12
መበል 23 ዓመት . 180 27 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 11 ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ ውድድራት ኤፍ ......... ገጽ 3 ሲንጋፖር - ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብ ቀዳማይ ዓለም ገጽ 8 ዝጠንተወ ክቡር እምኒ ተረኺቡ ገጽ 10 ህዛብን ባህልታቶም ገጽ 5 ዕድል ድዩ ? 2014 ሓሙስ ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ውዳቤታት ዘጽልል ሃገራዊ ሽማግለ ብምቛም ንተጻብኦታት ብንቕሓት እናመከቱ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ዓጸፋ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም። ኣብቲሓለፍቲኤርትራዊማሕበረ- ኮማት፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ህዝባዊ መኸተን ጉጅለታት ህግደፍን ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ንሰለስተ ዓመት እተገልግል ሽድሽተ ደቂ- ኣንስትዮ ዝርከብኦም 15 ዝኣባላታ ሽማግለ ከምእተመስረተት፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ተሳተፍቲ፡ ኣብ ሽወደን ዝነብር ኤርትራዊ ብኹሉ መዳዩ ጸላዊ፡ ከምኡውን ዋልታን ግምጃን ሃገሩ ንክኸውን ዛጊት ንዝተኻየደ ስራሕ ድሕሪ ምግምጋም፡ ሓደስቲ ወለዶታት ብዘይብተኽ ድልዱል ባህላውን መንነታውን ሰንሰለት ቀጻልነቶም ክረጋገጽ ምእንቲ፡ ኮማዊ መሳርዖም ክድልድል ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዚቦም። ሃገራዊ ሽማግለ፡ ንምዕቃብ ባህልን መንነትን፡ ውህደትን ምምልላእን ዘረጋግጽ ውዳበ ምስራዕን ምዂስኳስን፡ ንመሰል ኤርትራዊ ኮምን ዜጋታትን ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ንኤርትራዊ ውዳበታት ዘጽልል ሃገራዊ ሽማግለ ኣቚሞም ምጥባቕ፡ ቊጠባውን ሞያውን ኣበርክቶ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ምዕባይ፡ ምሕዝነትን ሽርክነትን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ሽወደንን ምሕያል፡ኣዕሩኽ ዝኾኑ ኣገደስቲ ውልቀ- ሰባት፡ውድባትን ትካላትን ምስሳን፡ ብቐንዱ ድማ ኣንጻር ኤርትራ ንዝቐንዐ ተጻብኦ ምምካን ኣብ ዝብል መትከላት መሰረት ዝገበረ ውዳበ ኮይኑ፡ንምዕዋቱ ኩለንትናዊ ምቅርራብ ተጌሩ ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ጋሽ - ባርካ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ፕሮጀክታት ትሕተ - ቅርጺ ብጽፈትን ብቕዓትን ክትግበሩ ምእንቲ፡ ሞያዊ ብቕዓትን ዓቕምን ክኢላታት ንምብራኽ ልዑል ጻዕሪ ክካየድ ምዃኑ፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ - ባርካ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ኣቶ ሙሴ ምስግና ሓቢሩ። ኣብ ዞባ ተዋፊሮም ምስ ዝርከቡ ሰብ - ሞያ ህንጻን ትሕተ - ቅርጻዊ ስርሓትን ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣቶ ሙሴ፡ እቶም ሞያውያን ኣብ ምክትታልን ምስራሕን ፕሮጀክታት ኣባይቲ፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ፕሮጀክታት ቀረብ ማይ፡ ቅየሳ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን፡ ሽንሸና መሬትን ካልእን ዘካይድዎ ዘለዉ ስርሓት፡ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸትን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ልዑል ተራ ስለዘለዎ፡ ንዝለዓለ ብቕዓትን ጽፈት ስራሕን መምስ ሞያኦም ዝኸይድ ስልጠናታት ክውደብ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣቶ ሙሴ ኣስዒቡ፡ ዝሓየለን ዝጸፈፈን ስርሓት ንምስልሳል፡ ምስ ቅርጽን ስፍሓትን ዞባ ጋሽ - ባርካ ዝሳነ ውሽጣዊ ኣወዳድባ ንምክያድ ይስራሓሉ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ዞባ ጋሽ - ባርካ፡ ትሕተ - ቅርጻዊ ስርዓት ንምድንፋዕ ጻዕርታት ክግበር እቶም ሞያውያን ብቕዓቶም ንምድንፋዕ ሓድሕዳዊ ተመኲሮ እናተለዋወጡ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ። እቶም ሞያውያን ብወገኖም፡ በብግዜኡ ዘካይድዎ ስርሓት ንምግምጋምን ሕድሕዳዊ ተመኲሮ ንምቕሳምን ስሩዕ ርክባት ክካየድ፡ ህንጻዊ ስርሓት ብግቡእ ንምክትታልን ቊጽጽር ንምክያድን ስሉጥ ቀረብ መጓዓዝያ ክማላእ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ - ባርካ ስርዓተ ቀረብ ማይ ተዘርጊሑለን ከብቅዕ ዛጊት ኣገልግሎት ማይ ዘይረኸባ ዓድታት ኣቓልቦ ክግበረለን ከምኡ ውን ንኣባላት ምትብባዕ ክግበር ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ኣቕሪቦም። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ዞባ ጋሽ - ባርካ ኣቶ ሙሴ ምስግና ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዞባ ኣብ መስርሕ ትግባረ ዝርከቡን ኣብ ዓመተ 2014 ዝበጋገሱን ብዙሓት ህንጻዊ ፕሮጀክታት ስለዘለዉ፡ ነቶም ፕሮጀክታት ብኣድማዕነትን ስሉጥነትን ንምስልሳል ሞያውያን ብተወፋይነት ክነጥፉ ኣዘኻኺሩ። ጎዳእቲ ልምድታት ብሓፈሻ ምኽንሻብ ደቂ - ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምውጋድ፡ ተራን ኣብርክቶን ሕብረተ - ሰብ ክዓዝዝ ከምዝግባእ፡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ጊንዳዕ ኣቶ ከሰተ ካሕሳይ፡ ምስ ኣማሓደርቲ ከባቢ፡ ሓለፍቲ ጨናፍርን ሰብ ሞያ - ጥዕናን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣዘኻኺሩ። ኣቶ ከሰተ፡ ምኽንሻብ ደቂ - ኣንስትዮ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ሳዕቤን ዘለዎ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ጎስጓሳት ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ጊንዳዕ፡ ጎዳእቲ ልምድታት ኣብ ምውጋድ ተራ ሕብረተ - ሰብ ክዓዝዝ መዘኻኻሪ ቀሪቡ ብምምልካት፡ ሕብረተ - ሰብ ብሓፈሻ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ድማ ብፍላይ ንሓደገኛ ሳዕቤናቱ ተገንዚቦም ኣብ ምውጋዱ ኣበርክቶኦም ከዛይዱ ተላብዩ። ኣብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ጊንዳዕ ኣባል ጎስጓስን ሓበሬታን ወይዘሮ ጅምዓ ኣድም ብወገና፡ ነቲ ኣሰቃቒን ዘይሕጋውን ጎዳኢ ልምድታት ንምግታእ በብግዜኡ ዝወሃብ ኣስተምህሮታትን ጎስጓሳትን ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምብራኽን ናይ ባህሪ ለውጢ ኣብ ምምጻእን ኣዝዩ ሓጋዚ ኮይኑ ምህላዉ ብምዝካር፡ ንምዕባለ ደቂ - ኣንስትዮ ዝዕንቅጹ ልምድታት ንምእላይ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳት ብዝሓየለ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢራ። ኣብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ጊንዳዕ ሓላፊ ክፍሊ መወልዳን ነርስ ዮሴፍ ኢሳቕ ብግደኡ፡ ምኽንሻብ ደቂ - ኣንስትዮ ዘስዕቦ ጥዕናውን ማሕበረ - ቊጠባውን ሃስያታት ቀሊል ከምዘይኮነ ብሰፊሕ ድሕሪ ምብራህ፡ ምውጋድ ናይ ጎዳኢ ልምዲ ይጽናሓለይ ዘይበሃሎ ዕማም ብምዃኑ፡ ኩሉ ዜጋ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ተማሕጺኑ።

TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

  • Upload
    others

  • View
    9

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

መበል 23 ዓመት ቁ. 180 27 ለካቲት ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

²Ãö 3

ገጽ 11

ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ ውድድራት ኤፍ.........

