኤል

፤ ኣዲኡ ከኣ መርሱለ ትብሃል። ነብይ ኢዩኤል ብ600 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝንበ ዝነበረ ነብይ እዩ።

ትንቢት ኢዮኤል ፤ እዛ ትንቢት ኢዮኤል እተባህለት መጽሓፍ መኣስ ከም እተጻሕፈት ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን። ኢዮኤል

ቅድሚ ኣሞጽ እተነበየ ነብዪ እዩ፡ ዚብሉ ሊቃውንቲ ኣለው። ድሕሪ ሚልክያስ ስለ እተነበየ፡ ናይ መወዳእታ ነብዪ እዩ ዚብሉውን ኣለው። እቲ ትንቢቱ ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ይመስል (ዮኤ.2፡

15፥23) ። እቲ ዮኤል እተነበዮ ጊዜ፡ ዜፍርህ እዋንን መቕጻዕቲ ኣንበጣ ዚመጻሉ ግዜን እዩ (ዮኤ.1፡1-2፡27) ። ኢዮኤል ከኣ፤ ( እቲ ንኣንበጣ) ሰራዊቱ ገይሩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነዚ ( ዓቢን ሓያልን ህዝቢ)

ዝለኣኸ እግዚኣብሄር እዩ፡ ይብል (ዮኤ.2፡2፥11) ። ብዛዕባ እታ ምልእቲ ዓለም ፍርዲ እግዚኣብሄር እትቕበለላ፡ ብዛዕባ እታ ( መዓልቲ እግዚኣብሄር) ኢሉ ዝጠቐሳ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ ይንበ (ዮኤ.3፡

14) ። ካብ ትንቢት ዮኤል እታ ኣጸቢቓ እተፈልጠት ክፍሊ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኹሉ ስጋ ዘፍስሶ መንፈስ እተተስፉ ጥቕሲ እያ (ዮኤ.2፡28-32 ። ግብ.2፡16-22) ። እቲ ቐንዲ ዕድመ ናይቲ ትንቢት ከኣ ብፍጹም ልቢ ናብ እግዚኣብሄር ተመልሱ ዚብል እዩ (ዮኤ.2፡13) ።

ክፍልታት ትንቢት ኢዮኤል፤ መቕጻዕቲ ኣንበጣ (ዮኤ.1፡1-12)። በረኸት እግዚኣብሄር ነቶም ዚንስሑ ሰባት (ዮኤ.1፡13-2፡27)። ምኽዓው መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰባት (ዮኤ.2፡28-32)። ፍርዲ ህዝብታት ዓለም (ዮኤ.3፡1-15)። ብጽእና ህዝቢ እግዚኣብሄር (ዮኤ.3፡16-21)።

ነብይ ዮናስ ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ {ርግቢት} ማለት እዩ። ዮናስ ብጊዜ የሮብዓም

እቲ ኻልኣይ ዝነበረ ነብዪ እዩ። ነብዪ ዮናስ፡ የሮብዓም ንሶርያውያን ኣባሪሩ ዶብ እስራኤል ከም ዜምልስ ተነበየ። ዮናስ ኣብ ገሊላ ኣብ ከተማ {ጋት-ሔፌር} “ይነብር ነበረ፡ ኣቦኡ ኸኣ ”ኣሚታይ ይብሃል

(2ነገ.14፡25 ። ዮና.1፡1) ። እግዚኣብሄር ንዮናስ ናብ ነነዌ ኸይዱ ኺሰብኽ ምስ ኣዘዞ፡ ነቲ ትእዛዝ ሓዲጉ ብመርከብ ሃደመ።

እግዚኣብሄር ከኣ ህቦብላ ንፋስን ንዮናስ ዚውሕጥ ዓቢ ዓሳን ኣዳልዩ ናብ መሬት መለሶ (ዮና.1 ፤ 2) ። ከም ብሓድሽ ምስ ተጸውዔ ኸኣ ናብ ነነዌ ኸደ እሞ፡ ነነዌ ኸም እትግምጠል ሰበኸ። ሰብ ነነዌ ምስ

ተነስሑ ኸኣ ኣምላኽ መሓሮም (ዮና.3) ። ዮናስ ግና ምድሓን ነነዌ ኣየሐጎሶን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኦም ጉልዒ ምሳሌ ገይሩ፡ ምሕረት

ጽቡቕ ከም ዝኾነ የረድኦ (ዮና.4)።

ትንቢት ዮናስ እቲ ኣብ ካልኦት መጽሓፍቲ ትንቢት ዚርከብ ቀንዲ ሓሳብ፡ እቲ ናይ ትንቢት መልእኽቲ

እዩ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ግና እቲ ብዛዕባ እቲ ነብዪ ( ማለት ዮናስ) ዜዘንቱ ዛንታ ዓዚዙ ንረኽቦ። ( እቲ ኣብ 1ነገ.17-19 ብዛዕባ ኤልያስ ተባሂሉ ዘሎ ምስ ትንቢት ዮናስ

ኣመዓራሪ) ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዮናስ ባዕሉ ኸም ዝጸሓፋ ኣይተገልጸትን፡ እንተኾነ ግና ካልእ ሰብ ካብ ዮናስ ሰሚዑ ዝጸሓፋ ትመስል። እቲ ቐንዲ መልእኽቲ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እቲ ኣምላኽ እስራኤል ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተኾነ ኣምላኽ ኣህዛብ ኩላ ምድሪውን ዝኾነ እግዚኣብሄር፡ መሓሪ ከም ዝኾነን (ዮና.4፡2፥11) ፡ ከምቲ ነቲ ነብዪ ይኹን (ዮና.2፡

5፥10) ወይስ ንሰብ ነነዌ (ዮና.3፡10) ናብ ንስሓ መሪሑኺምሕሮም ዝፈተወ፡ ንዓለም ከኣ ዚፈቱ ኣምላኽ ከም ዝኾነን (ዮሃ.3፡16) ንምግላጽ እዩ። ክርስቶስ ከኣ ነቲ ምውጻእ ዮናስ ካብ ከብዲ ዓሳ፡ ምሳሌ ትንሳኤኡ ገይሩ ይዛረበሉ (ማቴ.12፡39-42 ። ሉቃ.11፡

30-32) ። ክፍልታት ትንቢት ዮናስ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ዚኹብልል ዝነበረ ዮናስ ይመልሶ (ዮና.1)። ጸሎት ዮናስ (ዮና.2)። ስብከት ዮናስን ፍሬኡን (ዮና.3)። ኩራ ዮናስን ምሕረት ኣምላኽን (ዮና.4)።

2. ሓዱሽ ኪዳን ሓዱሽ ኪዳን ፣ ማለት ሓዱሽ ዉዕል ሓዱሽ ስምምዕማለት

እዩ። ብተወሳኺ ሓዱሽ ኪዳን ክርስቶስ ንዝቀደሶ ህዝበ ክርስትያን መምርሒ ክኸውን እዩ ተዋሂቡ። እዚ ከኣ ጎይታናን መድሓኒናን

ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሉ ሰብ ካብ ባርነት ኣውጺኡ ሓዱሽ ትእዛዝ ዘውጻኣሉ፡ ዝኣረገ ዘመን ዝሕለፈሉ፡ ሓዱሽ ዘምን ሓዱሽ ተስፋ

ዝሃበሉ እዩ። ስለዚ ነዚ ኩሉ ዘበስር ሓዱሽ ኪዳን እዩ። ሓዱሽ ኪዳን ካብ 45-96 ዓ. ም ዘሎ ግዜ ብቅዱሳን ሃዋርያት

ዝተጻሕፈ ኮይኑ ምስ ብሉይ ኪዳን ዘለዎ ርክብ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፤ ብሉይ ኪዳን ናይ ሓዱሽ ኪዳን ትንቢት (ጽላሎት) እዩ

( ዕብ 10፥1) ። ሓዱሽኪዳን ድማ ናይ ብሉይ ኪዳን ትርጉም እዩ። ሓዱሽ ኪዳን ኣብ ኣርባዕተ ክፍልታት ይኽፈል፣ ንሳቶም ከኣ እዞም

ዝስዕቡ እዮም።

1. ወንገል ( ናይ ብስራት ክፍሊ) ወንጌልማለት ኢቫንግላውያን [Evangeline] ካብ ዝብል ናይ

“ግሪኽ ቛንቛ ዝተወስደ ኮይኑ ትርጉሙ ከኣ ” ብስራት ማለት እዩ። እዚ ብስራት ከም ዝስበኽ ኣቐዲሙብትንቢት ድሒሩ ድማ

ብመላእኽቲ ዝተነግረ ክኸውን ከሎ፣ መጀመርያ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደሓር ከኣ መላእኽቲ ገሊጾምዎ ኢዮም።

ት/ ኢሳ 61፥1-2 ፣ ወ/ ሉቃ 2፥10 ፣ ወ/ ማሪ 16፥15 ፣ ሮሜ 1፥1-3። ወልድ ብስጋ ንዝገብሮ ናይ ምድሓን ተግባር ሰባት ካብ ሓጥያትን

ናይ ድያብሎስ ባርነትን ነጻ ስለ ከም ዘውጸኦም ስለ ዘዘንቱ ወንጌል(ብስራት) ተባሂሉ። ጸሓፍቱ ወንጌላውያን ክባሃሉ ከለዉ፣ ማቴዎስን ፡

የውሃንስን ካብ ሃዋርያት ፤ ማሪቆስን ፡ ሉቓስን ካብ ኣርድእቲ እዮም። ኣርባዕቲኦም ከኣ ብናይ ጽሓፍቶም ስም ይጽውዑ፣ ንሳቶም ከኣ፡-

1. ወ. ማቴዎስ 2. ወ. ማሪቆስ 3.ወ. ሉቓስ 4. ወ. የውሃንስ እዮም።

1. ወንጌልማቴዎስ ማቴዎስማለት ብዕብራይስጥን ሮማይስጥን ውህበት(ጸጋ) እግዚኣብሄር ፣ ሃብተ

ኣምላክ ማለት እዩ። ወንጌላዊማቴዎስ ካልኣይ ስሙሌዊ እዩ። ኣብኡ እልፍዮስ(ድቁ) ኣዲኡ ድማ ክሩስትሊያ ትብሃል ነገዱ ድማ ካብ ነገደ ይሳኮር ኮይኑ ትውልዲ

ዓዱ ድማ ናዝሬት እዩ። ብተወሳኺ ወንጌላዊማቴዎስ ቀራጺ ቀረጽ እዩ ነይሩ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ጸዎዖ ግና ንኩሉ ሓዲጉ ሰዓቦ።

ማቴዎስ እቲ ኣይሁዳዊ ነቲ ናይ ኣይሁዳውያን መጽሓፍቲ፡ ማለት ብሉይ ኪዳን መመሊሱ ብምጥቃስ፡ የሱስ እቲ መሲህ (ክርስቶስ) እቲ ትንቢት እተዛረበሉ ንጉስ እስራኤል ከም ዝኾነ ነቶም ወገናቱ ዝኾኑ ኣይሁድ ከእምን ኢሉ ወንጌሉ ጸሓፈ።

ወንጌልማቴዎስ ዝጸሓፈማቴዎስ እዩ﷽ ፡ ዝበሉ እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስትያን እዮም እምበር፡ ስም እቲ ጸሓፊ ኣብቲመጽሓፍ

ኣይተጻሕፈን።መኣስ ከም እተጻሕፈውን ፍሉጥ ኣይኮነን። የሩሳሌምብኢድሓደ ቲቶ 70እተባህለመራሒውግእመንግስቲ ሮሜብ ዓ.ም. ከም ዝፈረሰት ኣብ ታሪኽ

ንምልከት፡ እቲ ወንጌል ግና ቅድሚ እዚ ዕለት እዚ ወይ ከኣ ብድሕሪኡ ምጽሓፉ፡ ሊቃውንቲ ኣይተሰማምዑሉን። እንተኾነ ግና ኣብመንጎ 60 ክሳዕ 80ዓ.ም. እተጻሕፈ

ይመስል። ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ዩስጦስ ዘምንመንግስቲ ብዳርባ እምኒ ተቐጥቂጡ ብሴፍ

ተሰይፉ ብኽብሪ ዓረፈ። ወንጌልማቴዎስ 28 ምዕራፍን 1061 ቁጽርን ኣለዎ ።

ክፍልታት ወንጌል ማቴዎስ

1. ልደት ኢየሱስን ጥምቀቱን ፈተንኡን (ማቴ.1-4)።2. ስብከት ከረን (ማቴ. 5-7)3. ግብሪ ተኣምራት ኢየሱስ (ማቴ. 8-12)።4. የሱስ ሃዋርያቱ ይምህር (ማቴ.13-20)።5. ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ እተላዕለ ኣንጻርነትን ሞቱን (ማቴ.

21-27)6. ትንሳኤ ኢየሱስ (ማቴ. 28)።

2. ወንጌል ማሪቆስ ማርቆስ ወንጌል ከም ዝጸሓፈ በቶም ኣቦታት ቤ.ክ. ይንገር። ብወገን

ኣይሁድ ስሙ ዮሃንስ ኪኸውን ከሎ፡ ብወገን ሮማውያን ግና ማርቆስ ተባህለ። ኣዲኡማርያም ትብሃል (ግብ.12፡12) ። ማርያምምቕማጣ

ኣብ የሩሳሌም ነበረ። እቶም ኣመንቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ንጸሎት ይእከቡ ነበሩ(ግብ.12፡12-17) ። በርናባስን ማርቆስን ጳውሎስን ንዕዮ ስብከት ኪገሹ

ከለው፡ ማርያም ተገልግሎም ከም ዝነበረት ንርኢ (ቆሎ.4፡10 ። ግብ.12፡25) ። ምሳታቶም ክሳዕ ጴርጌ በጺሑ ድሕሪኡ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ(ግብ.13፡13) ። ጳውሎስን በርናባስን ብምኽንያት ማርቆስ ምስ ተፈላለዩ፡

ማርቆስ ምስ በርናባስ ናብ ቆጵሮስ ከደ (ግብ.15፡36-39) ። ደሓር ግና ጳውሎስ ንማርቆስ ከም ዘመስገኖ ንርኢ (ቆሎ.4፡10 ። 2ጢሞ.4፡11 ።

ፊሞ.24) ። ማርቆስ ምስ ጴጥሮስውን ዓይዩ ኣሎ (1ጴጥ.5፡13) ። ብዙሓት ሊቃውንቲ፡ እቲ ኣብ ወንጌልማርቆስ 14፡51-52 ተጠቒሱ ዘሎ

ጎበዝ፡ ማርቆስ እዩ ይብሉ። ኣብ ቤተ ክርስትያን እስክንድርያ፡ ማርቆስ ከምመስራቲ እታ ቤ.ክ. እዩ ዚፍለጥ፡ ስለዚ ክሳዕ ሎሚ ኣቦ

ቤተክርስትያን እስክንድርያ ተባሂሉ ይስመኣሎ።

ወንጌል ማርቆስ ጸሓፊ እዚ ወንጌል እዚ፡ እቲ ብሮማይስጢማርቆስ እተባህለ ዮሃንስ እዩ (ግብ.12፡12፥25 ፤ 15፡

37) ። እቲ ቕድም እተጻሕፈ ወንጌል፡ ናይ ማርቆስ ወንጌል ከይኮነ ኣይተርፍን። እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስትያን፡ ወንጌል ማርቆስ ብ60ዓ.ም. ኣቢሉ ኣብ ሮሜ ከም እተጻሕፈ ይመስል ይብሉ። ወንጌል ማርቆስ ካብቶም ካልኦት ወንጌላት ዝሓጸረ እዩ፡ ምኽንያቱ ኸኣ ብዛዕባ ልደት