ገጽ 3

ሲንጋፖር - ካብ ሳልሳይ ዓለም

ናብ ቀዳማይ ዓለም

²Ãö 3

ገጽ 8

ዝጠንተወ ክቡር እምኒ ተረኺቡ

ገጽ 10

ኣህዛብን ባህልታቶምን²Ãö 3

ገጽ 5

ዕድል ድዩ?

2014

ሓሙስ

ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን፡ንኹሉ ኤርትራዊ ውዳቤታት ዘጽልል ሃገራዊ ሽማግለ ብምቛም ንተጻብኦታት ብንቕሓት እናመከቱ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ዓጸፋ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።ኣብቲ ሓለፍቲ ኤርትራዊ ማሕበረ-

ኮማት፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ህዝባዊ መኸተን ጉጅለታት ህግደፍን ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ንሰለስተ ዓመት እተገልግል ሽድሽተ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 15 ዝኣባላታ ሽማግለ ከምእተመስረተት፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።ተሳተፍቲ፡ ኣብ ሽወደን ዝነብር

ኤርትራዊ ብኹሉ መዳዩ ጸላዊ፡ ከምኡ’ውን ዋልታን ግምጃን ሃገሩ ንክኸውን ዛጊት ንዝተኻየደ ስራሕ ድሕሪ ምግምጋም፡ ሓደስቲ ወለዶታት ብዘይብተኽ ድልዱል ባህላውን መንነታውን ሰንሰለት ቀጻልነቶም ክረጋገጽ ምእንቲ፡ኮማዊ መሳርዖም ክድልድል ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዚቦም።ሃገራዊ ሽማግለ፡ ንምዕቃብ

ባህልን መንነትን፡ ውህደትን ምምልላእን ዘረጋግጽ ውዳበ ምስራዕን ምዂስኳስን፡ ንመሰል ኤርትራዊ ኮምን ዜጋታትን

ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ንኤርትራዊ ውዳበታት ዘጽልል ሃገራዊ ሽማግለ ኣቚሞም

ምጥባቕ፡ ቊጠባውን ሞያውን ኣበርክቶ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ምዕባይ፡ ምሕዝነትን ሽርክነትን

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ሽወደንን ምሕያል፡ኣዕሩኽ ዝኾኑ ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባት፡ውድባትን ትካላትን

ምስሳን፡ ብቐንዱ ድማ ኣንጻር ኤርትራ ንዝቐንዐ ተጻብኦ ምምካን ኣብ ዝብል መትከላት መሰረት

ዝገበረ ውዳበ ኮይኑ፡ንምዕዋቱ ኩለንትናዊ ምቅርራብ ተጌሩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ፕሮጀክታት ትሕተ-ቅርጺ ብጽፈትን ብቕዓትን ክትግበሩ ምእንቲ፡ ሞያዊ ብቕዓትን ዓቕምን ክኢላታት ንምብራኽ ልዑል ጻዕሪ ክካየድ ምዃኑ፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ኣቶ ሙሴ ምስግና ሓቢሩ።ኣብ’ቲ ዞባ ተዋፊሮም ምስ ዝርከቡ

ሰብ-ሞያ ህንጻን ትሕተ-ቅርጻዊ ስርሓትን ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣቶ ሙሴ፡ እቶም ሞያውያን ኣብ ምክትታልን ምስራሕን ፕሮጀክታት ኣባይቲ፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ፕሮጀክታት ቀረብ ማይ፡ ቅየሳ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን፡ ሽንሸና መሬትን ካልእን ዘካይድዎ ዘለዉ ስርሓት፡ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸትን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ልዑል ተራ ስለዘለዎ፡ ንዝለዓለ ብቕዓትን ጽፈት ስራሕን መምስ ሞያኦም ዝኸይድ ስልጠናታት ክውደብ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።ኣቶ ሙሴ ኣስዒቡ፡ ዝሓየለን ዝጸፈፈን

ስርሓት ንምስልሳል፡ ምስ ቅርጽን ስፍሓትን ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝሳነ ውሽጣዊ ኣወዳድባ ንምክያድ ይስራሓሉ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡

ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ትሕተ-ቅርጻዊ ስርዓት ንምድንፋዕ ጻዕርታት ክግበር’ዩእቶም ሞያውያን ብቕዓቶም ንምድንፋዕ ሓድሕዳዊ ተመኲሮ እናተለዋወጡ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።እቶም ሞያውያን ብወገኖም፡ በብግዜኡ

ዘካይድዎ ስርሓት ንምግምጋምን ሕድሕዳዊ ተመኲሮ ንምቕሳምን ስሩዕ ርክባት ክካየድ፡ ህንጻዊ ስርሓት ብግቡእ ንምክትታልን

ቊጽጽር ንምክያድን ስሉጥ ቀረብ መጓዓዝያ ክማላእ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ስርዓተ ቀረብ ማይ ተዘርጊሑለን ከብቅዕ ዛጊት ኣገልግሎት ማይ ዘይረኸባ ዓድታት ኣቓልቦ ክግበረለን ከምኡ’ውን ንኣባላት ምትብባዕ ክግበር ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ኣቕሪቦም።ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት

ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ሙሴ ምስግና ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ መስርሕ ትግባረ ዝርከቡን ኣብ ዓመተ 2014 ዝበጋገሱን ብዙሓት ህንጻዊ ፕሮጀክታት ስለዘለዉ፡ ነቶም ፕሮጀክታት ብኣድማዕነትን ስሉጥነትን ንምስልሳል ሞያውያን ብተወፋይነት ክነጥፉ ኣዘኻኺሩ።

ጎዳእቲ ልምድታት ብሓፈሻ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምውጋድ፡ ተራን ኣብርክቶን ሕብረተ-ሰብ ክዓዝዝ ከምዝግባእ፡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ጊንዳዕ ኣቶ ከሰተ ካሕሳይ፡ ምስ ኣማሓደርቲ ከባቢ፡ ሓለፍቲ ጨናፍርን ሰብ ሞያ-ጥዕናን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣዘኻኺሩ።ኣቶ ከሰተ፡ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ

ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ሳዕቤን ዘለዎ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ጎስጓሳት ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ

ጊንዳዕ፡ ጎዳእቲ ልምድታት ኣብ ምውጋድ ተራ ሕብረተ-ሰብ ክዓዝዝ መዘኻኻሪ ቀሪቡ

ብምምልካት፡ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ድማ ብፍላይ ንሓደገኛ ሳዕቤናቱ ተገንዚቦም ኣብ ምውጋዱ ኣበርክቶኦም ከዛይዱ ተላብዩ።ኣብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል

ጊንዳዕ ኣባል ጎስጓስን ሓበሬታን ወይዘሮ ጅምዓ ኣድም ብወገና፡ ነቲ ኣሰቃቒን ዘይሕጋውን ጎዳኢ ልምድታት ንምግታእ በብግዜኡ ዝወሃብ ኣስተምህሮታትን ጎስጓሳትን ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምብራኽን ናይ ባህሪ ለውጢ ኣብ ምምጻእን ኣዝዩ ሓጋዚ

ኮይኑ ምህላዉ ብምዝካር፡ ንምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕንቅጹ ልምድታት ንምእላይ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳት ብዝሓየለ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢራ።ኣብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል

ጊንዳዕ ሓላፊ ክፍሊ መወልዳን ነርስ ዮሴፍ ኢሳቕ ብግደኡ፡ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ዘስዕቦ ጥዕናውን ማሕበረ-ቊጠባውን ሃስያታት ቀሊል ከምዘይኮነ ብሰፊሕ ድሕሪ ምብራህ፡ ምውጋድ ናይ’ዚ ጎዳኢ ልምዲ’ዚ ይጽናሓለይ ዘይበሃሎ ዕማም ብምዃኑ፡ ኩሉ ዜጋ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ተማሕጺኑ።

Page 2: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

ሓዳስ ኤርትራ 27 ለካቲት 2014 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ኤደን ዘርእጋብርየውሃንስ ሃይለምስጋና ተዓገስ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ደንጎሎ ላዕላይን ታሕታይን ዝርከብ

ኣብ ጣዕረሺ - ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ ብልዕሊ ክልተ ሚልዮን ናቕፋ ዝተዋደደ በዓል ሰለስተ መዐደሊ ነቑጣታት ፕሮጀክት ማይ፡ ብ20 ለካቲት ተመሪቑ።ኣመሓዳሪ ጣዕርሺ ኣቶ ሙሴ እዮብ

ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ዓዶም ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ብዘይምንባሩ ከቢድ ጸገም ከምዝነበሮም ብምዝካር፡ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር ንምፍትሑ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ብምምስጋን፡ ቀጻልነቱ ምእንቲ ክወሓስ ህዝቢ ብጥንቃቐ ክግልገለሉን ክከናኸኖን ተላብዩ። “ማይ ህይወት’ዩ፡ ጥንቁቕ ኣጠቓቕማ

እንተ ስኢኑ ግና ሓደጋ የስዕብ” ዝበለ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣቶ ተስፉ ፍስሓጼን፡ እቲ ፕሮጀክት ከምቲ ንምውዳዱ ዝሓተቶ ከቢድ ጻዕሪ፡ ኣብ ኣተሓሕዝኡ’ውን ውሕሉል ምሕደራ ከምዘድልዮ ብምሕባር፡ ነበርቲ ነዚ ተረዲኦም ብሓላፍነት ክግልገሉሉ ተማሕጺኑ።ኣብ ምውዳድ’ቲ ፕሮጀክት ኣበርክቶ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ብመስኖኣዊ ኣገባብ ዘልምዕዎ ዘለዉ ጣፍ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ፡ ሓረስቶት ገሊጾም።ኣቶ ተወልደ ዘርአጋብርን ኣቶ

ተስፋልደት ባህልብን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ እቲ ብውሱን ዓቕሚ ክፍተን ዝጸንሐ ልምዓት ጣፍ ውጽኢታውነቱ ድሕሪ ምርግጋጹ ብዝሰፍሐ ክዘርእዎ ከምዝጀመሩን ምእኩት ምህርቲ ክሓፍሱ ዘለዎም ተስፋ ልዑል ምዃኑን ሓቢሮም።ንሳቶም ኣስዒቦም፡ ሕርሻኦም ከየስፍሑ

ቀንዲ ማሕንቖ ኮይንዎም ዘሎ ጉዳይ ኣኼድቲ ጣፍ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንምህርቶም ብትራክተራት ከኺድዎ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ኣደዳ ሃልኪ ጉልበትን ግዜን ይገብሮም ከምዘሎ ኣብሪሆም።ካብ ኣሃዱ ልምዓት ዘራእትን እንስሳን

ንኡስ ዞባ ሃይኮታ መንእሰይ ተሾመ መድሃኔ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ መስኖኣዊ ሕርሻ ንዝነጥፉ ሓረስቶት ሞያዊ ምኽሪ ከምዝልገሰሎም፡ ከምኡ’ውን ብመጠኑ ናይ

ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ኣብ ሽቱትጋርት - ጀርመን ካብ ዝርከብ ጨንፈሩ ንስንኩላን ዘገልግል ናውቲ ብሓገዝ ከምዝረኸበ፡ ኣቦ-መንበር’ቲ ማሕበር ኣቶ ገብረብርሃን እያሱ ሓቢሩ።ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቶ

ገብረብርሃን፡ እቲ ሓገዝ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ኣባላት’ቲ ማሕበር በብእዋኑ ክገብርዎ ዝጸንሑ ዝተፈላለየ ሓገዛት ኮይኑ፡ ሰፈይቲ ክዳን፡ ብሽግለታታት፡ መራዂስ፡ ዓረብያታትን ካልእ ንብረትን ከምዘጠቓልል ኣብሪሁ።ኣብ ሽቱትጋርት - ጀርመን

ዝርከብ ጨንፈር’ቲ ማሕበር ካብ ዝምስረት 16 ዓመቱ ኣቚጺሩ ምህላዉ ዝሓበረ ኣቶ ገብረብርሃን፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ደገፍ ንኤርትራዊ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ዝድርዕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ምድንፋዕ ንጥፈታት ማሕበር ልዑል ተራ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ በቶም ኣባላት ንዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ኣበርክቶ መጒሱ።ኣቦ-መንበር ማሕበር ሓርበኛታት

ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ኣብ ሽቱትጋርት ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሓገዝ ረኺቡ

ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ኣቶ ገብረብርሃን እያሱ ኣብ መወዳእታ፡ ኣቲ ዝተረኽበ ሓገዝ ከምቲ ልሙድ ኣብ ኩለን ዞባታት ናብ ዝርከባ ጨናፍር ማሕበር ተመቓሪሑ ከከም

ኣድላይነቱ ንስንኩላን ከምዝዕደል ብምሕባር፡ ካልኦት ዜጋታት’ውን ነዚ ናይ ሕልና ዕግበት ዝፈጥር ሰናይ ተግባር ክስዕብዎ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

ደንጎሎ፡ ሕሩም ሕዛእቲ ንምዕቃብ ዕቱብ ምክትታል ክግበር መዘኻኸሪ ቀሪቡዕሙር መበቈላዊ ኣግራብ ዝርከቦ ሕሩም ሕዛእቲ ዕቱብ ምክትታል

የድልዮ ከምዘሎ፡ ነበርቲን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣርባሕቲ ንህቢን ኣዘኻኺሮም።ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ

ሓበሬታ፡ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ብሓፈሻ ምምሕዳራት ከባቢ ደንጎሎ ላዕላይን ታሕታይን ድማ ብፍላይ ብዘለዎ ሃብቲ ገረብ ሰሓብነቱ ክብ እናበለ ከምዝመጸ፡ እንተኾነ ግን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሰብ ጥሪት ተጣጢሱ ይበርስ ስለዘሎ፡ መግትኢ ክግበረሉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።ንልዕሊ 18 ዓመታት ኣብ