የሱስ ከይጸሓፈን ነቲ ትምህርቲ ጎይታ ኸኣ ኣስፊሑ ኸይገለጸን ነቲ ግብሪ ተኣምራት የሱስ ጥራይ ብሰፊሑ ዘዘንቱ ስለ ዝኾነ እዩ። ማርቆስ ነቲ ወንጌሉ ንሮማውያን ስለ ዝጸሓፎ፡ ካብ

ብ.ኪ. ኣብዚሑ ኣይጠቐሰን። ነቶም ብጊዜ ማርቆስ ገዛእቲ ዓለም ዝነበሩ ሮማውያን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ምእንቲ ከእምኖም ኢሉ እዩ ነዚ ወንጌሉ ዝጸሓፈ። ኣብ መወዳእታ እቲ ወንጌሉ ኸኣ፡ ሓደ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ከመይ ገይሩ ብየሱስ ከም ዝኣመነ የዘንቱ (ማር.15፡

39) ። ማርቆስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ብመንፈስ ወዱ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት መምህራን፤ ወንጌል ማርቆስ፡ ጴጥሮስ ንማርቆስ ዘስተምሃሮ ወንጌል እዩ﷽

ይብሉ።

ክፍልታት ወንጌል ማርቆስ፤ የሱስ ኣብ ገሊላ ኸም ዘስተምሃረ (ማር.1-6)። ንየሱስ ተቓወምቲ ኸም እተላዕልዎ (ማር. 7-9)። የሱስ ናብ የሩሳሌም ዝኣተወ (ማር. 10)። ኣብ የሩሳሌም ከም ዘስተምሀረ (ማር. 11-13)። ብዛዕባ ሕማማት የሱስን ትንሳኤኡን (ማር. 14-16)።

ወንጌል ማሪቆስ ጸሓፊ እዚ ወንጌል እዚ፡ እቲ ብሮማይስጢማርቆስ እተባህለ ዮሃንስ እዩ

(ግብ.12፡12፥25 ፤ 15፡37) ። እቲ ቕድም እተጻሕፈ ወንጌል፡ ናይ ማርቆስ ወንጌል ከይኮነ ኣይተርፍን። እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስትያን፡ ወንጌል ማርቆስ ብ60ዓ.ም. ኣቢሉ ኣብ ሮሜ ከም እተጻሕፈ ይመስል ይብሉ። ወንጌል ማርቆስ ካብቶም ካልኦት ወንጌላት ዝሓጸረ እዩ፡ ምኽንያቱ ኸኣ ብዛዕባ ልደት

የሱስ ከይጸሓፈን ነቲ ትምህርቲ ጎይታ ኸኣ ኣስፊሑ ኸይገለጸን ነቲ ግብሪ ተኣምራት የሱስ ጥራይ ብሰፊሑ ዘዘንቱ ስለ ዝኾነ እዩ። ማርቆስ ነቲ ወንጌሉ

ንሮማውያን ስለ ዝጸሓፎ፡ ካብ ብ.ኪ. ኣብዚሑ ኣይጠቐሰን። ነቶም ብጊዜ ማርቆስ ገዛእቲ ዓለም ዝነበሩ ሮማውያን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ምእንቲ ከእምኖም ኢሉ እዩ ነዚ ወንጌሉ ዝጸሓፈ። ኣብ መወዳእታ እቲ ወንጌሉ

ኸኣ፡ ሓደ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ከመይ ገይሩ ብየሱስ ከም ዝኣመነ የዘንቱ(ማር.15፡39) ። ማርቆስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ብመንፈስ ወዱ ስለ ዝነበረ፡

ብዙሓት መምህራን፤ ወንጌል ማርቆስ፡ ጴጥሮስ ንማርቆስ ዘስተምሃሮ ወንጌል እዩ ይብሉ።

3. ወንጌል ሉቃስ እዚ ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝነበረ ሉቃስ እቲ ሓኪም፡ ነቲ ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝነበረ ፈታዊኡ

ቴዎፍሎስ፡ ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ እተማህሮ ቓል ኣረጋጊጹ ምእንቲ ኺፈልጥ ኢሉወንጌል﷽ ጸሓፈሉ። ሉቃስ ነቲ ወንጌሉኺጽሕፍ ከሎ፡ የሱስ ወዲ

-ኣምላኽ፡ ወዲ ሰብ ከኣ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ኩላቶም ደቂ ሰብ መድሓኒ ከም ዝኾነ የረጋግጽ። ወንጌል ሉቃስ ብ 60 ዓ.ም. ኣቢሉ ኸም እተጻሕፈ ይመስል። ሉቃስ ኣብቲ ወንጌሉ፡ ብዛዕባ ጸሎት፡

የሱስ ባዕሉ ይጽሊ ኸም ዝነበረን ንሃዋርያቱ ኸኣ ምጽላይ ከም ዝምሃሮምን (ሉቃ.11፡1-13) ይነግር። ብዛዕባ ደቀንስትዮ ኣስፊሑ ይገልጽ (ሉቃ.1-2) ፡ ብፍላይ ከኣ ሓያሎ ምስላታት ክርስቶስ ይዝርዝር

(ሉቃ.15-18) ። ሉቃስ ነቲ ጽሑፉ እናሓተተን ብጥንቃቔ እናመርመረን ኣረጋጊጹ ስለ ዝጸሓፎ፡ ልክዕ ከምቶም በዒንቶም ርእዮም ዝነገሩ ኣገልገልቲ ጎይታ ይቑጸር (ሉቃ.1፡1-4) ። ኣብቲ ቐዳማይ መጽሓፉ

ማለት ኣብ ወንጌል ሉቃስ፡ ነቲ የሱስ ኣብ መጀመርታ ዝገበሮን ዘስተምሃሮን ነገር ኩሉ ጽሒፉ ምስ ኣብቅዔ፡ ኣብቲ ኻልኣይ መጽሓፉ ማለት ኣብ ግብሪ ሃዋርያት፡ ቅጽል እቲ ዛንታ ጸሓፈ (ግብ.1፡1-2)።

ክፍልታት ወንጌል ሉቃስ፡ ብዛዕባ ልደት የሱስን ጊዜ ሕጻንነቱን (ሉቃ.1-3)። ብዛዕባ ምጅማር ዕዮ የሱስ ኣብ ገሊላ (ሉቃ. 4 - 9 ፡ 50)። ብዛዕባ ምኻድ የሱስ ናብ የሩሳሌምን ብዛዕባ እቲ ኣብ ይሁዳ ዝፈጸሞ ዕዮን (ልቃ. 9 ፡ 51-19)። ብዛዕባ ሰሙን ሕማማት የሱስ (ሉቃ. 20-23)። ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስን ዕርገቱን (ሉቃ. 24) ።

4. ወንጌል የዉሃንስ እዚ ስም እዚ፡ እግዚኣብሄር ጸጋ እዩ፡﷽ ማለት. እዩ። ኣብመ ቅ. ብዙሓት

ዮሃንስ ተባሂሎም እተሰምዩ ሰባት ንረክብ። እቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕን ሃዋርያ ዮሃንስን ዮሃንስ ማርቆስን እዮም።

ሓው ያእቆብ፡ ወዲ ዘብዴዎስ (ማቴ.4፡21) ። ኣደ ዮሃንስ ሰሎሜ ከይኮነት ኣይትተርፍን እያ (ማቴ.27፡56 ። ማር.16፡1) ። ወለዱ ኸኣ ሃብታማት ዝነበሩ ይመስል (ማር.1፡20 ፤ 15፡40) ። የሱስ ንዮሃንስ ዓሳ

ኺገፍፍ ከሎ ጸውዖ (ማር.1፡19-20) ። ዮሃንስን ያእቆብ ሓውን ህውኻት ስለ ዝነበሩ፡ የሱስ ቦኣኔርጌስ (ኢሉይሰምዮም። ቦኣኔርጌስ ደቂ ነጎዳማለት እዩ ማር.3፡17) ። እዚ ስም እዚ፡ ክልቲኦም ኣሕዋት

ነቶም ንክርስቶስ ዘይተቐበሉ ንምጥፋእ ስለ ዝደለዩን ኣብመንግስቲ ክርስቶስ ከኣ ናይ ገዛእ ርእሶም ዕቤት ስለ እተተምነዩን ነቲ ናይ ሃወኽጠባዮም ንምግላጽ እተዋህቦም ስም እዩ (ሉቃ.9፡54 ። ማር.10፡

37) ። ክርስቶስ ኣm በታ ሃዋርያት ብምሉኣቶም ዘየድልዩሉ ዝነበረ ጊዜ ምስ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ሰለስተ ጊዜምስኡ ኸም ዝወሰዶ ንርኢ (ማር.5፡27 ፤ 9፡2 ፤ 14፡33) ። ዮሃንስ ምስ ጴጥሮስ

ኮይኑ ድራር ፋስጋ ኣዳለወ (ሉቃ.22፡8) ። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ሃዋርያ ዮሃንስ ብስሙ ኣይተጠቕሰን፡ እንተኾን ግና እቲ የሱስ የፍቅሮ ዝነበረ ወዲመዝሙር ዚብል

(ኣሰማምያ ንዮሃንስ ከምዜመልክት ብዙሓት ዝኣምንዎ ጉዳይ እዩ ዮሃ.13፡23 ፤ 19፡26-27 ፤ 20፡2፥8 ፤21፡20) ።

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዮሃንስ ምስ ጴጥሮስ ኮይኑ ንሓደ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ኬሕዊ ኸሎንመከራ ኺረክብ ከሎን ንርኢ (ግብ.4፡13) ፡ ወንጌል ኪሰብኽውን ናብ ሰማርያ ከም ዝኸደ ነንብብ (ግብ.8፡14) ።

ዮሃንስ ኣብ የሩሳሌም ጸኒሑምስ ጴጥሮስን ያእቆብን ኣብታ ማሕበር ዓየየ (ግላ.2፡1-9) ። ኣብ መወዳእታ ህይወቱ ኸኣ ካብ ኤፌሶን ተሰዲዱ ኣብ ሓንቲ ጳጥሞስ እተባህለት ደሴት ይነብር ነበረ

(ራእ.1፡9) ። ሃዋርያ ዮሃንስ መጽሓፍ ወንጌልን ሰለስተ መልእኽታትን መጽሓፍ ራእይን ከም ዝጸሓፈ፡ ብዙሓት ሊቃውንቲ ዚኣምንዎ ነገር እዩ።

ወንጌል ዮሃንስ ሃዋርያ ዮሃንስ ወንጌሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ እቲ ቐንዲ ሓሳቡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ከም ዝኾነ

ምምስካር ነበረ (ዮሃ.20፡31) ። ንየሱስ ደጋጊሙ፤ ህይወት﷽ ዘልኣለም ዚህብ ወዲ ኣምላኽ ይብሎ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ብዙሕ ተኣምራት ከኣ፡ (ኣምላኽነቱ ዚገልጸሉምልክት ከም ዝነበረ ይጽሕፍ ዮሃ.2፡11) ። የሱስ ኪጽሊ ኸሎ፡ ወዲ

እግዚኣብሄር ኣቦ ምዃኑ ይገልጽ ስለ ዝነበረ (ዮሃ.17፡1፥5) ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ህዝቢ እምኒ ኺድርብየሉ ኸም ዝሃቀነን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንሞት ከም ዝፈረዶን ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ተገሊጹ

ንረኽቦ (ዮሃ.8፡58 ፤ 19፡17) ። ቀጺሉ ኸኣ፡ የሱስ፤ ኣነ እየ እናበለ ሓያሎ ጊዜ ኣምላኽነቱ ከም (ዝሓበረን ዮሃ.6፡35) ፡ ቶማስ ከኣ፡ ጎይታይን ኣምላኸይን ከም ዝበለ እናጠቐሰን፡ ኣምላኽነት የሱስ

(የረጋግጸልና ዮሃ.20፡28) ። ወንጌል ዮሃንስ ኣብ ክልተ ኽፍሊ ይኽፈል። ካብ ዮሃ.1 ክሳዕ ዮሃ.12 የሱስ ኣብ ደገ ኾይኑ

ዝገበሮን ዝመሃሮን ተዘርዚሩ ንረክብ። ካብ ዮሃ.13 ክሳዕ ዮሃ.21 ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት (ደርቢ) ኮፍ ኢሉ ዝመሃሮ ትምህርትን ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ብዛዕባ ምትሓዙን ስቕለቱን ትንሳኤኡን ነንብብ። ካብ ዮሃ.14 ክሳዕ ዮሃ.16 ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ዓቢን ፍሉይን ትምህርቲ ተጻሒፉ ኣሎ።

ወንጌል ዮሃንስ ካብቲ ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ዝጸሓፍዎ ወንጌላት ፍልይ ዝበለ እዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ዮሃንስ ንወንጌሉ ደንጉዩ ስለ ዝጸሓፎን ( ማለት ብ 90 ዓ.ም.) ፡ ነቲ እቶም ካልኦት ወንጌላውያን

ዝጸሓፍዎ ወንጌላት ከኣ ርእይዎ ስለ ዝነበረን፡ ነቲ ኻብኣቶም ዝጎደለ ኪስውኽ እምበር ነቲ ድሮ እተጻሕፈ ኺደግም ብዘይ ምድላዩ እዩ። እቲ ቐንዲ ሓሳብ ዮሃንስ ከኣ ብዛዕባ የሱስ ዝዓሞቐ ትምህርቲ ንምምሃር ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ምስላታትን ካልእ ነገራትን ኪጽሕፍ ኣይደለየን (ዮሃ.1፡1-

14)።

2. ግብሪ ሃዋርያት( ናይ ታሪኽ ክፍሊ) ካልኣይ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ዓብይ ክፋል ናይ ታሪኽ ክፍሊ ይባሃል። ካብ ድሕሪ ናይ ጎይታና ዕርገት ክሳብ ቕዱስ ጳውሎስ ናብ

ሮም ዝኣተወሉ ግዜ ንዘሎ ናይታ ናይ መጀምርያ ቤተ ክርስትያን ዝገልጽ ክፍሊ እዩ። እዚ ከኣ ካብ 34-64 ዓ. ም ንዘሎ ናይ 30 ዓመት ታሪኽ እዩ። ኣብዚ ክፍሊ ናይመጽሓፍ ቅዱስ ታሪኽን ግብርን ናይ ሃዋርያት ንረክብ። ስለዚ ናይ ክርስቶስ ወንጌል

ብመንገዲ ሃዋርያት ከምይ ኢሉ ከም ዝተሰብከ ብኸመይ ናብ ዓለም ከም ዝተዘርገሐ ኣስፊሑ ይገልጸልና። ግብሪ ሃዋርያት ብቅዱስ ሉቃስ ኣብ ሮም ብቕዋንቛ ግሪክ ብ94(95) ዓ. ም ተጻሒፉ። ሉቃስ ዝጸሓፎ ካልኣይመጽሓፍ። ሉቃስ ኣብቲ ዝጸሓፎ ወንጌሉ፡ ካብ ልደት የሱስ ጀሚሩ ክሳዕ ዕርገቱ ነቲ የሱስ ዝነበሮን

ዘስተምሃሮን ዛንታ ይዝርዝር። ኣብዚ ግብሪ ሃዋርያት﷽ ተባሂሉ ዘሎ ካልኣይመጽሓፍ ከኣ፡ ነቲ ዛንታ ብምቕጻል፡ ሃዋርያት ዝገበርዎ ግብሪ ይጽሕፍ። ብመሰረቱ ግና፡ እቲ ብሃዋርያት እተፈጸመግብሪብሓቂብሓይሊ