ምርባሕ ኣናህብ ዝተዋፈሩ ኣቶ ሓድሽ ውህበትን ኣቶ እድሪስ ዓምርን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ካብ ህዝቢ ብዝተዋጽኡ ሓለዋ ኣግራብ ብግቡእ ክዕቀብ ስለዝጸንሐ፡ ሃብቲ ገረቡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝጸንሐ፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን ግን ብዘሰክፍ ደረጃ ብሰብ ጥሪት ስለዝተጣሕሰ ይበርስ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ብምትሕብባር ህዝብን ምምሕዳራትን ስጒምቲ ክውሰድ ጸዊዖም።ምዕቃብ ሕዛእቲ ብሓፈሻ

ሕሩም ሕዛእቲ ድማ ብፍላይ ውሁድ ሓባራዊ ጻዕሪ ከምዝሓትት ዝሓበረ ካብ ኣርባሕቲ ንህቢ መንእሰይ ዓብደላ ሳልሕ ብወገኑ፡ ኣገዳስነት ሕሩም ሕዛእቲ ልዑል ምዃኑ ብምምልካት፡ ግቡእ ሓለዋ ክግበረሉ ተላብዩ።

ጣዕረሺ፡ ፕሮጀክት ማይ ተመሪቑንዝገበረ ኢጣልያዊ ማሕበር ‘ባሹ’ ሚስተር ፓውሎ ፋራን ብግደኡ፡ ማሕበሮም ኣብ ዞባ ማእከል ካብ 2007 ጀሚሩ ክነጥፍ ከምዝጀመረ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ድማ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክት ማይ ናብ ዓድታት ንምትእትታው ምዃኑ ብምምልካት፡ ድሮ ሽዱሽተ ዓድታት ተጠቀምቲ ኮይነን ከምዘለዋ ኣብሪሁ። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን

መሬትን ዞባ ማእከል ኣቶ የማነ ኣባይ ብወገኑ፡ ህዝቢ ጣዕረሺ ረኺቦሞ ዘለው ዕድል መቐጸልታ ናይ’ቲ መንግስቲ ምዕሩይ ዝርግሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምርግጋጽ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነበርቲ ብውሕሉል ምሕደራ ቀጻልነቱ ከረጋግጹ ተላብዩ።ካብ ነበርቲ ጣዕረሺ ኣቶ ያሬድ

ዘርእጋብርን ወይዘሮ ግደይ መሓመድን፡ በቲ ዝተዋደደ ፕሮጀክት ጸገሞም ከምእተፈትሐ ብምጥቃስ፡ ብልዑል ክንክን ቀረብ ማዮም ከውሑሱ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

መድሃኒትን ድዂዕን ሓገዝ ከምዝግበረሎም፡ እዚ ድማ ኣብ እቶታውነቶም ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።ዝርግሐ ከም ጥረታት ዝኣመሰሉ

ከበሳዊ ኣዝርእቲ ንምስፋሕ ኣብ መጽናዕቲ ከምዝርከቡ ዝጠቐሰ መንእሰይ ተሾመ፡ ከም ጣፍ ዝኣመሰሉ ጽቡቕ ውጽኢት ዝተረኽቦም ናይ ከበሳ ኣዝርእቲ ብክረምታዊ ዝናብ ዝለምዑሉ መገዲታት ንምንዳይ ፈተነታት ክካየድ መደብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኣቶ

ኣረጋይ መብራህቱ ድማ፡ ጣፍ ዝተዘርኦ መሬት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 200 ሄክታር ዝነበረ ሎሚ ዓመት ናብ 400 ሄክታር ክብ ምህላዉ ብምሕባር፡ እዚ ድማ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢን ምርግጋእ ዕዳጋታትን ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ብቐሊል ስለዘይጥመት፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ካብኡ ዝሕተት ደገፋት ከምዝገብረሎም ኣረጋጊጹ።

ሃይኮታ፡ ዝለምዕ ዘሎ ጣፍ ጽቡቕ ከምዘሎ ሓረስቶት ገሊጾም

Page 3: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

ሓዳስ ኤርትራ 27 ለካቲት 2014 - ገጽ 3

ኢንጅ. ርስቶም በረኸት

ታሪኽ ሲንጋፖርን ቊጠባዊ ምዕባለ ጉጅለ ኣስያንን (1965-

2000)

መጽሓፍ “ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብ ቀዳማይ ዓለም” (from third world to first world) ብቐዳማይ ሚኒስተር ሲንጋፖር (1959-1990) ነበር ሊ ኩዋን

ዩ እያ ተጻሒፋ። ሲንጋፖር ከም ሃገር ክትቀውምን ናብዚ ሕጂ ዘላቶ ቊጠባዊ ምዕባለ ክትበጽሕን ብዛዕባ ዝሓለፈቶ መድረኻት ከኣ ተዘንቱ። ቊጠባዊ ምዕባለን ፖለቲካዊ ኣቃውማን ጉጅለ ኣስያን’ውን ትገልጽ’ያ። ሊ ኩዋን ዩ፡ ነታ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓቕድ ድኻን ብዓሌታዊ ግጭት ትሕመስን ዝነበረት ንእሽቶ ደሴት ግዝኣት እንግሊዝ፡ ናብ ሓንቲ ሃብታምን ዘመናዊትን ዓባይ ከተማ ዝቐየረ መራሒ’ዩ። ሊ ኩዋን ዩ ብ1954 “ፒፕልስ ኣክሽን ፓርት” ዝተባህለ ሰልፊ ብምምስራት ብ1959 ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ኣብ መበል 35 ዓመት ዕድመኡ ናይ ፈለማ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ኮይኑ ዝተመርጸ’ዩ። ንልዕሊ 30 ዓመት ከኣ ነታ ሃገር መሪሑ መስተንክራዊ ምዕባለ ኣጐናጺፉዋ። ገዛ ከመይ ገይርካ ከም ትሃንጽ፡ ሞቶር

ከመይ ገይርካ ከም ትጽግን፡ መጽሓፍ ከመይ ገይርካ ከምትጽሕፍ ዝምህሩ መጽሓፍቲ ኣለዉ። ይኹን’ምበር

ንሓንቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም ዝተሰደዱ ኣህዛብ ዝነብሩላ ሃገር ብኸመይ ከምትሃንጽ ዝምህር መጽሓፍ ኣይረኸብኩን። ብ1965 ኣብ መበል 42 ዕለተ ልደተይ መራሒ ናጻ ሲንጋፖር ኮይነ ናይ 2 ሚልዮን ህዝቢ ሓላፍነት ክስከም ትጽቢት ኣይነበረንን። ብ959 ኣብ መበል 35 ዓመተይ ቀዳማይ ሚኒስተር ርእሰ-ምምሕዳር ሲንጋፖር ኮይነ። ኣብ 1963 ብፈደረሽን ምስ ማለዥያ

ተጸንቢርና። ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ሲንጋፖርን መሰረታዊ ናይ ፖሊሲ ዘይምስምማዕ ነይሩ። ብሃንደበት ከኣ ብ 9 ነሓሰ 1965፡ ፈደረሽን ወሪዱ ናጻ ሃገር ክንከውን በቒዕና። እንተኾነ ህንጸት ሃገር “ሀ” ኢልና

ኣብ ዝፈለምናሉ ጸቢብ ናይ ምድሓን ተኽእሎ ዘለዎ ገዘፍቲ መሰናኽላት’ዩ ገጢሙና። ሲንጋፖር፡ ሰብ ዝሰርሓ’ምበር ባህርያዊት ሃገር ኣይኮነትን። መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ንግስነት ባሕሩ ከም ናይ ንግድ ነቑጣ ዘማዕበላ ቦታ’ያ። መዳውብቲ ዘይብላ ብማያት ዝተኸበት ከኣ መሬት’ያ።ሲንጋፖር፡ እቲ 100 ሚልዮን