መንፈስ ቅዱስ ከምእተገብረ ይገልጽ። ግብሪ ሃዋርያት፡ እምነት ክርስትና ካብ ይሁዳ ናብ ሰማርያ፡ ካብ ሰማርያ ናብ ሶርያ፡ ካብኡኸኣ ናብ እስያን ግሪኽን ሮሜን ከመይኢሉ ከምእተዘርግሔን ከምዝኣተወን ዜረድእመጽሓፍ እዩ።

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት እተን ቀዳሞት ምዕራፋት (1-8) መብዛሕትኤን ብዛዕባ ጴጥሮስ የዘንትዋ፡ እተን ዳሕረዎት ምዕራፋት ከኣ (9-28) ብዛዕባ ጳውሎስ የዘንትዋ። እቲ ቐንዲ ዕላማ ናይ ሉቃስ፡ እቶም ሃዋርያት

ትእዛዝ ጎይታ ንምፍጻም ወንጌል ክሳዕ ወሰን ምድሪ ከም ዝዘርግሑ ንምርዳእ እዩ። ኣብታ መዓልቲ በዓል ሓምሳ (ጰንጠቆስተ) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ሃዋርያት ወሪዱ ኣብ የሩሳሌም ቤ.ክ. ምስመስረተ፡ እምነት ክርስትና ናብ ይሁዳን ናብ ሰማርያን ከም እተዘርግሔን (ግብ.8፡1) ፡ ካብኡ ኸኣ ናብ ቆጵሮስን ናብ

ኣንጾክያን (ግብ.11፡19) ፡ ድሕሪኡ ድማ ጳውሎስ ሰለስተ ግዜኺገይሽ ከሎ ናብ እስያን (ግብ.13፡4 ፤ 13፡13) ናብ ሃገር ግሪኽን (ግብ.16፡9-10) ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብታ ርእሲ ኸተማ ዓለም ዝነበረት ናብ ሮሜ

(ግብ.27-28) ከም ዝበጽሔን ጽሑፍ ኣሎ። ሉቃስ ንግብሪ ሃዋርያት ብጥንቃቔ ስለ ዝጸሓፎን (ሉቃ.1፡1-4) ምስ ጳውሎስ ከኣ ብዙሕ ግዜ ሓቢሩ ይገይሽ ስለ ዝነበረን (ግብ.16፡1-18) ፡ እቲ ዝጸሓፎ ዛንታ ሓቂ ከም ዝኾነ የረጋገጽ። ግብሪ ሃዋርያት ብ 64ዓ.ም. ኣቢሉ ከም እተጻሕፈ ይግመት።

3. ናይ መልእኽታት ( ትምህርቲ ክፍሊ) እዚ ክፍሊ ፣ካብ' ቲ ብዛዕባ እምነት ክርስትና ዓበይቲ እምንቶታትን

እንታይነትን ብስነመሎኮታዊ ትንታነ ዘብርህ ኣገዳሲ ክፋል ናይመጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እቲ ዝበዘሐ ክፋል ናይዚ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ። ትሕዝቶ

ናይዞምመልእኽታት ኣብ ሰላስተ ዓበይቲ ክፍልታት ይኽፈል።

1. ትምህርቲ ሃይማኖት[Doctrine] ፤ 2. ስነ- ምግባር [Moral ethics] 3. ስርዓተ ቤተ- ክርስትያን [Order of the Church] ዝሓዘ እዩ። እዞም 21 መልእኽታት ናብ ግልን ፤ ማህበራትን ዝተላእኩመልእኽታት

እዮም። እቶም ናብማህበር ዝተላእኩ 15 እዮም። ሮሜ፣ 1 ይን 2 ይን ቆሮንጦስ ፤ ገላትያ ፣ ዕብራውያን ፣ ፊልጵስዩስ ፣ ቆላስየስ

1 ይን 2 ይን ተሰሎንቄ ፤ያዕቆብ ፣1 ይ የውሃንስ ፣1 ይን 2 ይን ጴጥሮስ ፤ ይሁዳ እዮም። ናብ ግሊ ዝተልእእኩመልእኽታት 6 ክኾኑ ከለዉ ንሳቶም ድማ ፤

1 ይን 2 ይንጢሞቴዎስ ፣ ቲቶ፣ ፊሊሞና ፣ 2 ይን 3 ይን የውሃንስ እዮም።

መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ እዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ከተማ ሮሜ ዚነብሩ ዝነበሩ

ክርስትያን ዝጸሓፋ እያ፡ ብ 57ዓ.ም. ኣቢሉውን ጸሓፋ። እታ መልእኽቲ ካብ ከተማ ቆረንቶስ እያ እተላእከት። ጳውሎስ ናብ ሮሜ ገና ዘይከደ ስለ ዝነበረ፡ ነታ

ኣብኣ ዝነበረት ማሕበር ክርስቶስ ባዕሉ ኣይመስረታን (ሮሜ.15፡20-22) ። ናብ እስጳንያ ንምኻድ ሓሳብ ስለ ዝነበሮ፡ ቅድሚ ናብ ሮሜ ምኻዱ ቃል ወንጌል

ኪገልጸሎም ድሌት ነበሮ። ሰብ ሮሜ ብዛዕባ ጳውሎስ ሰሚዖም ነይሮም፡ እቲ ዝሰምዕዎ ግና ፍርቁ ሓቂ ፍርቁ ኸኣ ሓሶት ነበረ፡ ስለዚ ነቲ ሓቂ ምእንቲ ኺፈልጡ ኢሉ፡ ቃል ወንጌል ብምሉኡ ጸሓፈሎም።

ቤተ ክርስትያን ሮሜ፤ ቤተ ክርስትያን ሮሜ ዝመስረተ መን ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ

ንምባል ብቑዕ መረድኢ የብልናን ( ሮሜ 15፡20-24) ። ከምኡውን ጴጥሮስ ይኹን ወይ ከኣ ካልእ ሃዋርያ ዝመስረታውን ኣይትመስልን። ብመዓልቲ ጴንጠቆስተ፡

መንፈስ ቅዱስ ኪወርድ ከሎ፡ ኣብ የሩሳሌም ሰብ ሮሜ ከም ዝነበሩ ተገሊጹ ኣሎ (ግብ.2፡10) ፡ ስለዚ ኻብቲ ስብከት ጴጥሮስ ወንጌል ሰሚዖም ናብ ሮሜ

ዘብጽሕዎን ቤተ ክርስትያን ዝመስረቱን፡ ንሳቶም ከይኮኑ ኣይተርፉን። ርጉጽ ግና ፍሉጥ ኣይኮነን።

ሮሜ መንግስቲ ሮሜ፤ እታ ኣብ ሓ.ኪ. ሮሜ﷽ እትብሀል ዝነበረት

ከተማ፡ ሎሚ ሮማ﷽ ትበሃል 753 ኣላ። ሮሜ ብ ቅ.ል. ክ ከም እተመስረተት ይዝንቶ። እዛ ኸተማ እዚኣ ርእሲ ኸተማመንግስቲ ሮሜ እያ። መንግስቲ ሮሜ

እናሰፍሔት ስለ ዝኸደት፡ በቲ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ጊዜ ካብ ሃገር እንግሊዝ ጀሚራ ብእስራኤል ኣቢላ ክሳዕ ሃገር ዓረብ ዚዝርጋሕ ግዝኣት ጠሚራ ኸም ዝነበረት ንዝክር። ክርስቶስ

ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ተኸሲሱ ኺቐርብ ከሎን ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባኝ ኪብል ከሎን፡ እስራኤል ሓንቲ ካብተን ናይ ሮሜ ግዝኣት ዝነበረትሉ ጊዜ ኸም ዝነበረ ንዝክር (ማቴ.27፡1-2 ። ግብ.25፡11) ።

ኣብ ጊዜ ጳውሎስ፡ ሮሜ ሓደ ሚልዮን ዝኣኽሉ ተቐመጥቲ ዝነበርዋን ብብዙሓት ዓብይቲ ህንጻታት ዘጌጸት ከተማን ነበረት። መንግስቲ ሮሜ ኸኣ ንብዙሓት ህዝብታት ጸጥታን ፍርድን ትህብ ስለ

ዝነበረት፡ ፍልጥቲ ነበረት (ግብ.17፡7) ። ክርስቶስን ሃዋርያትን ንመንግስቲ ሮሜ ዚግባእ ኣኽብሮ የርእዩ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (ሉቃ.20፡25 ። ግብ.24፡10 ። ሮሜ.13፡1-7 ። 1ጴጥ.2፡13-14) ።

እንተኾነ ግና እቶም ኣመንቲ ዚብሃሉ፡ ካብ ንቔሳር ንእግዚኣብሄር ኣብሊጾም ስለ ዘኽበሩ ብመንግስቲ ሮሜ ስደት በጽሖም፤ ብዙሓት ኣመንቲ ብግፍዒ ተቐትሉ። ከምቲ ኣብ ዛንታ ቤተ

ክርስትያን ተጻሒፉ ዘሎ ኸኣ፡ ብዘበን መንግስቲ ኔሮ፡ ጳውሎስን ጴጥሮስን ኣብ ከተማ ሮሜ ንሞት ከም እተፈርዱ ንርኢ።

ብ 395 ዓ.ም. ቴዎዶስዮስ እተባህለ ናይ ሮሜ ንጉሰ ነገስት ምስ ሞተ፡ እታ መንግስቲ ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ተመቕለት። ብ 410 ዓ.ም. ከኣ ኣላሪክ እተባህለ ናይ ጸላኢ መራሒ ንሮሜ

ተዋጊኡ ሰዓራ፡ ስልጣና ኸኣ ሰዓረ፡ እታ ኸተማ ግና ክሳዕ ሎሚ ኣላ። ሮሜ በዚ ዘሎናዮ ጊዜ ናይ ኢጣልያ ርእሲ ኸተማ እያ።

ሮማዊ ሮሜ ውርይቲ መንግስቲ ኣብ ዝነበረትሉ ጊዜ፡ ሓደ ናይ ሮሜ ዜግነት ዝነበሮ ሰብ

ኣብ መንግስቲ ሮሜ ፍሉይ መሰል ከም ዝነበሮ ኣብ ታሪኽ ንርኢ። ሓደ ሮማዊ ኺምርመር ከሎ፡ ብኹርማጅ ኣይግረፍን ነበረ፡ ፍርዲ ሞት ምስ ዚፍረዶ ኸኣ

ይስየፍ እምበር ይስቀል ኣይነበረን። ኣብ ቄሳር ይግባኝ ኪብል ከኣ መሰል ነበሮ። ሓደ ሰብ ካብ ሮማዊ ስድራ ቤት ብምላድ፡ ወይ ዜግነት ብገንዘብ ብምግዛእ፡ ወይ ከኣ ንመንግስቲ ሮሜ ብምግልጋል፡ ሮማዊ ኪኸውን ይኽእል ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ሮማዊ መሰሉ ኸም እተጠቕመ ነንብብ (ግብ.16፡37-39 ፤ 22፡25-29 ፤ 23፡

27 ፤ 25፡10-12)። ሮማይስጢ፤

ናይ ሮማውያን ቋንቋ ማለት እዩ። ጎይታና የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ሮማይስጢ ናይ ምንግስቲ ቋንቋ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መስቀል የሱስ ዝነበረ ጽሑፍ ብቛንቋ ሮማይስጢ ተጻሒፉ ኸም ዝነበረ ነንብብ (ሉቃ.23፡38 ። ዮሃ.19፡20) ። ፊዴል ሮማይስጢ ንናይ እንግሊዘኛ ፊዴል ይመስል። ብዙሓት ቃላት ሮማይስጢ

ተወሪሶም ናብ ግሪኽ ስለ ዝኣተው ኣብ ሓ.ኪ. ሰፊሮም ንረኽቦም። ገለ ካብኣቶም ከኣ፡ ካብ ግሪኽ ናብ ሓ.ኪ. ግእዝን ትግርኛን ሰጊሮም ኣለው። ንኣብነት ዲናር

ዚብል ቃል ናይ ሮማይስጢቓል እዩ።

1. ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆረንቶስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናይ ግሪኽ ከተማ ዝነበረት ከተማ ቈረንቶስ፡ ማሕበር ክርስትያን መስሪቱ ነበረ (ግብ.18፡1-18) ።

ጳውሎስ በቲ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረሉ ጊዜ፡ ካብቶም ካብ ቈረንቶስ ዝመጹ ኣጋይሽ ኩነታት እታ ማሕበር ሰምዔ(1ቈረ.16፡8-9 ፤ 1፡10-12 ፤ 16፡17) ። እቲ ኹነታት ከኣ ዜጉሂ ነበረ። ኣብ ማሕበር ቈረንቶስ ክርክርን ፍልልይን (1ቈረ.1፡10-12) ፡ ምንዝርናን 1ቈረ.5፡!) ፡ ነገርን (1ቈረ.6፡1) ኣትዩ ነበረ። ስለዚ ኸኣ እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ እዚ ኹነታት እዚ ምኽሪ

ምእንቲ ኺህብ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኺጽሕፍ ጀመረ። ቅድም ግና በብዓይነቱ ሕቶታት ዝሓዘት መልእኽቲ ኻብ ማሕበር ቈረንቶስ በጺሓቶ ስለ ዝነበረት፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ክፍሊ ናይዛ መልእኽቲ ነቲ ዝቐረቦ ሕቶታት መልሲ ይህበሉ (1ቈረ.7፡

1 ፤ 8፡1 ፤ 12፡1 ፤ 16፡1) ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ብ 55 ዓ.ም. ኣቢላ ተጻሕፈት።ክፍልታት እታ መልእኽቲ፤

ሀ) ብዛዕባ ኹነታት ማሕበር።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከል ማሕበር እተላዕለ ክርክር (1-4)። ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከል ማሕበር እተፈጸመ ምንዝርና (5)። ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከል ማሕበር እተላዕለ ነገር (6)። ለ) ብዛዕባ እቲ ማሕበር ዘቕረብዎ ሕቶታት።

ብዛዕባ ምትእትታው (7)። ብዛዕባ ንጣኦት እተሰውኤ ስጋ (8-10)። ብዛዕባ ቅዱስ ቁርባን (11)። ብዛዕባ ህያባት መንፈስ ቅዱስ (12-14)። ብዛዕባ ትንሳኤ ምውታንን ብዛዕባ ኻልኣይ ምምጻእ ጎይታን (15)። ብዛዕባ ምውጻእ ገንዘብን ብዛዕባ ናይ ግሊ ጉዳይ ጳውሎስን (16)።

2 ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆረንቶስ• ዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ኸተማ ቈረንቶስ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጽሒፉሎም ከም ዝነበረ ንዝክር ኢና።

እንተኾነ ግና ኣብ ማሕበር ቈረንቶስ እቲ ጽዩፍ ዝኾነ ተግባራት እናቐጸለ ኸደ። ስለዚ እቲ ሃዋርያ፤ ባዕለይ እንተ ኸድኩ ይሓይሽ፡﷽ ኢሉ ናብ ቈረንቶስ ከደ፡ እቶም ኣብታ

ማሕበር ዝነበሩ ሰባት ግና ኣይተቐበልዎን። ካብማእከሎም ከኣ ሓደ ሰብ ተላዒሉ ብግሁድ ኣዋረዶ(2ቈረ.2፡5-11 ፤ 12፡21) ። ስለዚ ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን ተመሊሱ ሓንቲ ብርትዕቲ መልእኽቲ ጸሓፈ እሞ

ብኢድ ቲቶስ ገይሩ ለኣኻ (2ቈረ.2፡1-6 ፤ 7፡8) ። ነታ መልእኽቲ ምስ ሰደዳ ግና ተጣዕሰ። ከመይ ገይሮም ኮን ይቕበልዋ ይኾኑ? ብምባል ተጨነቐ። እቲጭንቁ ስለ ዝበርትዔ ኸኣ፡

﷽ቲቶስ ኪምለስ ከሎ ንእግረ መገደይ ክረኽቦ፡ ብምባል ብጥሮኣስ (2ኣቢሉ ናብመቄዶንያ ኸደ ቈረ.2፡12-13) ። ከምቲ ዝሓሰቦ ኸኣ ጳውሎስን ቲቶስ ተራኸቡ። ቲቶስ ባህ ዜብል ወረ ሒዙ መጸ። ሰብ ቈረንቶስ ነታ መልእኽቲ ጳውሎስ ምስ ረኣዩ ሰንበዱ ብርቱዕ ጓሂ ኸኣ ጎሃዩ፡

ተጣዕሱ ኸኣ። ምኽሪ ጳውሎስ ኪቕበሉውን ድልዋት ኮኑ (2ቈረ.7፡5-16) ። ስለዚ ጳውሎስ ነቲ ናይ ቲቶስ ወረ ምስ ሰምዔ፡ ነዛ ኻልአይቲ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ብ 56ዓ.ም.

ተጻሕፈት። ከም ሓቂ ግና እዛ ጳውሎስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኻልአይቲ ዘይኮነትስ ራብዐይቲ መልእኽቲ እያ። ድሕሪኣ

ኸኣ ነታ ቐዳመይቲ﷽ እንብላመልእኽቲ ጸሓፈ፡ ንሳ ኸኣ እታ ኻልአይቲ መልእኽቲምዃና እያ። እታ ብርትዕቲመልእኽቱ እታ ሳልሰይቲ﷽ እያ፡

ኣብ መወዳእታ ኸኣ እታ ኻልአይቲ﷽ እንብላመልእኽቱ፡ ራብዐይቲ ምዃና እያ። እታመጀመርያ እተጻሕፈትን እታ ብርትዕቲመልእኽቱን ከም ዝጠፍኣ ይግመት። ገሊኦም

2 .10-13 መምህራን ግና እቲ ኣብ ቈረ እንረኽቦ ኸቢድ ተግሳጽ፡ ክፍሊ እታ ሳልሰይቲ መልእኽቲ እዩ ይብሉ፡ እዚ ኸኣ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ክፍልታት እታ መልእኽቲ

• ብምኽንያት ቈረንቶስ ዝወረዶ መከራ (1-2)።• ኣገልግሎት እቲ ሃዋርያ (3-7)።• ንማሕበር የሩሳሌም ዚዋጻእ ሓገዝ (8-9)።• ጳውሎስ ሓቀኛ ሃዋርያ ምዃኑ (10-13)።

ገላትያ• ገላትያ ሓንቲ ኣውራጃ እያ፡ ኣብዛ ሎሚ ቱርኪ ተባሂላ ዘላ ሃገር ከኣ ትርከብ። ገላትያ ኣብታ

ሃገር ካብ ሰሜን ንደቡብ ተዘርጊሓ ትርከብ። ኣብ ክፍሊ ደቡብ ገላትያ፤ ናይ ጵሲድያ ኣንጾክያን፡ ኢቆንዩምን፡ ልስጥራን፡ ደርቤን እተባህላ ኸተማታት ነበራ። ንሳተን ከኣ ሃዋርያ ጳውሎስ

መጀመርታ ወንጌል ኪሰብኽ ከሎ ዝበጽሔን ከተማታት እየን (ግብ.13፡14-28) ። ኣብታ ኻልአይትን ሳልሰይትን መገሻታቱውን ከም ዝበጽሔን ነንብብ (ግብ.16፡6 ፤ 18፡23)።

መልእኽቲ ናብ ሰብ ገላትያ፤

• ሃዋርያ ጳውሎስ በታ ቐዳመይቲ ናይ ምስባኽ ወንጌል መገሻኡ ናብ ኣንጾክያ ናይ ጵሲዲያን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ልስጥራን ናብ ደርቤን ከም ዝኸደ ነንብብ (ግብ.13፡14፥15 ፤ 14፡6) ። ኩለን

እዘን ከተማታት ከኣ ኣብታ ገላትያ እትብሃል ኣውራጃ ዚርከባ እየን። ጳውሎስ ከኣ ኣባታተን ወንጌል ሰቢኹ ናብ ሶርያ ተመልሰ። ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ግና ገለ ሰባት ናብ ገላትያ ኸይዶም

ንስልጣንን ትምህርትን እቲ ሃዋርያ እናነቐፉ፤ እንተ ዘይተገዘርኩምን ሕጊሙሴ ኸኣ እንተ ዘይሓለኹምን ብክርስቶስ ምእማን ኣይኣክልን እዩ፡

ኢሎም ስለ ዝመሃሩ፡ ሰብ ገላትያ ኻብቲ ትምህርቲ ጳውሎስ ዘንቢሎን ነዚ ሓድሽ ትምህርቲ ኺቕበሉ ጀመሩ። ስለዚ ጳውሎስ ነዚ ወረ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ነዛ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። እዛ

መልእኽቲ እዚኣ ካብተን ጳውሎስ ዝጸሓፈንመልእኽታት እታ ቐዳመይቲ እያ፡ ኣብ ሃገር ሶርያ 48 ኣብ ኣንጾክያ ኸኣ ብ ወይ ብ 49 ዓ.ም. ኣቢላ ተጻሕፈት። ስለዚ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ፤﷽................ ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል

ምግልባጥኩም ይገርመኒ ኣሎ፡ (እናበለ ኣምሪሩ ይግስጾም ገላ.1፡6 ፤ 5፡7)።

መልእኽቲ ናብ ሰብ ገላትያ• እቲ ቐንዲ ሓሳብ ናይታ መልእኽቲ፡ ብጸጋ﷽

ጥራይ፡ ብእምነት ጥራይ፡ ዚብል ክነሱ፡ ምድሓን ነፍሳት ናይ ሕጊ ተግባር ከይተወሰኾ ብእምነትጥራይ ከም ዚርከብምምሃር እዩ።

ጳውሎስ ሃዋርያነቱን ነቲ ዚምህሮ ሓቅነት ወንጌልን የረጋግጽ (ገላ.1-2)።• እቲ ሃዋርያ፡ ሓደ ክርስትያን ካብ ባርነት ሕጊ ሓራ ኸም ዝኾነ ብብዙሕ መገዲ

ይሕብር (ገላ.3-4)።• ክርስትያን ካብ ሕጊ እኳ እንተ ኾነ ብስርዓት ኪመላለስ ይግብኦ (ገላ.5-6)።

ማሕበር ገላትያ፤

• እዛ ማሕበር እዚኣ ብሃዋርያ ጳውሎስ እተመስረተት እኳ ኽነሳ፡ ካብቲ ዝመሃራ ትምህርቲ ክትዝንብል ከም ዝሃቀነት ንዕዘብ። ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ ሒዶት

ዓመታት እቲ ሃዋርያ ናብ ሰብ ቆረንቶስ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ከምቲ ንማሕበራት ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡﷽

ኢሉ ጽሒፉ ስለ ዘሎ፡ ሰብ ገላትያ እታ ዝጸሓፈሎምመልእኽቲምስመጸቶም፡ (1ካብ ጌጋኦም ተጣዒሶም እተመልሱ ይመስል ቆረ.16፡1)።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን እዛ መልእኽቲ እዚኣ ንመጀመርታ እተን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸሎ ዝጸሓፈን

ኣርባዕተ መልእኽታት እያ። እቲ ጳውሎስ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ጊዜ ካብ 62 ክሳዕ 64 ዓ.ም. ስለ ዝነበረ፡ እዛ መልእኽቲ እዚኣውን በዘን ዓመታት እዚኤን ከም እተጻሕፈት ተፈሊጡ ኣሎ።

እታ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ኣመንቲ እያ እተጻሕፈት፡ እንተኾነ ግና ኣብቲ በኹሪ ጽሑፍ እታ መልእኽቲ፡ እቲ ኣድራሻ ኣብ ቁጽሪ ሓደ ስለ እተጻሕፈ፡ ገሊኦም መማህራን፤

ንሰብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ዙርያ ኤፌሶን﷽ ዝነበሩ ኻልኦት ክርስትያናትውን እተጻሕፈት መልእኽቲ እያ፡ ይብሉ።

ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቱ፡ እግዚኣብሄር ዕርቂ ብክርስቶስ ሂቡ ንኹሉ ሓደ ኸም ዝገበሮ የረድእ(ኤፌ.1፡8-12) ። ኩሎም ብክርስቶስ ስለ እተዐርቁ፡ ኣይሁድን ኣህዛብን ኣብ ሓንተñ ማሕበር፡

ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ተጠርነፋ (ኤፌ.2፡11-22) ። እዛ ቤ.ክ. እዚኣ ኣብ ዓለም እትርከብ ኣካል ክርስቶስ እያ። እግዚኣብሄር ነቲ ኣብኣ ኺፍጸም ዝመደቦ ተግባር ኩሉ ኸኣ ኣብ ልዕሊኣ

ኺፍጸም መደበ (ኤፌ.3፡7-20)። ካብ ምዕራፍ 4 ክሳዕ 6 እቲ ሃዋርያ ኸምቲ ልማዱ፡ ትምህርቱ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኼውዕል፡

ንውሳነ እግዚኣብሄር መሰረት ገይሩ፡ ክርስትያናት ከመይ ዝበሉ ሰባት ኪኾኑ ከም ዚግባእይሕብር።

ክፍልታት እታ መልእኽቲ፤ እግዚኣብሄር ዝመደቦ ተግባር (ኤፌ.1-3)። ኣመንቲ ኺነብርዎ ዚግባእ ንብረት (ኤፌ.4-6)።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልጲ• ሃዋርያ ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኺጽሕፍ ከሎ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ንዝክር (ፊል.1፡7፥13) ።

ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸም ዝነበረ ዚግምቱ ስለ ዝኾኑ ኸኣ፡ እታ መልእኽቲ ብ 63 ዓ.ም. ኣቢላ እተጻሕፈት ትመስል። ገሊኦም ሊቃውንቲ ግና፤ ኣብ ኤፌሶን እዩ ተኣሲሩ ዝነበረ፡﷽

(2ዚብሉ ኣለው። ጳውሎስ ብዙሕ ጊዜ ስለ እተኣስረ፡ ከምኡውን ኪኸውን ይኽእል እዩ ቆረ.11፡23) ። ዝኾነ ኾይኑ ግና ኣብ ኤፌሶን ተኣሲሩ ኸሎ ዝጸሓፋ እንተኾነት ብ 54 ዓ.ም. ኣቢላ እተጻሕፈት

ክትከውን ትኽእል እያ። እቲ ምኽንያት መጽሓፊ እዛ መልእኽቲ ዝኾነ ጉዳይ ከኣ፡ ኤጳፍሮዲጦስ ካብ ማሕበር ፊልጲ ንጳውሎስ ህያብ ስለ ዘምጽኣሉ (ፊል.4፡14-20) ምስጋና ኺህብ ስለ ዝደለየ

እዩ።

• ኣብ መንጎ ሃዋርያ ጳውሎስን ማሕበር ፊልጲን ፍሉይ ስምምዕን ፍቕርን ስለ ዝነበረ፡ እታ መልእኽቲ ብፍቕርን ሓጎስን እተመልኤት ኮይና ንረኽባ። ኤጳፍሮዲጦስ ግና ናብ ጳውሎስ ምስ

ከደ ስለ ዝሓመመ እሞ፡ እቶም ኣመንቲ ስለ እተጨነቑ፡ ጳውሎስውን እንተ ተመልሰ ይሓይሽ ኢሉ ነታ መልእኽቲ ምስኡ ኣማሊኡ ይሰዶ (ፊል.2፡25-30) ። ኤጳፍሮዲጦስ ንጳውሎስ ኣብ ማሕበር

ፊልጲ ዘይምስምማዕ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ስለ ዝነገሮ፡ እቲ ሃዋርያ ብሓንቲ ልብን ብሓደ ሓሳብን ኪሰማምዑ ይልምኖም (ፊል.1፡27 ፤ 2፡1-13 ፤ 4፡2)።

ክፍልታት መልእኽቲ ፊልጲ፤

• ጳውሎስ ምእንቲ እቶም ኣመንቲ ይጽሊ፡ ኣብ ክርስቶስ ምንባር (ፊል.1)።• እቶም ኣመንቲ ሓድነቶም ኬደልድሉ፡ ትሕትና ክርስቶስ ኪለብሱ ይምዕድ (ፊል.2፡1-18)።• ብዛዕባ ኤጳፍሮዲጦስን ጢሞቴዎስን (ፊል.2፡19-30)።• ጳውሎስ ነቲ ኣብ ስጋ ዝነበሮ ረብሓ ንዒቑ ንክርስቶስ ኣብሊጹ ኪፈልጦ ኸም ዝጸዓረ ይገልጽ

(ፊል.3)።• ነተን ክልተ ኣንስቲ ሓሳበን ብጎይታ ሓደ ኪኸውን ይምዕድ (ፊል.4፡1-7)።• ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ እተቐበሎ ህያብ የመስግን (ፊል.4፡8-23)።

ፊልጲ• ፊልጲ ኣብ ኣውራጃ መቄዶንያ እትርከብ ከተማ ሃገር ግሪኽ እያ። ኣብቲ ካብ

ሮሜ ተላዒሉ ናብ ሃገራት ምብራቕ ዚወስድ ዓቢ ጎደና ኸኣ ተመስረተት። እዛ ኸተማ፡ ፊልጶስ ንጉስ መቄዶንያ ኣቦ እስክንድር እቲ ዓቢ ስለ ዝሓዛን፡ ብ

358 ቅ.ል.ክ. ከም ብሓድሽ ስለ ዝነደቓን፡ ብስሙፊልጲ﷽ ተባሂላ 168 ተሰምየት። ብ ቅ.ል.ክ.