ፓውንድ ስተርሊንግ ዝግመት መዓስከር እንግሊዝ ምስ ተዓጽወ ቊጠባኣ ክሩኽመሽ ምዃኑ’ዩ ተዘሪቡላ። እዚ ፍርሒ’ዚ ንዓይ’ውን ነይሩኒ’ዩ። ግና ኣይተዛረብኩሉን። እቲ ምንታይሲ፡ ሓላፍነተይ ንህዝቢ ሞራል ምስናቕ ደኣ’ምበር ተስፋ ምቑራጽ ኣይኮነን ነይሩ። እቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝመጸ ቀንዲ

ሕቶ፡ እንግሊዛውያን ኣብ ሲንጋፖር ዘሎ መዓስከር ክሳብ መዓስ’ዮም ከጽንሕዎ ዝብል’ዩ ነይሩ። እንግሊዛውያን፡ ምስ ዝነበሮም ዘቤታዊ ጸገም ነዊሕ ዝጸንሑ ኣይመስሉን ነይሮም። እታ እንኮ ኣብ ምብራቕ ኤስያ ርግኣትን ድሕነትን ከተውሕስ እትኽእል ዝነበረት ኣመሪካ’ውን፡ ኣብቲ ናይ ቀረባ መሓዙታ መንግስታት ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃን ኤስያን ዘይደገፍዎ ኲናት ቬትናም ተጸሚዳ ነበረት። እቲ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ብሕብረት ሶቬትን ቻይናን ኣንጻር ኣመሪካ ዝካየድ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ኣድማዒ’ዩ ነይሩ። ምስ’ዚ ብምትሕሓዝ ኣመሪካውያን፡ ንእንግሊዝ ክትክእዋ ማለት ንሲንጋፖር ፖለቲካዊ ዋጋ ዘኽፍላ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ዘይክውንነታዊ’ዩ ዝመስል ነይሩ። ኣብ ፈለማ ብዙሓት ዘሻቕሉ

ጉዳያት’ዮም ነይሮም። እቲ ቀዳማይ፡ ናጽነት ሲንጋፖር ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ምርካብን ኣባል ሕቡራት ሃገራት ምዃንን’ዩ ነይሩ። ኣብ መስከረም 1965፡ ክልተ ምኩራት ዲፕሎማሰኛታት ናብ ኒውዮርክ ብምምልኣኽ ኣብቲ ውድብ ዝተዋህበና መንበር ከምዝሕዙ ተገይሮም።ድሕሪኡ ዘሻቐለ ጉዳይ ምክልኻል እዛ

ንእሽቶ ሃገር’ዩ። ሰራዊት ኣይነበረናን። ክልተአን ቦጦሎኒታትና ኣብ ትሕቲ ማለዥያዊ ብርጋደር’የን ነይረን። ኣብ ሓጺር እዋን ሓይልታት ምክልኻል ምህናጽ ከኣ ከቢድ ብድሆ’ዩ ነይሩ። ዋላ’ውን ንእሽቶ ተኸላኻሊ ሰራዊት የገድሰና ነበረ። ንናጽነትና ዘይድግፉ ሕሉፋት ማለዥያውያን ናጽነትና ከይምንጥሉና ድማ ዓቢ ስግኣት ነይሩ።እቲ ካልእ ኣሻቓሊ ጉዳይ፡ ምኽባር

ሕግን ስርዓትን ነበረ። ፖሊስን ሰራዊትን ገና ኣብ ኢድ ማእከላይ መንግስቲ ማለዥያ’ዩ ነይሩ። ስለዚ ሓይልታት ምክልኻል ክንምስርት ወሲንና። ነዚ ዕማምዚ ከኣ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ጎህ ኬንግ ስዊ ወሲዱዎ።

እቲ ካብ ኩሉ ዝያዳ ዘሻቐለና ሕማም ርእሲ ግና ቊጠባ’ዩ። ህዝብና ብኸመይ ናብራኡ ይምራሕ? ምስ ኢንዶኔዥያ ዝነበረ ንግድ ደው ኢሉ’ዩ። ኣብቲ እንግሊዝ ከም ሓደ ኣሃዱ ወይ ኣካል ገይራ ተማሕድሮ ዝነበረት ዞባ በይንኻ ተነጺልካ ህላውነትካ ከተውሕስ ብኸመይ

ይከኣል? ነዞም ሕቶታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን መልሲ ክንረኽበሎም ነይሩና። ሽቕለት ኣልቦነት፡ ብዘሰክፍ ኲነት ይንህር ነይሩ። ልዕሊ 14 ሚእታዊት ከኣ በጺሑ። እዚ ንባዕሉ ኣሻቓሊ’ዩ። እቲ ካብ ኢንዶነዥያን ማለዥያን ዝኣቱ ዝነበረ ንመመስርሒ ዝኸውን ጥረ-ነገራት’ውን ደው በለ። ስለዚ ሓድሽ ቊጠባ ክንፈጥር ነይሩና - ቅድሚኡ ኣብ ካልእ ዓለም ዘይተፈተነ፡ ሓድሽ ኣገባብን ንድፍን ምፍታን ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ከም ሲንጋፖር ካልእ ሃገር የላን። እታ ንዓና እትመስል እንኮ ሃገር ሆንግኮንግ እያ። ንሳ ከኣ ገና ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ’ያ ነይራ። ብቚጠባዊ መዳይ’ውን ኣካል ቻይና’ያ። ነዚ ኩሉ ጸገማት ድሕሪ ምልላይ

ብዝነበሩና ውሱናት ኣማራጺታት ኣብ ደቡባዊ ኤስያ ሓንቲ ርእሳ ዝኸኣለት ናጻ ከተማ ክትህሉ ተራ ነገር ከምዘይኮነ ሓሲብና። ካብቲ ከባቢ በሊጽና ምእንቲ ክንነብር ዝተፈልየ ጻዕሪ ክንገብር ከምዘለና ተገንዚብና። ንነገራት ካብ ጎረባብትና ንላዕሊ ብዝበለጸን ብዝሓሰረን ዋጋ ክንሰርሖም ነይሩና። ምኽንያቱ ጎረባብትና ንሕና ሰሪሕናን ኣፍሪናን በሊጽናዮም ክንነብር ዘይኮነ ከም መተሓላለፊ ንግዲ ክገብራና’ዩ ድሌተን ነይሩ።እቲ ዝዓበየ ጸጋና፡ እምነትን ርእሰ-

ተኣማንነትን ህዝብና’ዩ። እዚ’ዩ ከኣ እንኮ ብግቡእ ክንጥቀመሉ ዝነበረና ሃብቲ። ነቲ ረኺብናዮ ዝነበርና ተኣማንነት ብብልሽዉ ምሕደራን ብልሽውናን ከይንብልሎ ጥንቁቓት ኢና ነይርና። ነቲ ዝነበረና ውሑድ ጸጋን ነቲ ኣብ ስትራተጂያዊ ቦታ ዝተደኮነ፡ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ዝነበሮ ናይ ዓለምና ቀዳማይ ደረጃ ማርሳን በቲ ዝለዓለ ንኽንጥቀመሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ሓይሊ የድልየኒ ነይሩ።እቲ ካልእ ዝበለጸ ጸጋና’ውን

ህርኩትና ህዝብና’ዩ። ክማሃርን ክፈልጥን ህንጡይነት ዘለዎ ህዝቢ’ዩ። ሽሕ’ኳ ኣብ ብዙሓት ዓሌታት ዝተመቓቐለ ይኹን፡

ቅኑዕን ሚዛናውን ፖሊሲ ብምኽታል ክሰጥም ከምዝኽእልን ብሰላም ክነብር ከምዘየጸግሞን እምነት ነይሩኒ - ብፍላይ ድማ፡ ነቶም ዝገጥሙና ዝነበሩ ከም ሽቕለት ኣልቦነት ዝኣመሰሉ ሽግራት ኣብ ክንዲ እቶም ውሑዳን ዓሌት ጥራይ ዝስከምዎ ኣብ ኩልና ከምእነዛንቖን

ሲንጋፖር - ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብ ቀዳማይ ዓለም

1ይ ክፋል

ከምእንካፈሎን እንተገይርና። ንሕብረተ-ሰብ ሲንጋፖር ቋንቋኡ፡ ባህሉን ሃይማኖቱን ዓቂብካ ብሓድነት ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ሓያል ተወዳዳሪ ምግባሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነበረ። ብኸመይ ናብዚ ዕዳጋ’ዚ ንኣቱ? እቲ መልሲ ብርግጽ ኣይፈልጦን ነይረ። ንእንግሊዝ ከነውጽኦም ዝሓተተና ኣካል ኣይነበረን። ነቲ ክልተ ሚልዮን ህዝብና ዝኸውን ድሕነትን መነባብሮን ከነውሕስ ሓላፍነት ነይሩና። ክንዕወት ድማ ኣለና። እንተ ዘይተዓዊትና እቲ ሓደ ዝነበረና ኣማራጺ ድሕነት፡ ንማለዥያ ብዝሰማማዕ መንገዲ ዳግማይ ምስኣ ምጽንባር’ዩ። እዚ ድማ ህዝብና ፍጹም ዘይድግፎ ዝነበረ’ዩ። ስለዚ ክድቅስ ኣይከኣልኩን። ዋላኳ ኣብ ኣርባዓታት ዝርከብ በጽሒ እንተነበርኩ፡ ሓደ ሓደ እዋን ብሰንኪ ጻዕቂ ስራሕን ሕጽረት ድቃስን ሓሚመ ዓራት ዝሓዝኩሉ እዋናት ነይሩ’ዩ።

ህንጸት ሰራዊት ካብ ባዶ

ኣብ ታሕሳስ 1965 ኣርባዕተ ወርሒ ድሕሪ ካብ ማለዥያ ምፍላይና፡ ባይቶ ክኽፈት ኣብ ዝቀራረበሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓላፊ ናይቲ ኣብ ሲንጋፖር ዓስኪሩ ዝነበረ ኣሃዱ ማለዥያ ብርጋዴር ጀነራል ሳዒድ መሓመድ ጸዊዑኒ። ናብ ባይቶ ክኸይድ ከለኹ ዓጀብቲ ሰብ ሞቶ ከሰንዩኒ ምዃኖም ከኣ ጸቒጡ ተዛሪቡኒ። ዝገብሮ ዝነበረ ምንቅስቓስ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኣብ ሲንጋፖር የምስሎ ነበረ። ኣብ ዝተደልየ እዋን ነታ ደሴት ክቆጻጸራ ድሉው ከምዝኾነ ድማ የርኢ።ነቲ ኩነታት መዚነዮ። መንግስቲ

ማለዥያ ገና ሓላፍነት ሲንጋፖር ከምዘለዎ፡ ንዲፕሎማሰኛታትን ንዓናን ከዘኻኽረና ከምዝደለየ ኣረጋጊጸ። ነቲ ጀነራል “ኣይተሰንዩኒን ኢኹም” እንተ ዝብሎ፡ ኣብ ኳላላምፑር (ርእሰ ከተማ ማለዥያ) ንዝነበሩ ኣሕሉቑ ምሓበረ። ንሶም’ውን ብግደኦም ኣብ ሲንጋፖር ናይ ብሓቂ ጽልዋ ከም ዘለዎም ንምርኣይ ተወሳኺ ስጉምቲ ክወስዱ

ምተሃንደዱ። ስለዚ ነቲ ሓሳብ ክቕበሎ ጥራይ እዩ ነይሩኒ። ካብ ቤት-ጽሕፈተይ ናብ ህንጻ ባይቶ ብማለዥያውያን ዓጀብቲ ተመሪሐ ከይደ።

ነማርያም ዮውሃንስሚኒስትሪ ሃገራዊ ልምዓት

Page 4: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

ሓዳስ ኤርትራ 27 ለካቲት 2014 - ገጽ 4

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

“ወይ ሓጺር ዛንታ!”ብሓፈሻዊ መግለጺ “ሓጺር

ዛንታ” መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ዛንታ ዝተሰረተ ሓጺር ናይ ኣነጋግራ ጥበብ እዩ። እዚ ኣብ 17 ክፍለ ዘመን ካብ ጽውጽዋያት ተበጊሱ ዝማዕበለ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ቅዲ ጽሑፍ፡ ንሓደ ንጽል ፍጻመ ወይ ኩነተ ህላወ ኣልዒሉ ከም መስታ ብልጭ ኢሉ ስእለ-ሓሳባት ዝፈጥር ዓይነት ኣጸሓሕፋ ምዃኑ እዮም ፈላጣት ናይ’ዚ ዓውዲ ዝነግሩ። ስለ’ዚ እዮም ድማ “flash fiction’ (መስታዊ ልብወለድ) ኢሎም ዝጽውዕዎ። “ሓጺር ዛንታ ከመይ ዝበለ እዩ?

ወይ ከመይ ክኸውን ኣለዎ?”

ዝብል ኣርእስቲ፡ ክሳብ ሕጂ መደምደምታ ክርከቦ ኣይተኻእለን ዘሎ። ምኽንያቱ ዘይጭበጥ ክፋል ናይ ጥበባት ስለ ዝዀነ። ስለ ዝዀነ ድማ ንኹሉ ዝጠምር ወይ ከኣ ኣድማሳዊ ዝዀነ፡ ብዝሒ ቃላት ወይ ገጻት ክድረተሉ ኣይተኻእለን። ብኻልእ ኣበሃህላ ብዓቐን ናይ ቃላት ወይ ገጻት ንሓጺር ዛንታ ካብ ካልኦት ዓይነታት ዛንታታት ክትፈልዮ ኣጸጋሚ እዩ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ “እቲ ዛንታ፡ በቶም ዝግብኡ ዓይነትን ብዝሕን ቃላት ተባሂሉዶ?” ዝብል መምዘኒ ዘድምዕ ይመስል። ገለ ካብቶም ዝውቱራት

መለክዒታ ሓጺር ዛንታ፡- ኣብ ሓደ ህሞት (setting) ክንበብ ዝከኣል። ኣብ ቀንዲ ነጥቢ ዘተኩር፡ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ቃላት ዘየባኽን ክኸውን ከም ዘልዎ እዮም ዘስምሩ። እንተ ዀነ ግን እዞም መለክዒታ እውን ኣብ ምትርጓሞም ኣጸገምቲ እዮም። ኣብ ሓደ ህሞት (one setting) ክበሃል ከሎ፡ ውጹእ መለክዒኡ እንታዩ ዝብል ሕቶ ይስዕቦ። እዚ

ድማ ብዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ መልሲ እዩ ዝስዕቦ። ብውሑዳት ጠባያት ዝተሃንጸ ከምኡ’ውን ናይ ሓጺር እዋን ፍጻመ ዘዘንቱ እንተ ዀነ ከም ዝምረጽ ድማ ናይ ብዙሓት ኣረኣእያ እዩ። እቶም ሒደት ዘይኰኑ ብዛዕባ