ሮማውያን ንግሪኻውያን ምስ ሰዓርዎም ከኣ፡ ናይታ ሃጸያዊት መንግስቲ ሮሜ ኸተማ ኾነት። ድሕሪኡ ኸኣ ናይ ግዝኣት ሃገር﷽ ተባህለት እሞ፡ ተቐመጥታ

ናይ ሮሜዜግነት ተዋህቡ። በቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ካልኣይመገሻ ስብከቱ ኸኣ ወንጌል ናብ ፊልጲ ኣተወ። ካብተን ወንጌል እተቐበላ ኸተማታት ኣውሮጳ፡ እታ

(ቐዳመይቲኸተማ፡ ፊልጲ እያ ግብ.16፡9-12) ። ካብቶም ቀዳሞት ኣባላት ማሕበር ክርስትያናት ናይ ፊልጲ፡ ልድያ እተባህለት ሸያጢት ሃርን፡ ሓደ ሓላዊ

ቤት ማእሰርትን ንዝክር (ግብ.16፡14-33) ። ካ 6 ሸ።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሎሴ• ሓደ ኦነሲሞስ እተባህለ ናይ ፊልሞን ባርያ ዝነበረ በዓል ቈሎሴ፡ ናብ ቈሎሴ ይምለስ

ስለ ዝነበረ፡ ምስቲ ምምላሱ ነታ ቤተ ክርስትያንውን ኪጽሕፈላ ስለ ዝደለየ ጸሓፋ(ፊሞ.10-12 ። ቈሎ.4፡7-9)።

• ኤጳፍራስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕበር ቈሎሴ ኣትዩ ዝነበረ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ነጊርዎ ስለ ዝነበረ፡ ጳውሎስ ናይ መጠንቀቒ መልእኽቲ ኺጽሕፈሎም ግቡእ ኮይኑ ስለ

እተራእዮ፡ ኪጽሕፈሎምመደበ። እቲ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ተባሂሉ ዘሎ፡ ብርግጽ ኪፍለጥ እኳ እንተ ዘይተኻእለ፡ ካብ ትምህርቲ ኣይሁድን ትምህርቲ ፈላጣትን ተሓዋዊሱ

ዝመጸ ይመስል (ቈሎ.2፡8 ፤ 16-22) ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ በቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ዝነበረ ጊዜ ማለት ብ 62 ዓ.ም. ኣቢላ ተጻሕፈት (ግብ.28፡30-31 ። ቆሎ.4፡18)።

ክፍልታት እታ መልእኽቲ፤

• ሃዋርያ ምእንቲ ማሕበር ቈሎሴ ዜቕርቦ ምስጋናን ጸሎትን (ቈሎ.1፡1-14)• ክርስቶስ ናይ ኩሉ ጎይታን መድሓንን ከም ዝኾነ (ቈሎ.1፡15-23)።• ብዛዕባ እታ ምእንቲ ኣመንቲ ዘላቶ ዓባይ ተስፋ (ቈሎ.1፡24-2፡7)።• ካብ ትምህርቲ ሓሶት ምጥንቃቕ (ቈሎ.2፡8-3፡4)።• ብዛዕባ ክርስትያናዊ ንብረት (ቈሎ.3፡5-4፡6)።• ብዛዕባ እቶም ምስኡ ሓቢሮም ዜገልግሉ ሰባትን፡ ቃል ሰላምታን (ቈሎ.4፡7-18)።

1 ይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብተሰሎንቄ• እዘን መልእኽታት እዚኤን ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ተሰሎንቄ ምስ ወጸ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ተጻሕፋ። እቲ

ዓመታቱ 50 ወይ ከኣ 51 ዓ.ም. ኣቢሉ ይኸውን። ማሕበር ተሰሎንቄ እናበርትዔት ከደት (1ተሰ.1፡2-10 ።2ተሰ.1፡3-4) ። ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ብዙሕ ስለ ዘይተቐመጠ፡ መሰረታዊ ዝኾነ ትምህርቲ ክርስትና

ኬስተምህሮም ስለ ዝደለየ ኣከታቲሉ ኽልተ መልእኽታት ጸሓፈሎም (1ተሰ.3፡9-10) ። ኣብ ክልቲኤን መልእኽታቱ ኸኣ ብፍላይ ብዛዕባ ኻልኣይ ምምጻእ ክርስቶስ ይዛረብ (1ተሰ.4፡13-18 ፤ 5፡1-11 ።

2ተሰ.2፡1-12) ። ስደት ስለ ዝወረዶም ብጽንዓት ኪቖሙ የበራትዖም (1ተሰ.2፡14-3፡5 ። 2ተሰ.1፡4)። ክፍልታት እተን መልእኽታት፤

ቀዳመይቲ መልእኽቲ፤

ምስጋና እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ ማሕበር ተሰሎንቄ፡ 1ተሰ.1። ገድሊ እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ ማሕበር ተሰሎንቄ፡ 1ተሰ.2፡1-16። ስግኣት እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ ማሕበር ተሰሎንቄ፡ 1ተሰ.2፡17-3፡13። ብዛዕባ ቅድስናን ፍቕርን ናይ ኣመንቲ፡ 1ተሰ.4፡1-12። ብዛዕባ ካልኣይ ምምጻእ ጎይታ፡ 1ተሰ.4፡13-5፡11። ብዛዕባ ናይ ኣመንቲ ሓቢርካ ምንባር፡ 1ተሰ.5፡12-28።

ካልአይቲ መልእኽቲ፤

ክርስትያንን መከራን፡ 2ተሰ.1። ክርስትያንን ካልኣይ ምጽኣትን፡ 2ተሰ.2። ክርስትያንን ዕለታዊ ተግባሩን፡ 2ተሰ.3።

ጢሞቴዎስ• ጢሞቴዎስ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ልስጥራ ዝረኸቦ መንእሰይ እዩ። ኣቦኡ ግሪኻዊ ኣዲኡ ኸኣ

ኣይሁዳዊት ከም ዝነበሩ ነንብብ (ግብ.16፡1-3) ። ዓባዩን ኣዲኡን ክርስትያን ነበራ፡ ጢሞቴዎስን ቅዱሳት ጽሑፋት ተማሂሩ ነበረ (2ጢሞ.1፡5 ፤ 3፡14-15) ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ብጎይታ﷽ እሙንን ፍቁርን ወደይ ይብሎ፡ ስለዚ ኣብ ኩሉ እቲ ጳውሎስ ዝኸዶ ይኸይድ ነበረ። ልኡኽ ኮይኑ

(1ናብ ቆረንቶስን ተሰሎንቄን ከደ፡ ኣብ ኤፌሶን ከኣ ወኪል ሃዋርያ ጳውሎስ ኮይኑ ኣገልገለ ቆረ.4፡19 ። 1ተሰ.3፡1-8 ። 1ጢሞ.1፡3) ። ኣብ ገሊኤን መልእኽታት ጳውሎስውን፡ ጢሞቴዎስ ከም ናይ

ሓባር ጸሓፊ ኾይኑ ተጠቒሱ ኣሎ (2ቆረ.1፡1 ። ፊል.1፡1 ። 1ተሰ.1፡1 ። 2ተሰ.1፡1) ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ክልተ መልእኽታት ከም ዝጸሓፈሉ ንርኢ (1ጢሞ. ። 2ጢሞ.) ። ጢሞቴዎስ ሓደ ጊዜ

ተኣሲሩ ኸም ዝነበረውን ነንብብ (እብ.13፡23)። ቀዳመይቲ መልእኽቲጢሞቴዎስ፤

• ጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን ከሎ፡ ጳውሎስ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ጸሓፈሉ። እታ መልእኽቲ ብ63ዓ.ም. ኣቢላ ተጻሕፈት። ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን ኪመጽእ ተስፋ ነበሮ፡ እንተኾነ ግና ስለ

ዝደንጐየ ንጢሞቴዎስ ምእንቲ ኼብራትዕን ብዛዕባ ጉዳያት ማሕበር ምእንቲ ኺመኽሮን ነታ መልእኽቲ ይጽሕፈሉ (1ጢሞ.3፡7 ፤ 3፡14-15 ፤ 4፡13) ።

ክፍልታት ቀዳመይቲ መልእክቲ ጢሞቴዎስ፤

• ብዛዕባ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን (1ጢሞ.1)።• ብዛዕባ ስርዓትን ምምሕዳር ማሕበርን (1ጢሞ.2-5)።• ቃል ምኽርን ትእዛዝን (1ጢሞ.6)።

ካልአይቲ መልእኽቲጢሞቴዎስ• እዛ መልእኽቲ እዚኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ ዝጸሓፋ ናይ ስንብታ

መልእኽቲ እያ። ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ብ 64 ዓ.ም. ቁሩብ ወርሓት ቅድሚሙማቱ ዝጸሓፋ ይመስል። ሃዋርያ ጳውሎስ ተኣሲሩ ናብ ሮሜ ምስ ተወስደ፡ ክልተ ዓመት

ኣብ ሮሜ ተቐመጠ (ግብ.25፡127 27፡1 ፤ 28፡16-30) ። ክልተ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ዝቐረበ ይመስል፡ ቅድም ተፈትሔ፡ ካልኣይ ጊዜ ምስ ተታሕዘ ግና ፍርዲ

ሞት ተፈርዶ (2ጢሞ.4፡6-8፥16፥17) ። ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቱ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ፍርዱ ይገልጸሉ፡ ከምኡ ኸኣ ንማርቆስን ካልእ ዘድልዮ ነገራትን ተማሊኡ ቐልጢፉኺመጽእ ይጽሕፈሉ (2ጢሞ.4፡9-13) ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ ነቲ እተዋህቦ ሕድሪ ኺሕሉን ኣብቲ ኻብ ሃዋርያት እተማህሮ ትምህርቲ ኺጸንዕን የዘኻኽሮ (2ጢሞ.1፡6-14 ፤ 2፡1 ፤ 3፡13-17) ።

• ክፍልታት ካልአይቲ መልእኽቲጢሞቴዎስ፤

• ጳውሎስ ነቲ ዚፈትዎ ወዱ የተባብዖ (ጢሞ.1፡1-2፡13)።• ብዛዕባ ዕዮ ማሕበር ይመኽሮ (2ጢሞ.2፡14-26)።• ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ክፉእ ዘበን የጠንቅቖ (2ጢሞ.3)።• ወንጌል ንምስባኽ የተባብዖ፡ ብዛዕባ ሞቱ ኸኣ የዘኻኽሮ (2ጢሞ.4)።

ቲቶስ• ቲቶስ፡ ከምጢሞቴዎስ፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ወዱ እዩ። ስሙ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት

ኣይተጠቕሰን፡ እንተኾነ ግና ግሪኻዊ ኸም ዝነበረን፡ ከምኡ ኸኣ ጳውሎስን በርናባስን ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ኣይሁድን እተላዕለ ምፍልላይን ክትዕን ኣብ የሩሳሌም ምስ ደየቡ ምስኦም ከም ዝኸደን ተገሊጹ ኣሎ (ግብ.15፡1-2 ። ገላ.2፡1-3) ። ድሕሪዚ ኸኣ ቲቶስ ነቶም ድኻታት ዝነበሩ

ቅዱሳን ገንዘብ ኪዋጻእ ናብ ቆረንቶስ ተላኢኹ ከም ዝነበረ ንዝክር። ደሓርውን ኣብ ማሕበር ቆረንቶስ ዘጸግም ጉዳይ ስለ እተላዕለ፡ እሞ ጢሞቴዎስ ኣብኣ ምስ ተላእከ ስለ ዘይቀንዖ፡ ቲቶስ ናብ ቆረንቶስ

ከም እተላእከ ነንብብ (2ቆረ.7፡5-7 ፥ 13 ፥ 16 ። 1ቆረ.16፡1 ። 2ቆረ.8፡6 ፥ 16-24) ።• እቲ ብዛዕባ ቲቶስ እንፈልጦ ናይ መወዳእታ ዛንታ፡ ነታ ማሕበር ምእንቲ ኺሰርዕ ጳውሎስ ኣብ ቅሬጥስ

ከም ዝሓደጎ እዩ (ቲቶ.1፡5-6) ። ጳውሎስ ንቲቶስ ናብ ኒቆጶሊስ ኪኸይድ ነጊርዎ ነበረ፡ ምኻዱ ግና ኣይተፈልጠን። ኣብታ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፋ ናይ መወዳእታ መልእኽቱ፡

﷽ናብ ዳልማትያ ኸደ፡ (ይብል ቲቶ.3፡12 ። 2ጢሞ.4፡10)። መልእኽቲ ናብ ቲቶስ፤

• ብ 63ዓ.ም. ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቲ ናብጢሞቴዎስ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ናብ ቲቶስውን መልእኽቲ ጸሓፈ። ሽዑ ቲቶስ ናብ ቅሬጥስ ስለ ዝነበረ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ጉዳይ ምምሕዳር

ማሕበር ይመኽሮ።

ክፍልታት እታ መልእኽቲ፤

• ምምሕዳር እታ ኣብ ቅሬጥስ ዘላ ማሕበር (ቲቶ.1)።• ቲቶስ መራሒ ማሕበር ኮይኑ ጽቡቕ ኣርኣያ ኼርኢ ይንገር (ቲቶ.2)።• ቲቶስ ብጥንቃቐ ናይ እምነት ናብራ ኺምህር ይመዓድ (ቲቶ.3)።

ፊልሞን• ፊልሞን ኣብ ቆሎሴ ዝነበረ፡ ቃል ወንጌል ከኣ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሰምዔ

ሰብ ነበረ። ቤት ፊልሞን ስፍራ ኣኼባ ክርስትያናት ኮይና ነበረት (ፊሞ.2) ። ፊልሞን፡ ሓደ ኦነሲሞስ እተባህለ ባርያ ነበሮ፡ ጳውሎስ ከኣ ንኦነሲሞስ ምስ

ፊልሞን ኪዓርቆ ኢሉ ንፊልሞን ሓንቲ መልእኽቲ ጸሓፈሉ።

መልእኽቲ ናብ ፊልሞን፤

• ሃዋርያ ጳውሎስ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ኦነሲሞስ እተባህለ ባርያ ካብ ጎይታኡ ኣምሊጡ ናብ ሮሜ ምስ ሃደመ ምስ ጳውሎስ ተራኸበ እሞ፡ ቃል ወንጌል

ሰሚዑ ብክርስቶስ ኣመነ። ኦነሲሞስ ብኣገልግሎቱ ንጳውሎስ ጠቒምዎ ነበረ፡ እቲ ሃዋርያ ግና ናብ ጎይታኡ ኪምለስ ይግባእ ብማለት ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብ ፊልሞን ጽሒፉ ምስ ኦነሲሞስ ለኣኻ። ፊልሞን ብጸዓት ጳውሎስ ናብ

ክርስትና ዝኣተወ ይመስል፡ እቲ ሃዋርያ ኸኣ ነዚ ነገር እዚ እናኣዘኻኸረ ብዛዕባ ኦነሲሞስ ኣጸቢቑ ይልምኖ። ኦነሲሞስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ በቲ እታ

መልእኽቲ ናብ ሰብ ቆሎሴ እተላእከት ጊዜ ሒዝዋ ስለ እተመልሶ (ቆሎ.4፡8-9) ፡ መልእኽቲ ፊልሞን ብ 62 ዓ.ም. ኣቢላ እተጻሕፈት ትመስል።

መልእኽቲ ናብ እብራውያን• እዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብቶም ኣብ ሓደ ቦታ ዝርከቡ ዝነበሩ እብራውያን (ኣይሁድ)

እተጻሕፈት መልእኽቲ እያ። ካብ ቀደም ጀሚሮም ከኣ ብዙሓት ሊቃውንቲ፡ ጳውሎስ ዝጸሓፋ ከም ዝኾነት ብምእማን፡ መልእኽቲ﷽ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ዚብል ኣርእስቲ ሂቦምዋ ኣለው። እታመልእኽቲ ግና ስም ጳውሎስ ኣይትጠቅስን እያ። እቲ ኣገላልጻ ሓሳባ ካብ ኣገላልጻ ጳውሎስ ፍልይ ዝበለ

እዩ። በዚምኽንያት እዚ ኸኣ ገሊኦምመምህራን፤ በርናባስ ወይ ኣጵሎስ ወይ ከኣ ቅሌምንጦስ እዮም﷽

ጽሒፎምዋ፡ ይብሉ። ካልኦት መምህራን ግና፡ ጳውሎስ ናይ ኣይሁድ ሊቅ ስለ ዝነበረ(ገላ.1፡14) ፡ ነዛ መልእኽቲ ፍልይ ብዝበለ ኣገላልጻ ንኣይሁድ ከም ዝጸሓፋ ይብሉ።

መልእኽቲ እብራውያን ቅድሚ 70 ዓ.ም. ፡ በቲ ሮማውያን ንቤት መቕደስ የሩሳሌም ዘፍረሱሉ ዓመት ተጻሕፈት (እብ.13፡10-11)።

ክፍልታት መልእኽቲ እብራውያን፤

• ካብሙሴን ካብ ቃሉን፡ ቃል ክርስቶስ ይበልጽ (እብ.1-4)።• ካብ ኣሮንን ክህነቱን፡ ክህነት ክርስቶስ ይበልጽ (እብ.5-7)።• ካብ ብሉይ ኪዳን፡ እቲ ክርስቶስ ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን ይሓይሽ (እብ.8-10)።• መዓርግ ኣመንትን ንብረቶምን (እብ.11-13)።