ዓቐን ሓጺር ዛንታ ኣመት ዝህቡ ክኢላታት፡ ንገዛእ ርእሶም ዝተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ገሊኦም ብዝሒ ቃላት ኣብ ሓጺር ዛንታ ካብ 1000 – 4000 ክኸውን ኣለዎ ይብሉ። ካልኦት’ውን ካብ 20’000 ዘሓልፍን ካብ 1000 ዘይውሕድን ቃላት፡ ወይ ካብ 5-20 ገጻት ክኸውን ይግባእ ይብሉ።

ታሕተዋይ ደረት ናጻ ገዲፎም፡ ትሕቲ 7500 ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን። “እንተ ኽኢልካ ብሓንቲ ቃል እውን ትኹን ሓጺር ዛንታ ክትጽሕፍ እትኽእል ኢኻ” ዝዓይነቱ እዩ። እዚ ከም መስታ ናይ ሓደ ፍጻመ እናተባህለ ዝጽዋዕ ሜላ ኣጸሓሕፋ፡ ዝያዳ ኩሉ ‘እንታይ ኢሉ?’ ኣብ ዝብል መለክዒ እንክምዘን ዘማዕርገሉ ይመስል። ምኽንያቱ እቶም ንብዝሒ ቃላት ኣብ ግምት ዘእትዉ ቅማረታት፡ ኣብ ታሪኽ ናይ’ዚ ሜላ ኣጸሓሕፋ እናተሳዕሩን ጭቡጥነት እናሰኣኑን ብምኻዶም። ሓጺር ዛንታ ክሳብ ዝማእመኦ

ዓቐን እንተ ድኣ ቀጺሉ እውን፡ ሓጺር ዛንታ ምዃኑ ተሪፉ፡ ናብ ካልእ ዓይነት ሜላ ኣጸሓሕፋ ክቕየር ይኽእል እዩ። ብዙሕ ገጻት ዝሽፍኑ ሓጸርቲ ዛንታታት ኣብ’ቲ “ኖቨላስ” ወይ “ኖቨለተ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅዲ ክጽግዑ ስለ ዝኽእሉ’፡ ኣብ ሓጺር ዛንታ ‘ቁጡብነት” ኣገዳሲ ይኸውን። “ቅጡብነትከ ክሳብ ኣበይ?

ሓጺር ዛንታ ሀሚንግወይ፡ ከም ኣብነት ናይ ዝሓጸረ ሓጺር ዛንታ ዝጠቕስዎ ውሑዳት ኣይኰኑን። ኣመሪካዊ ኤርነስት ሀሚንግወይ ካብ 21 ሓምለ 1899 ክሳብ 2 ሓምለ 1961 ዝነበረ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ኰይኑ፡ ንናይ መበል 20 ክፍለ ዘመን ልቢ ወለዳዊ ጽሑፋት ካብ ዝጸለዉ ጸሓፍቲ ሓደ እዩ። መብዛሕትኦም ስራሓቱ ካብ መፋርቕ 1920 ክሳብ መፋርቕ 1950 እዩ ኣፍርይዎም። ሸውዓተ ነዋሕቲ ዛንታታት (novels)፡ ሽዱሽተ እኩባት ሓጸርቲ ዛንታታት ከምኡ’ውን ክልተ ልብወለድ ዘይኰኑ መጻሕፍቲ ኣበርኪቱ። ድሕሪ ሞቱ እውን ሰለስተ ነዋሕቲ ዛንታታት፡ ኣርባዕተ እኩባት ሓጸርቲ ዛንታታት፡ ከምኡ’ውን ሰለስተ ዘይልብወለዳውያን መጻሕፍቲ ብስሙ ተሓቲሞም’ዮም። ሓደ እዋን፡ መንእሰይ አርነስት

ሀሚንግወይ፡ ንመሳርሕቱ ‘ብሽዱሽተ ቃላት ሓጺር ዛንታ ክጽሕፍ እኽእል’የ’ ይብሎም’ሞ፡ ንሳቶም ድማ ‘ክትጽሕፍ ኣይትኽእልን ኢኻ’ ብምባል ገንዘብ ኣትሒዞም ይወራረዱዎ። እታ ዛጊት ካብ ዝተጻሕፉ ዝሓጸረት ኢሉ ዝሰመያ ሓጻር ዛንታ፡ ኣብ ጭራም ወረቐት ብምስፋር ኣብ ኩላቶም ከም እትዘውር ገበረ። እታ ዛንታ ብሽዱሽተ ቃላት ዝቖመት እያ። ኩላቶም ድማ ከም ዝረትዖም ኣመኑ። እታ ዝሓጸረት ሓጻር ዛንታ ዝበላ፡ ከም’ዚ ትብል ነበረት። “For Sale. Baby Shoes.

Never Worn. እስከ ካልኦት ረቛሒታት ኣብ ግምት ከየእተና ናብ ትግርኛ ንተርጉማ። “ንመሸጣ። ሳእኒ ቈልዓ። ዘይተለብሰ። ኣብ ትግርኛ እሞ ከኣ መሊሳ ናብ ኣርባዕተ ቃላት ወሪዳ ኣላ! ሀሚንግወይ ነዚኣ ካብ ዝጸሓፈላ

ዕለት ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ሰባት ርእይቶኦም ይህቡላ ኣለዉ። እቲ ዝገርም ድማ ዝበዝሐ ርእይቶታት ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ዘለዎ ምዃኑ እዩ። በቲ ሓደ ወገን “ኣመና ሓጻር፡

ግን ከኣ ዕምቆት ዘለዋ”፡ “ኣዝያ ውሕልልቲ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ናእዳታት ክወሃብ ከሎ፡ በቲ ካልእ ድማ “በጃኻ ሽዱሽተ ቃላት ምዃኖም ጥራይ ኣይትንገረና። ወላ ሓንቲ ስምዒት ዝህብ ትሕዝቶ የብላን። መጎታዊት እውን ኣይኰነትን”፡ “እዚ ላግጺ እዩ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ርእይቶታት ተዋሂቡዋ። ገለ እውን ነታ ሓጻር ዛንታ

ኣብ ምትንታን ኣድሂቦም። እቶም

መጻምድቲ ቈልዓ ነይርዎም ይኸውን’ሞ፡ ሳእኒ ምስ ገዝኡሉ ከይለበሶ ሞይቱ ክኸውን ይኽእል ክብሉ ዛንታ ፈጢሮም። ንሕና እውን፡ ምስ ባህልናን

እምነትና ብምትእስሳር “ምናልባት እቶም መጻምድቲ ቘልዓ ክወልዱ ህንጡይነት ነይርዎም ይኸውን’ሞ፡ ጽቡቕ ፋል ምእንቲ ክዀነሎም ወይ እውን ካብ ምሒር ተስፋ፡ ንውላዶም ሳእኒ ኣዳልዮም ነይሮም ይዀኑ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ምናልባት ዕድመ ሓሊፉዎም ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ክወልዱ ከም ዘይክእሉ ምስ ኣረጋገጹ ወይ ምስ ቀበጹ፡ ነቲ ሓድሽ ሳእኒ ክሸጥዎ ወሲኖም። መን ይፈልጥ እውን፡ ጸጊሙዎም ክሸጥዎ ደልዮም ይዀኑ። ካልእ እውን ዝተፈለየ ትንታነ ክህልዎ ይኽእል። ደሓር ኣብ ዝተኻየዱ