መልእኽቲ ያእቆብ• እዛ መልእኽቲ እዚኣ ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ጎይታ እተባህሉ ጸሓፋ።

ያእቆብ ነዛ መልእኽትñ እዚኣ፡ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ሕጂ ግና ክርስትና እተቐበሉ ኣይሁድ ጸሓፋ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መከራ

ወደቑ፡ ኣብታ ማሕበሮም ከኣ ፍሉይ ጌጋ ኣተወ። ስለዚ ያእቆብ ካብ መከራኦም ኬጸናንዖም፡ ከምኡ ኸኣ ካብ ጌጋኦም ኪእርሞም ነዛ መልእኽቲ

እዚኣ ይጽሕፈሎም። እቲ ቐንዲ ጌጋ፡ ገለ ኻብቶም እምነት ኣላትና እናበሉ ነታ እምነቶም ብግብሪ ዘይገልጹ ስለ ዝነበሩ እዩ። ያእቆብ ግና ሓደ ሰብ

ክርስትያን ምስ ኮነ ነታ እምነቱ ብግብሪ ኺገልጻ ከም ዚግብኦ ይምህር፡ ብዝተረፈ እታ እምነት ከንቱ ከም ዝኾነት ይገልጽ። ሰብ እምነት ምስ ግብሪ

ምስ እትህልዎ ከም ዚጸድቕ ደጋጊሙ ይጽሕፍ።

• ነቶም ኣብ መከራ ዘለው የጸናንዕ (ያእ.1)።• በብዓይነቱ ጌጋ ይእርም (ያእ.2-4)።• ትዕግስቲ ኺህልዎምን ጸሎት ኬዘውትሩን ይምዕድ (ያእ.5)።

ጴጥሮስ• ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት። ቅድም ስምኦን ይብሃል ነበረ፡ ደሓር ግና የሱስ ኬፋ ኢሉ

ሰመዮ። ኬፋ ብኣራማይስጢ ጴጥሮስ ከኣ ብግሪኽ፡ ከውሒ ማለት እዩ (ማር.3፡16 ። ዮሃ.1፡43) ። ጴጥሮስ ብዓል ቤት ሳይዳ እዩ፡ ብዙሕ ትምህርቲ ኸኣ ኣይነበሮን (ማር.14፡70 ። ዮሃ.1፡45 ።

ግብ.4፡13) ። ምስ ሓው እንድርያስ ዓሳ እናገፈፈ ኣብ ቅፍርናሆም ይነብር ነበረ፡ ብዓልቲ ቤት ከም ዝነበረቶውን ነንብብ (ማር.1፡29-30) ። ንመጀመርታ ጊዜኡ ምስ የሱስ ዘፋለጦ እንድርያስ ሓው እዩ

(ዮሃ.1፡41-43) ። ድሕሪኡ ኸኣ የሱስ ኣብ ክንዲ ዓሳ፡ ሰባት ምእንቲ ኺገፍፍ (ኬእምን) ጸውዖ(ማር.1፡16-17 ። ሉቃ.5፡1-11) ። ወዲ መዝሙር ምስ ኮነ ንሃዋርያነት ተጸውዔ (ማር.3፡13-16) ።

ኩሉ እቲ ሃዋርያት ዝገበርዎ ተግባር ገበረ። ብፍላይ ከኣ፡ የሱስ ንጓል ያኢሮስ ካብ ምውታን ኬተንስኣ ከሎን (ማር.5፡35-43) ፡ ኣብቲ ኸረን ክብሩ ኺገልጽ ከሎን (ማር.9፡2-8) ፡ ኣብ ጌተሰማኔ

ኺጽሊ ኸሎን (ማር.14፡32-43) ጴጥሮስ ምስ የሱስ ከም ዝነበረ ንርኢ። ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ብእግሩ እናኸደ ናብ የሱስ ኪመጽእ ሃቀነ፡ እንተኾነ ግና ብምኽንያት ጉድለት እምነቱ ኺጥሕል

ምስ ደለየ፡ የሱስ ኣድሓኖ (ማቴ.14፡28) ። የሱስ እቲ ክርስቶስ ( እቲ መሲህ) ከም ዝኾነ መስከረ፡ እንተኾነ ግና ኣብ መጀምርታ የሱስ ብሞቱ ገይሩ ንሰባት ከም ዜድሕን ኣይተረድኤን (ማቴ.16፡15-

23) ። መሲህ﷽ ተመልከት። ነቶም ንየሱስ ኪሕዙ ዚመጹ ሰባት ብሴፍ ገይሩ ኪከላኸሎም ጀመረ(ዮሃ.18፡10-11) ፡ ደሓር ግና ንየሱስ ሰለስተ ጊዜ ኸሓዶ (ማር.14፡66-72) ። ጴጥሮስ ብመዓልቲ

ትንሳኤ ናብ መቓብር ጎይታ ጎየየ (ዮሃ.20፡3-7) ፡ ድሕሪኡ ኸኣ የሱስ ተራእዮ (ሉቃ.24፡34) ። የሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ፤ ተፍቅረኒዶ ኢኻ﷽ እናበለ ? ሰለስተ ጊዜ ሓተቶ፡ ኣባጊዔይ ሓሉ፡﷽ ምስ በሎኸኣ፡ ብኸመይ ዝኣመሰለሞት ከምዚመውትሓበሮ

(ዮሃ.21፡1-23)።

ጴጥሮስ• ጴጥሮስ ድሕሪ ዕርገት የሱስ፡ መራሒ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኮነ (ግብ.1፡15-22) ። ብመዓልቲ

በዓል ሓምሳ ዓቢ ስብከት ሰበኸ (ግብ.2፡14-42) ። ምስ ዮሃንስ ኮይኑ ንሓደ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ኣሕወየ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ዋዕላ ተኸሰ፡ ተገርፈ ኸኣ (ግብ.3፡

1-4 ፥ 22 ፤ 5፡17-42) ። ሃናንያን ሰጲራን በቲ ጴጥሮስ እተዛረቦ ቓል ሞቱ (ግብ.5፡1-11) ። ሃዋርያ ኮይኑ ናብ ሰማርያ ኪኸይድ ተመርጸ፡ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ከኣ ቃል ወንጌል ሰበኸ

(ግብ.8፡14-25) ። ናብ ልዳን ዮጴን ኪኸይድ ከሎ፡ ሕሙማት ኣሕወየ (ግብ.9፡32-43) ። ኣብ ዮጴ ኸኣ ራእይ ረኣየ እሞ፡ ብትእዛዝ ጎይታ ናብ ቤት ቆርኔሌዎስ ከደ። ኣብኡ ወንጌል ስለ ዝሰበኸ ድማ ኣህዛብ ናብ ቤተ ክርስትያን ኪኣትው ኸኣሉ (ግብ.10) ። ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሰ ገሊኦም ተቓወምዎ፡ ጴጥሮስ ግና እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ኸም

ዝመርሖ ነገሮም፡ ስለዚ እታ ቤተ ክርስትያን ወንጌል ንኣህዛብውን ከም እተዋህበ ተረድኤት (ግብ.11፡1-18) ። ሄሮድስ ንጴጥሮስ ኣሰሮ፡ እቶም ኣመንቲ ስለ ዝጸለዩሉ ግና ብመልኣኽ እግዚኣብሄር ተፈትሔ (ግብ.12፡1-17) ። ናብ ኣንጾክያ ምስ ወረደ መጀመርታ

ምስ ኣህዛብ በልዔ፡ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ግና ኣግለሰ። ነቲ ምስ ኣህዛብ ዝነበሮ ርክብ ስለ ዘቋረጸ ጳውሎስ ከም ዝወቐሶ ነንብብ (ገላ.2፡11-16) ። ኣብ ዋዕላ የሩሳሌም ብዛዕባ

ኣህዛብ ንሓሳብ ጳውሎስ ደገፈ፡ ኩሎም ሰባት ብሓንቲ መገዲጥራይ ከም ዚድሕኑ ኸኣ መስከረ (ግብ.15፡7-11) ። ክልተ መልእኽታት ጸሓፈ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብዘበን

መንግስቲ ኔሮ ኣብ ከተማ ሮሜ ተሰቒሉ ኸም ዝሞተ ይዝንቶ።

ጴጥሮስ• ብጀካ እዚ ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ዛንታ፡ ጴጥሮስ ብፍጥረቱ ብርቱዕን ንፉዕን

ከም ዝነበረ ንዝክር። ህዉኽ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ተቐላጢፉ ብዘይ ምስትውዓል ስጉምቲ ይወስድ እሞ፡ እንሓንሳእ ኣብ ጌጋ ይወድቕ ነበረ። ጌጋኡ ምስ

ፈለጠ ግና ብጌጋኡ ተጣዕሰ (ሉቃ.5፡8-10 ። ማር.14፡72) ። ብምሉእ ልቡ ንክርስቶስ ምስዓብን ምሕጓስን ፈተወ (ዮሃ.21፡17) ። ሽሕ እኳ ከምቶ ሊቃውንቲ ኣይሁድ እንተ ዘይተማህረን፡ ከምኡ ውን ነቲ ብጳውሎስ ዚውሃብ ትምህርቲ ከቢድ ምዃኑ እንተ መስከረን፡ ንወንጌል ብግሁድ ሰበኸ እሞ

(2ጴጥ.3፡16) ፡ ብዙሓት ሰባት ኣእመነ። ጴጥሮስ ናይቶም ሃዋርያት መራሒ ኸም ዝነበረ ግሉጽ እዩ፡ ካብቶም ካልኦት ሃዋርያት ዝበለጸ ፍሉይ ስልጣን ከም እተዋህቦውን ነስተውዕ(ማቴ.16፡18-19) ። እዚ ስልጣን እዚ ኸኣ ማዕጾ

ወንጌል ንኣይሁድን ኣህዛብን ኪኸፍት ተዋህቦ። እዚ ፍሉይ ስልጣን እዚ ግና፡ ናብ ካልኦት ኪመሓላለፍ ከም ዚግባእ ኣብ ወንጌል ኣይተገልጸን።

ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ• ሃዋርያ ጴጥሮስ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ኣብ ጊዜ መከራን ስደትን ጸሓፋ። ነተን ኣብ 1ጴጥ.1-2 እተጠቕሳ

ኣውራጃታት ዚነብሩ ዚነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፍ ከሎ፡ ብግዜ መከራ ኺብርትዑን ከም ግቡእ እንተመላለሱ ነቲ እተዳለወሎም ክብረት ኪሕልውን ይመኽሮም። እቲ ኽብረቱ ርጉጽ ከም ዝኾነ እናገለጸ፡ ኪዕገሱ

የተባብዖም (1ጴጥ.1፡6-7 ፤ 3፡14-18 ፤ 4፡12-19 ፤ 5፡9-10) ። ነታ መልእክቱ ካብ ባቢሎን ከም ዝጸሓፋ ይገልጽ (1ጴጥ.5፡13) ። ባቢሎን ኪብል ከሎ ግና ሮሜ﷽ ማለቱ ኪኸውን 63 ይኽእል እዩ። ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ብ ዓ.ም. ኣቢላ ተጻሕፈት።

ክፍልታት ቀዳመይቲ መልእክቲ ጴጥሮስ፤

• ብዛዕባ እቲ እተዳለወልና ምድሓን (1ጴጥ.1፡1-12)።• ብዛዕባ እቲ እተጸዋዕናሉ ቅድስና (1ጴጥ.1፡13-2፡10)።• ብዛዕባ እቲ እተመደበልና ጽቡቕ ናብራን፡ ብዛዕባ እቲ ዝወርደና መከራን (1ጴጥ.2፡11-4፡19)።• ብዛዕባ እቲ ኽንገብሮ ዚግባኣና ማሕበራዊ ትግሃት (1ጴጥ.5፡1-11)።

ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ፤

• እዛ መልእኽቲ እዚኣ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ጥቓ ሞቱ ዝጸሓፋ እያ (2ጴጥ.1፡1 ፥ 12-15) ። ገለ ሰባት ስሉኽ ኢሎም ኣትዮም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ይምህሩ ስለ ዝነበሩ፡ ጴጥሮስ ነቶም ኣመንቲኼጠንቅቕ ነዛ ኻልአይቲ

(መልእኽቲ ጸሓፈ ይሁ.4 ። 2ጴጥ.1፡16-21 ፤ 2፡3) ። ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ብ 64 ዓ.ም. ኣቢላ ተጻሕፈት።

ክፍልታት ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ፤

• ብዛዕባ እቲ እተነግሮም ሓቅነት ወንጌል (2ጴጥ.1)።• ብዛዕባ ምትንሳእ ሓሰውቲ መምህራንን ትምህርቶምን (2ጴጥ.2)።• ብዛዕባ ምምጻእ ጎይታ (2ጴጥ.3)።

ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ• እዛ መልእኽቲ እዚኣ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ኤፌሶን ከሎ ብ 90 ዓ.ም. ኣቢሉ ዝጸሓፋ ትመስል።

ነተን ኣብ ኣውራጃ እስያ ዝነበራ ማሕበራት ካብቲ ሽዑ ዚልዓል ዝነበረ ትምህርቲ ስሕተት ምእንቲ ኼጠንቅቕን ኢሉ ነዛ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ይጽሕፍ (1ዮሃ.2፡18-27) ። እቶም ነብያት ሓሶት፤ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኣይመጸን፡ እናበሉ

(1ኣምላኽነት የሱስን ሰብኣውነቱን ክሓዱ ዮሃ.4፡1-6 ፤ 5፡1-12) ። ሓቢሮም ከኣ ፈላጣት(ግኖስቲክ) ኢና ብምባል ካብ እግዚኣብሄር ፍሉይ ፍልጠት ከም እተቐበሉን ብጀካኦም ከኣ

ሓቀኛታት ክርስትያን ዚብሃሉ ኸም ዘየለው ኪሓስቡ ጀመሩ። እቲ ሃዋርያ ግና መመሊሱ ንፈልጥ ኢና﷽ እናበለን ነቲ ንክርስትያናት እተዋህበ

(1ፍልጠት እናኣረጋገጸን ነቲ ትምህርቶም ይቃወም ዮሃ.2፡20፥27 ፤ 4፡13-16 ፤ 5፡13-20) ። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ፤ እቲ ናይ﷽

መወዳእታ ፍልጠት ተገሊጹልና ኣሎ፡ ብዘይ ሕጊ ኽንነብር ከኣ ንኽእል ኢና፡ ይብሉ ነበሩ። 1. ሃዋርያ ዮሃንስ ግና፤ ትእዛዝ ጎይታ ምሕላው ኣድላዪ እዩ (1ዮሃ.1፡5-2፡6 ፤ 3፡1-10) ፡ 2.

ንሓድሕድና ምፍቓር ዝበለጸ ምልክት ክርስትያን እዩ (1ዮሃ.2፡7-17 ፤ 3፡11-24 ፤ 4፡7-21) ። 3. ትምህርቲ ሃዋርያት ቀጥ ኣቢልኩም ሓዝዎ (1ዮሃ.2፡18-29 ፤ 4፡1-6 ፤ 5፡1-12) ፡ እናበለ ነቲ

ትምህርቶም ይቃወሞ። ስለዚ ዮሃንስ ካብቲ ነዞም ነብያት ሓሶት ንምቅዋም ዝጸሓፎ ጽሑፍ ኣብሊጹ፡ ብዛዕባ እታ ሰብ ኪነብረላ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝመደባ ህይወት ይምህር እሞ፡ እዛ

ናይ ዘልኣለም﷽ እተባህለት ባህ እተብል ህይወት፡ ምስ እግዚኣብሄር ብምሕባርን ብምንባርንጥራይ ከም እትርከብ ይሕብር።

ካልአይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ፤

• እዛ መልእኽቲ እዚኣውን ከምታ ቐዳመይቲ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ብ 90 ዓ.ም. ኣቢሉ ኣብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ ትመስል። ዮሃንስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብ ሓንቲ ኣማኒት

ይጽሕፋ እሞ ኣብኣውን ካብ ትምህርቲ እቶም ኣብታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ዝጠቐሶም መስሓትቲ ማለት ጸረ ክርስቶስ ምጥንቃቕ ከም ዜድሊ ይነግር።

ሳልሰይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ፤

• እዛ መልእኽቲ እዚኣውን ከምተን ክልተ ቕድሚኣ እተጻሕፋ መልእኽታት ዮሃንስ ብ 90 ዓ.ም. ኣቢላ ኣብ ኤፌሶን እተጻሕፈት ትመስል። ዮሃንስ ኣብዛ

ሳልሰይቲ መልእኽቱ ንሓደ ጋይዮስ እተባህለ ኣማኒ ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ ዚነበረ ናይ ምቕባል ጋሻ ተግባሩ የመስግኖ። ከምኡ ኸኣ ብዛዕባ ህይወት

ማሕበር፡ ነቲ ሰናይ እምበር ነቲ እኩይ ከይቃጸጾ እናኣተባብዔ ሰላምታኡይሰደሉ።

መልእኽቲ ይሁዳ

• ይሁዳ፡ ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ጎይታ﷽ (ተባሂሎም ዘለው እዩ ማቴ.13፡55) ። እታ መልእኽቲ ናበይ ከም እተላእከት

እኳ ዘይንፈልጥ እንተ ኾንና ናብ ኣመንቲ ከም እተላእከትስ ፍሉጥ እዩ(ይሁ.1) ። ከምቲ ጴጥሮስ ኣብታ ኻልአይቲ መልእኽቱ ጽሒፍዎ ዘሎ፡

ይሁዳውን ካብቶም ሓሶት ዚምህሩ ሰባት ኬጥንቅቕ መልእኽቱ ጸሓፈ። ኣብታ መልእኽቱ ብዛዕባ ካልእ ነገርውን ኪጽሕፍ ሓሲቡ ኸም ዝነበረ ንርኢ

(ይሁ.3) ። እንተኾነ ግን ናይቶም ሰባት ጣልቃ ምእታው ስለ እተረድኤ፡ ኻብኣቶም ተጠንቀቑ﷽ ኢሉ ይጽሕፍ

(ይሁ.5-23) ። ይሁዳ ኺጽሕፍ ከሎ ን 2ጴጥ.2 መሰረት ገይሩ ኸም ዝጸሓፈ ስለ ዚመስል፡ እቲ መልእኽቱ ዝጸሓፈሉ ጊዜ ድሕሪ 64 ዓ.ም.

ኣቢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይሁዳ ንመጽሓፍ ሄኖክ ጠቒሱ ጽሒፉ ኣሎ(ይሁ.14-15)።

ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን• ክርስትና ኣብ ኤፌሶን ብጸዓት ጵርስኪላን ኣኪላስን ኣተወ (ግብ.18፡18-19) ። ድሕሪኡ ኸኣ ሃዋርያ

ኣውሎስ ናብ ኤፌሶን ከም ዝመጸን ንሰለስተ ዓመት ዚኣክል እናመሃረ ኸኣ ንብዙሓት ናብ ክርስቶስ ከም ዝመለሰን ንፈልጥ ኢና (ግብ.19፡23-27 ፤ 20፡17-35) ። ስለዚ እታ ቤ.ክ. በቲ እዋን እቲ

እተመስረተት ትመስል። ድሕሪኡውን ጢሞቴዎስ ናብ ኤፌሶን ተላኢኹ ኸም ዝነበረ ነንብብ(1ጢሞ.1፡3-4) ። እንተኾነ ግና እቲ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ቤ.ክ. ኤፌሶን እንሰምዖ ነገር ኣዝዩ

ዜሕዝን እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዝነበራ ሾብዓተ ማሕበራት መልእኽቲ ኺሰደለን ከሎ፡ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቲ ናብ ማሕበር ኤፌሶን ይልእካ እሞ፤ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ

ኢኻ፡ (እናበለ ናይመንፈስ ቅዱስ ነቐፍ የመሓላልፍ ራእ.2፡4-5)። ኤፌሶን፤

• ኣብ ዘበን ሓ.ኪ. ኤፌሶን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ሮሜ ኾይና ኣብ ኣውራጃ እስያ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤጄያ ዝነበረት ወደብ እያ። እታ ዓዲ ሎሚ ኣብቲ ሃገር ቱርኪ ዚብሃል ክፍሊ

ትርከብ ኣላ፡ ስም እታ ወደብ ከኣ ያሶሎክ ተባሂሉ ኣሎ። ኤፌሶን 360 ሽሕ ዚኣኽሉ ተቐማጦ ዝነበርዋ ከም እስክንድርያን ከም ኣንጾክያን ዓባይ ከተማ ንግድ ዝኾነት መደበር ነበረት። ኣብ

ከተማ ኤፌሶን ሰላሳ ሽሕ መናብር ዚሕዝ ገፊሕ ስፍራ መዘናግዒ (ስታድዩም) ተሃኒጹ ኸም ዝነበረ ንዝክር። ከምኡ ኸኣ ኣርጤምስ ንእትብሃል ኣምላኽ፡ ሓደ ዓቢ መቕደስ ተሃኒጽዋ ነበረ (ግብ.19፡

24-29) ። ሎሚ ግና ነታ ናይ ቀደም ኤፌሶን ሑጻ ባሕሪ ስለ ዝደፈና ኣብኣ ዚቕመጥ ሰብ የልቦን፡ እዛ ሎሚ ተኪኣታ ዘላ ኸተማ 12 ኪ.ሜ. ካብ ገምገም ባሕሪ ፍንትት ኢላ እያ እትርከብ።

4. ናይ ትንቢት (ራእይ) ክፍሊ ራብዓይ ናይ ሓዱሽ ኪዳንመጽሓፍ ናይ ትንቢት ክፍሊ

ኮይኑ ንሱ ከኣ ራእይ የውሃንስ እዩ። ናይ ትንቢት ክፍሊ ዝተባሃለሉ ምኽንያት ኣብመጻኢ [Future] ብዛዕባ

ዝፍጸሙ ነገራት ስለ ዝዛረብ እዩ። ራእይ ማለት ኣፖካሊፕስ [Apocalypse] ካብ ዝብል

ናይ ግሪኽ ዝመጸ ቃል እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ የውሃንስ ኣብ ፍጥሞ ዝተባህለ ድሴት ብ96 ዓ. ም ናብተን ሸውዓተ (7) ኣብያተ ክርስትያን ዝጻሓፎ

መጽሃፍ እዩ።

ራእይ ዮሃንስ• ከምቲ ኣብ ራእ.1፡1 እነንብቦ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እግዚኣብሄር ንየሱስ ዝሃቦ፡ የሱስ ከኣ ብመልኣኹ ገይሩ ንሃዋርያ ዮሃንስ ዝገለጾ

ራእይ ከም ዝኾነት ንርኢ (ራእ.1፡1) ። ዮሃንስ ነቲ ራእይ፡ ነተን ኣብ ኣውራጃ እስያ ዝነበራ ሾብዓተ ማሕበራት የመሓላልፈለን (ራእ.1፡19) ። ኣቐዲሙ ንነፍስ ወከፍ ማሕበር መልእኽቲ ይጽሕፍ (ራእ.2፡3) ። ቀጺሉ ኸኣ ማሕተም እቲ መጽሓፍ ትንቢት በብሓደ ምስ

ተኸፍተ፡ ብዛዕባ ናብ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ፡ ናብቲ ዓቢ ፍርድን፡ ናብታ ሓዳስ የሩሳሌምን፡ ናብቲ ሓድሽ ሰማይን ሓዳሽ ምድርን ይወስደና። ዮሃንስ ነቲ ዝረኣዮ ራእይ ምስ ኣረገ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ ኸሎ ብ 96 ዓ.ም. ኣቢሉ ጸሓፎ (ራእ.1፡9) ።

• ከምቲ ጎይታ፤ ንማሕበረይ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን፡ (ዝበሎ ማቴ.16፡18) ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ድያብሎስ ኣብ ኩሉ ዘበናት ንቤተ ክርስትያን ኬጥፍእ ብምሉእ ሓይሉ ኸም ዝጸዓረ ትገልጸልና። ኣብ መወዳእታ ግና ባዕሉ ድያብሎስ ደኣ እምበር ቤተ ክርስትያንሲ ኣይትጠፍእን እያ። ድያብሎስ ዚከኣሎ ኹሉ እኳ እንተ ገበረ፡ ቤተ ክርስትያን

ክትዕወት እያ። ራእይ ዮሃንስ ንጊዜ ስደት እትኸውን መጽሓፍ ተስፋ እያ።

• ከምቲ ኣብ ሓያሎ መሓፍቲ ሓ.ኪ. ዘሎ፡ ብዝበለጸ ኣብ ራእይ ዮሃንስ፡ ኩነታት መንግስቲ ሰማያት ብምሳሌ ዛንታ ብ.ኪ. ንምምርማርን ነቲ ምስጢር ንምግንዛብን፡ ነቲ ኣብ እግሪ ገጻት እታ መጽሓፍ ዘሎጥቕስታት ምንባብ ጠቓሚ እዩ። ከምኡ ኸኣ እቲ ኣብ ራእይ

ዮሃንስ ተጠቒሱ ዚርከብ ቁጽርታት፡ ምስጢር ኬመልክት እምበር ውሱን ኣሃዝ ኪገልጽ ኣይተጻሕፈን።( ቁጽሪ﷽ ﷽ ሽሕ ዓመት ) ተመልከት ። ንኣብነት፤ ዘበን፡ ዘበንን ፈረቓ

ዘበንን ( ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን) ዚብል ቁጽርታት፡ ኣርብዓን ክልተ ወርሒ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ተገሚቱ፡ ነቲ ብጊዜ ኤልያስ ዝነበረ ናይ ስደትን ጥሜትን ጊዜ፡ ከምኡውን ነቲ ናይ ክርስቶስን ኣዲኡን ናይ ስደት ጊዜ የዘኻኽረና። በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር

ኣብ ጊዜ መከራ ንህዝቡ ኸም ዚሕሉ ነስተውዕል (1ነገ.17፡1 ፤ 18፡1 ። ማቴ.2፡16-23 ። ያእ.5፡17 ። ራእ.11፡1-6 ፤ 12፡6-14 ፤ 13፡5) ። ክፍልታት ራእይ ዮሃንስ፤

ብዛዕባ እተን ኣብተን 7 ማሕበራት እተጻሕፋ መልእኽታት (ራእ.1-3)።• ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዚኸውን ነገራት፡ ቀዳማይ መግለጺ (ራእ.4-5)።• ብዛዕባ እቲ 7 ማሕተምን 7 መለኸትን (ራእ.6-12)።• ብዛዕባ እቲ ገበልን ኣራዊትን፡ ብዛዕባ እቲ ሓሳዊ ነብዪን (ራእ.12-13)።• ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዚኸውን ነገራት፡ ካልኣይ መግለጺ (ራእ.14)።• ብዛዕባ እተን 7 ጽዋኣት (ራእ.15-16)።• ብዛዕባ ምፍራስ ባቢሎን (ራእ.17-19)።• ብዛዕባ ኣቃውማ መንግስቲ ኣምላኽ (ራእ.20-22)።

5. ንመጽሓፍ ቅዱስ መን ጺሒፍዎ᎒ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር እተዛረቦም ቅዱሳን ሰባት ብመንፈስ ተመሪሖም

እዮም ጽሒፎሞ። 2 ጴጥ 1፥20-21 ። ካብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝጻሓፍዎ ሰባት ዝተፈላለየ ደረጃ ናብራን ዝተፈላለየ ደረጃ ትምህርትን ዝነበሮም ፤ ኣብ ኣዝዩ ዝተረሓሓቀ ዘመናትን ዝነብሩ ዝነበሩ እዮም። ኣብነት ናይ እዚኦም ምስ እንርኢ ፣- ጓሶት ( ዳዊትን ፤ኣሞጽን) ፤ ነገስታት ( ሰሎሙንን ፣ ዳዊትን) ፤ ካህናት ( ህዝቅኤልን ፤ እዝራን) ፣ መራሕቲ ( ሙሴን ፣ እያሱን) ፤ ገፈፍቲ ዓሳ

( የውሃንስን ፣ ጴጥሮስን) ፣ ሓኪም (ሉቃስ) ፤ ነብያት ( ሳሙኤል ፣ ኢሳይያስ ፤ ዳንኤል ወ.ዘ.ተ.) ። ብዝሖም ድማ ካብ ኣርባዓ ዘይውሕዱ እዮም ነይሮም።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ዕላማ ሓደ እዩ፤ ንሱ ከኣ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፣ ፉጡርን ዘሎ ርክብ ምግላጽ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ናይ እግዚኣብሄር ሕግን ስርዓትን ዘኽብሩ ኩሎም ኣብ መንገስተ ሰማያት ከም ዝነብሩ ምግላጽ

ማለት እዩ።ከምኡ ወን እቶም ናይ እግዚኣብሄር ሕጊ ዘይሓለዉ ሰባት ብጽሒቶም ገንም (ሲኦል) ምዃኑ ይገልጸልና።ኦ. ዘዳ 30፥15-20 ። መጽሓፍ

ቅዱስ ንወዲ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዋህበ ዓቢ ህያብ እዩ።

6. እግዚኣብሄር ብኸመይ ዝበለ ኣጋባብ ተዛረቦም᎒ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ቅዱስን ሰባት ፣ እግዚኣብሄር ብኸመይ ዝበለ መንገዲ

እዩ ተዛሪብዎም ንመፅሓፍ ቅዱስ ጽሒፎሞ᎒ ቃል ብቃል፡- ልክዕ ኣቦ ወይ ኣደ ንደቆም ደብዳቤ ከም ዝጽሕፉ ብመልክዕ

“ ” ደብዳቤ ነዘን ዝነገርኩኻ ቃላት ኩለን ኣብ መጽሓፍ ጽሓፈን ይብል እቲ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቃል ( ኤር 30፥1-3) ። ራእይ የውሃንስ ድማ

ብመልክዕ ደብዳቤ እዩ ናይቲ ዘመን ማሕበራት ተጻሒፉ ( ራእይ 1፥11)። ብምግላጽ፤- ምግላጽ ማለት እግዚኣብሄር ብመለኮታዊ ሓይሉን ባህሪኡን ንሰባት

ዝህቦም ፍልጠት መንፈሳዊ ነገር እዩ። ካብቲ ዝተገልጸሎም ድማ እግዚኣብሄር መን ምኻኑ ክጽሕፉ ኪኢሎም።

ብግልጺ ብምዝርራብ፤- እግዚኣብሄር ብግልጺ ምስሙሴ ይዛራረብ ከም ዝነበረ፣ “ እቲ ዝተዛረቦ ድማ ከምመጽሓፍ ከም ዝተጻሕፈ ነንብብ። ሰብ ምስ ፈታዊኡ ” ከም ዘራረብ፣እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ገጽ ንገጽ ይዛራረቦ ነበረ ዘጽ 33፥11።

እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍልይ ዘብሎ ቀንዲ ግና ፣ ኣብ በበይኑ ዘመንን ብዝተፈላለዩ ሰባትን ተጻሒፉ ክንሱ ፣ ኣብ ንሓድሕዶም ዝጋጮ ሓሳብ ዘይምህላዉ እዩ።

7. ትርጉም ቅዱሳት መጻሕፍቲ

እቲ ብቛንቛ እብራይሲጥ እተጻሕፈ ብሉይ ኪዳን ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ናብ ቛንቛ ግሪኽ ሰል እተተርጎመ፣ እቲ ትርጉም እቲ

“ሰብትዋጊንታ” ( ሰብዓ ሊቃውንቲ ዝተርጎምዎ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ከኣ ነዚ ትርጉም እዚ ንምእራም

ኮነ ከምኡ ኸኣ ሓዱሽ ናይ ግሪኽ ትርጉም ንምድላው ዝጻዓሩ ሊቃውንቲ እቶም ኣዝዮም እተፈልጡ ፣ ሲማኩስ ( ኣብ ካልኣይ

ክፍለ ዘመን) ፣ኣኩላ ( ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን) ፤ ቲዎድትዮን ( ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን) ፣ ልክያኑስ ( ኣብ ሳልሳይ ክፍለዘመን) ዝነበሩ እዮም።

ካብቲ ጥንታዊ ትርጉም ናይቶም ሰብዓ ሊቃውንቲ እተቀድሐ ቅዳሕ

ከምኡ ኸኣ ብሉይ ኪዳን ናብ ኣረማይስጢ ተተርጎመ እሞ፡ ገለ መብርሂ ተወሰኾ። ካብዚ ቅደሓት እዚ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝኾነ ትርጉም፡ ኑንክሉስን

ዮናታንን እተባህሉ ሊቃውንቲ ኣይሁድ ዝተርጎምዎ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያውን እቶም ብሓምሳይ ክፍለ ዘበን ዝመጹ ተሰዐቱ ቅዱሳን ( ተስዓ ቅዱሳን) ፡ ቅዱሳት

መጽሓፍቲ ናብ ቋንቋ ግእዝ ከም ዚትርጎም ገበሩ። ቅድሚኦም ግና ብትግሃት እኒ ኣባ ሰላማ ከሳተ ብርሃን ( ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘበን) ገለ መጽሓፍቲ ተተርጕሙ

ኸም ዝነበረ ይብሃል። ካብኡ ንነጀው ከኣ ኣብ ምትርጓም ቅዱሳት መጽሓፍቲ ብዙሕ ጻዕሪ ተገብረ። ኣብ ሃገር ግብጺ ኸኣ እቲ ቕዱሳት መጽሓፍቲ ናብ ቋንቋ ግብጽ ተተርጎመ፡ እዚ ቛንቋ እዚ ግና ኣብተን ክፍልታት ሃገር ግብጺ ቁሩብ ዚፈላለ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ትርጉም ሰለስተ ዓይነት እዩ። ኣብ ሃገር ሶርያውን ሓያሎ ትርጉም ናይ ቛንቋ ሱሪስት ተተርጕሙ ነበረ። ደሓር ግና ራቡላ ናይ ሮሃ

ኤጲስቆጶስን ( ሓምሳይ ክፍለ ዘበን) ፊልክዮስ ናይ መንበግ ኤጲስቆጶስን( ሓምሳይ ክፍለ ዘበን) ቶማስ ብዓል ሄራክልያን ( ሳብዓይ ክፍለ ዘበን) ነቲ

ትርጉም ከም ዚእረም ገበርዎ። ኣብ ኣርማንያ ድማ ቅዱስ ሚሰሮኘን ቅዱሳ ሳሃክን ( ካብ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ክፍለ ዘበን) ነቲ ቕዱሳት መጽሓፍቲ ናብ

ቛንቋ ኣርሜን ተርጎምዎ።

ትርጉም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ቅዱስ ሄሮኒመስ ከኣ ( ቅዱስ ጀሮም፡ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘበን) ብዙሕ ቅዳሓት

ትርጉም ቅዱሳት መጽሓፍቲ ብምምዕርራይ፡ ቢብልያ ቩልጋታ እተባህለ ናይሮማይስጢ (ላቲን) ትርጉም ኣዳለወ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓያሎ ትርጉም፡

ጥንታዊ ትርጉም ስለ ዝኮ � ነ፡ እዞም ሎሚ ዘለው ሊቃንውቲ ጻዕሮም ኣብኡ እናመስረቱ እተኣረመ ትርጉምመጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ይኽእሉ ኣለው። ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ

ኤውሮጳ ፡ ማርቲን ሉተር (1483-1546 ዓ.ም.) መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቛንቋ ጀርመን ተርጎመ። ኤራስሙስ ከኣ (1466-1536 ዓ.ም.) ሓድሽ ኪዳን ምስቲ ጥንታውያን

ጽሑፋት ኣሰማሚዑን ኣሪሙን ናብ ላቲን ተርጎሞ። ዊክሊፍን (1329-1384 ዓ.ም.) ቲንዴልን (1494-1536 ዓ.ም.) ድማ ናብ እንግሊዘኛ ተርጎሙ። ሎሚ ግና መጽሓፍ

ቅዱስ ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ተተርጕሙ ይዝርጋሕ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣምሓርኛ ፡ ኣባ ሮሚ ብዚብሃሉ ኢትዮጵያዊ ሊቅ ተተርጕሙ ካብ 1818-1840 ዓ.ም. ብማሕበር

መጽሓፍ ቅዱስ ተኣሪሙን ተሓቲሙን ወጸ። ካብኡ ንነጀው ከኣ በብግዚኡ እናተኣረመ ይሕተምን ይዝርጋሕን ኣሎ። ኣብ ትግርኛ ብ 1866 ዓ.ም. እተሓትመ ኣርባዕተ ወንጌል

ኣሎ፡ ግናኸ እዚ ትርጉም እዚ በሰዃኹዓ ቓላቱ ምኽንያት ኪዝውተር ኣይተኻእለን። ስለዚ ከም ብሓድሽ ተተርጕሙ ብ1900 ዓ.ም. ኣርባዕተ ወንጌል፡ ብ 1909 ዓ.ም. ሓድሽ ኪዳን፡ ብ 1957 ዓ.ም. ከኣ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቲሙ ተዘርግሔ።

ትርጉም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብቛንቋ ኦሮሚፋ ቀሺ ኦነሲሞስ ነሲብ ዝተርጎሞ ብ1893 ዓ.ም. ሓድሽ ኪዳን፡ ብ

1899 ዓ.ም. ከኣ ብሉይ ኪዳን ተሓትመ። ብቛንቋ ትግረ ኸኣ፡ ሓድሽ ኪዳን ብ1902 ዓ.ም. ተዘርግሔ፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብ 1988 ዓ.ም. ተሓቲሙ

ተዘርግሔ። ብቛንቋ ኩናማ ብ 1923 ዓ.ም. እተሓትመ ሓድሽ ኪዳን ግና የገልግልኣሎ።

8.1 መጽሓፍ ቕዱስ ብኸመይ ይንበብ “ ቃል እግዚኣብሄር ፈጺሙ ዘይስልችው ምግቢ እዩ። ስለ እዚ እዩ ኸኣ ቃልካ

እምብዛጡዑም እዩ ፤ ንኣፈይ ካብ ማዓር እምብዛ ይጥዕማ” ዝተባህለ። ትማሊ ካብ ዝተረዳእካዮ ምስጢር ተወሳኺ በብዕለቱ ሓድሽ ሚስጢር ትረኽበሉ። መጽሓፍ

ቅዱስ ንምንባብ ወይ ውን ቃል እግዚኣብሄር ንምስማዕ ብዉሕዱ እዞም ዝስዕቡ ነገራት የድልዩ።

1. ንጹህ ልቦና፡- ሓደ ሰብ ኣእምርኡ ካብ ዝተፈላለየ ነገራት ነጻ ገይሩ ብዝተረጋገአ ኩነታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብበሉን ቃል እግዚኣብሄር ዝስምዓሉን ባይታ

ከጣጥሕ ኣለዎ። ሚዛናዊ ዝኾነ ኣእምሮ ሒዙ ንሕቶታተይ መልሲ ክረኽበሎም እየ ፣ ’ ’ ማቃሚምኽሪ ክረኽበሉ እየ ኢሉ ክቐርብ ይግብኦ። ኣብ ዚ ግዜ እዚ ናይ ቲ ቃል በዓል

ቤት ዝኾነ እግዚኣብሄር ከም ናይ ልቡ ድልየት እቲ ዝደለዮ ይህቦ። መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ ወይ ቃሉ ዝሰምዕ ጌጋ ዘናዲ [ fault finder ] ክኸውን የብሉን።

ከምዚ ዝዓይነቱ ሰብ ብንጹህ ልቦና ስለ ዘይ ቀረበ እቲ ዘንብቦ ኣይርድኦን እዩ ፤ ናብ ’ ዘይ ጠቅም ዘረባን ክትዕን ድማ ይኣቱ። ስለ እዚ ዩ ድማ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ

’ “ ንጢሞቴዎስ ከም ዚ ብምባል መልእኽቲ ዝጻሓፈሉ ’ ናይ ዚ ትእዛዝ እዚ ዕላማ ግና ፣ እታ ካብ ንጹህ ልቢ ፥ ካብ ጽርይቲ ሕሊና ፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቅሪ እያ” 1

ጢሞ 1፥5 ።

8.2 መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይንበብ᎒ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ ሰብ ብኻላኣይ ደረጃ ክገብሮ ዝግብኦ እዚ

ዝስዕብ እዩ።

2. ፈሪሓ እግዚኣብሄር ( ብፍርሃት ኣምላኽ)፡- መጽሓፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሄር ቃል እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ቅዱስ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ብፍርሃት ኣምላኽ ከነንብቦ ይግባኣና። ቃል እግዚኣብሄር ከነንብብ ወይ እውን ክንሰምዕ ከለና ንፍርዲ ዘይኮነስ

ንጽድቂ መታን ክገብረልና ብድፍረት ዘይኮነስ ብትሕትና ክኸውን ኣለዎ።2 ይ ጴጥ 1፥20-21 ፤ ሉቃስ 24፥45። መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ወይ እውን ቃሉ ብስማዕ ጥራሕ ምስጢር

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምፍላጥ ወይ እውን ምርዳእ ኣይክኣልን እዩ። ንዝረቀቀ ዘግዝፍ ፡ ነቲ እተሰወረ እውን ዝገልጽ መንፈስ ቅዱስ ስለ

ዝኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ረድኤት የድለየና እዩ። ምስጥሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንምፍላጥ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ክንረክብ እንኽእል ፈሪሃ

(ፍርሃት) ኣምላኽ ምስ ዝህልወና እዩ።

8.3 መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይንበብ᎒ መምሃራን፡- መምሃራን ቃል እግዚኣብሄር ከም እንርድኦ ዝገብሩ ናይ

እግዚኣብሄር መሳርሒ እዮም። ብዘይ መምሃራን ንቃል እግዚኣብሄር ክንርድኦ ኮነ ከነስተውዕሎ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ምዕ. 8

ቁ. 26-38 ዘሎ ታሪኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዘይ መምህር ክርድኦ ከም ዘይ ንኽእል ብኑጹር ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ታሪኽ ብዛዕባ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስሉብ

እዩ ዝዛረብ፤ እቲ ስሉብ ኣብ እየሩሳሌም ሰጊዱ ናብ ዓዱ እናተመልሰ ኮሎ ፣ መንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያ ፊልጶስ ክስዕቦ ኣዘዞ። ሓውርያ ፊልጶስ ምስ

’ ኣርከቦ እቲ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ትንቢት ኢሳይያስ ይንብብ ነበረ፤ ኣብ ዚ ግዜ “ ’ ” እዚ ሓዋርያ ፊልጶስ ነቲ እተንብቦስ ተስተውዕሎ ዶ ኣሎኻ᎒ ኢሉ ሓተቶ

ግ/ ሃ 8፥30 “ ። እቲ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ዝመለሶ መልሲ ሓደ እኳ ዝምህረኒ ” ’ ዘይብለይ ከመይ ገይረ ከስተውዕሎ ዝብል ነበረ። ካብ ዚ እንርድኦ ሓደ

ሰብ ብዘይ መምሃራን ንመጽሓፍ ቅዱስ ከስተውዕሎ ኮነ ክርድኦ ከም ’ ዘይክእል እዩ። ስለ ዚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ነንብበሉ ግዜ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ምስጥሪ ምእንቲ ክንርድኦ መንፈሳውያን መምሃራን የድልዩና።

መቐጸልታ,,,,,,, ሓዋርያ ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ብዛዕባ እቲ ዘብቦ ዝነበረ ( ትንቢት

ኢሳይያስ ምዕ. 53) ብዕምቆት ምስ ገለጸሉ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኑ ተጠመቀ። ብዘይ ናይ ሓዋርያ ፊልጶስ ሓገዝ ናብ እምነት ኮነ ናብ ጥምቀት ኣይምበጸሐን ’ ነይሩ። ኣብ ዚ ዘለናዮ ግዜ ብዙሓት ነዚ ምስጥሪ እዚ ብዘይ ምርድኦም ዝጋገዩን

፤ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣትሓሳስባን ድልየትን ዝትርግሙዎ ብዙሓት እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ዝኾነ

ከም ዝሕዙ ገይርዎም እዩ። እዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብናይ ባዕልኻ ርድኢትን ሓሳብን ምትርጓም ሓሳብ ዘምጽኦ እቲ ብ1517 ዓ. ም ንካቶሊክ ተቓዊሙ ዝወጸ

ናይ ፕሮቴስታን [Protestant] መስራቲ ዝኾነ ማርቲን ሉተር [Martin Luther] እዩ። ማርቲን ሉተር ብ31 ጥቅምቲ 1517 ዓ. ም ንካቶሊክ ተቓዊሙ ክወጽእ ኮሎ ክሳብ 95 ዝበጽሑ ነጥብታ ሒዙ ወጸ። ካብቶም 95 “ነጥብታት ናይ ማርቲን All

people with faith in Christ were equal. People did not need priest and bishops to interpret the bible for them. They could read it themselves and make up their own minds.”

መቐጸልታ,,,,,,, “ ኩላቶም ሰባት ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ እምነት ማዕረ እዮም ፤

’ ስለ ዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ኮነ ንምትርጓም ሓገዝ ናይ ቐሽን ጳጳስን ኣየድልዮም እዩ፣ ነፍስ ወከፍ ከም ዝርድኦ ገይሩ ንመጽሓፍ ” ቅዱስ ክትርጉሞን ከንብቦን ይኽእል እዩ ። እዛ ሓሳብ እዚኣ

ንቡዙሓት ናብ ጌጋ መንገዲ መሪሓቶም እያ። ዝኾነ ኮይኑ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ብናይ ገዛእ ርእስና ኣትሓሳስባን ርድኢትን ክትርጉሞ

ከም ዘይንኽእ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ 2 ጴጥ 1፥20-21 “ ቅድሚኹሉ ፥ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢት ፥ ሓደ

ብናይ ርእሱ ኣተሓሳስባ ኪትርጕሞ ኸም ዘይክእል ፍለጡ። ከምይ ትንቢት፥ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ

” ዝተዛረብዎ እምበር ፥ ከቶ ብፍቃድ ሰብ መጺኡ ኣይፈልጥን ’ ብምባል የጠንቅቐና። ስለ ዚ ብድፍረት ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምትርጓም ምንባብን ክንቑጠብ ይግባኣና።

8.4 መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይንበብ᎒ ጸሎት፡-