መጽናዕትታት፡ እዚ ኣበሃህላ ብትካላት መወዓውዒ ከም ልሙድ ዝበሃል ብምዃኑ፡ ሀሚንግወይ ካብኡ ተበጊሱ ዝጸሓፎ ስለ ዝዀነ “ናቱ’ዩ” ኢልካ ምድምዳም ኣሸጋሪ ከም ዝዀነ ይእምቱ። ብውሑዳት ቃላት ግሩም

ሓጺር ዛንታ ክጸሓፍ ከም ዝኽእል ንኽንኣምን ይኸብድ ይኸውን። ግና ብርግጽ ይከኣል እዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ። ንኣብነት ብትሕቲ 60 ቃላት መሰጥቲ ሓጸርቲ ዛንታታት ዝጸሓፉ ብርክት ዝበሉ ጸሓፍቲ ኣለዉ። እዞም ሓጸርቲ ዛንታታት፡ እንተ ወሓደ፡ ሓደ ጠባይ፡ ግርጭታት፡ ፍታሕ፡ ጥርዘ ስምዒት፡ ምንጥልጣል ይንጸባረቑዎም። ከም ቅትለት፡ ክሕደት፡ ፍቕሪ፡ ርህራሀ፡ ራዕዲ፡ ታሕጓስን ካልኦት ፍጻመታትን ብጋህዲ የርእዩ። ግና እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዛንታታት፡ ዕቱብ ኣድህቦ (concentration) ገይርካ ከተንብቦም ዝድርኹ እዮም። በዳህትን ኣዘናጋዕትን ኽዀኑ ይኽእሉ። ተወላዲ ጓቲማላ ኣጎስቲኖ

ሞንተሮሶ እውን ብዝያዳ በታ ብሸሞንተ ቃላት ዝጸሓፋ ሓጻር ዛንትኡ እዩ ዝፍለጥ - “El Dinosaurio”: ዘርእስታ ሓጻር ዛንታ። ንሱ እውን ሓያሎ ዝውድሱን ዘከሻምሹን ርእዮታት ተጻሒፎሙሉ። “When I woke up,

the dinosaur was still there”.“ክበራበር ከለኹ’ውን፡ እቲ ዳይናሶር ኣብኡ ነይሩ”“ጉዳም ሓጺር ዛንታ”ዶ በልኩም!

ካልኦት ሓያሎ እውን በዚ ቅዲ እዚ ዛንታታት ጽሒፎም ኣለዉ። ንስኻትኩምከ ነዘን ክልተ “ሓጺር

ዛንታ” ተባሂለን ዘለዋ ብኸመይ ትርእይወን? ርእይቶኹም ከነአንግዶ ቅሩባት ኣለና።

እታ በለስኣብ ደንደስ’ቲ ጸድፊዘይብሉ መሕለፊ

ክትርእያ ኣዝያ ተሃራፊትክትወርዳ ምሒር ተኣፋፊት

መን እሞ ይውረዳዕጹው ኰይኑ መንገዳ።

ማያ መጢጣ ሓመዳ ጨቢጣኣብ መንቀራቕሮ፡ ፈጢራ መንብሮ።ኣብ’ቲ ከውሒ ፈጢሩላ ረውሒብባህሪ ምንቅዑ

ንትርኢታ ኣልሚዑ።ፍረኣ ኣንጠልጢሉ ኣመና በሲሉ

ብምሒር ምቕያሕ ጓህሪ መሲሉ

ህበይ ከይትበልዓመቕሎብ ከይትመንዓዘይስገር ሓጹር ኣጽኒዓ።

እንተ ኣነ’ሞኣብ’ዚ ጽምዋ ኣብ’ዚ ሸለውለዋ

መን ኰን’ዩ ተኺሉዋ ኢለስ አማዕድዋ

ናብ’ታ ተኽሊ በለስብኣእምሮይ እመላለስ።ኮፍ’ውን በልኩ ኣራጢጠ

ብውቁብ ትርኢታ ተመሲጠ።ድሓርስ ሃንደበት ዑፍ መጺኣ

ብናህሪ ተሓንቢባኣብ ጫፍ እታ በለስ ዓሊባ

ሻቡ ካብኣ ተመጊባሳላ መንገብገባ።

ቆላሕታይ ቀጺለ ብቐውታመመሊሰ ነታ ዑፍ ክጥምታእናበልኩ ንሳ ግዲ’ያ ወናኒታ።ምዃን ከኣ መን ይፈልጥካብ ውዳቕ ቀልቀላ ወላ ትኸውን በቚላኢለ ብግምተይ

ብሓሳብ እናበልኩ ተተይ. .ኣብ መንጎኡስ

እታ ዑፍ ነፊራ ምርቅፍንታሕቲ ህትፍንሳ ናብ’ታ ጽሕዲኣነ ከኣ ንዓዲ

መወዳእታኡስ ተፈላሊና ግዲ።

መብራህቶም ገብረሂወት (ወዲ ቐሺ)

ሚ/ሕርሻ - ባረንቱ

Page 5: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

ሓዳስ ኤርትራ 27 ለካቲት 2014 - ገጽ 5

ማስኬራታት ዘርእስታ ፊልም፡ ኣብ ሲነማ ኢምፔሮ እናርኣኹ ከለኹ’ዩ ሃንደበት ኣብ ተንቓሳቓሲ ቴለፎነይ ተደዊሉኒ። ሃዋሁ’ቲ ሲነማ ጽምውኡ ተተርቢዑ ዋጭ ዋጭ

ዝዓብለሎ ብምንባሩ ጻውዒት ቴለፎነይ ከይተቋርጽ እናሰጋእኩ’የ ቅልጣፈ ሓዊሰ ናብ ደገ ዘምራሕኩ።“ሰላም ከመይ ውዒልካ?” ቕጥን

ዝበለ ድምጺ ጓል ኣንስተይቲ ተዳህየኒ።“ሰላማት’ዚ ሓፍተይ፡ መን ክብል?”

ምቕልል ኢለ ተወከስክዋ።“ንዓይ’ኳ ኣይትፈልጠንን ኢኻ።

ቑጽሪ ተሌፎንካ ካብ ሓደ ቦታ ወሲደ’የ ዝድውለልካ ዘለኹ።” ኣዘራርብኣ ብትሕትና ዝተዓብለለ ንልቢ ዝሰልብ ህዱእ ሙዚቃ ይመስል ብምንባሩ ተገዲሰ ይሰምዓ ምንባረይ ንምሕባር ድምጸይ ኣበርኽ ኣቢለ፡ “ሐራይ ቀጽሊ እሰምዓኪ ኣለኹ።” በልክዋ።“ዓለም ዕጫ ድያ ምርጫ?” ስማ

ከይነገረት ድቦላ ሕቶ ሰንደወትለይ። ኣብ’ቲ ኣዋጣሪ እዋን ንሕቶኣ ክምልስ ዓቕሚ ስኢነ ድምጸይ ኣጥፋእኩ።“እንታይ ድኣ ትም ኢልካ? ሕቶ

ኣኽቢደልካ ድየ?” ከይመለስኩ እዋን ስለ ዘሕለፍኩ ካብ’ቲ ኣትየዮ ዝነበርኩ ሓሳብ ከተጋላግለኒ ፈተነት።“ሕቶ’ኳ ኣየኽበድክለይን፡ ግና

ሓሲብካ ትምለስ ብምዃና’የ ክሓስብ ጸኒሐ። ይቕሬታ ግበርለይ እምበር

ዕድል ድዩ?

ቀዳማይ ክፋልኣይፈለጥኩኽን።”“ሓቅኻ ኣይትፈልጠንን ኢኻ፡

እንተኾነ ንዓለም ብዕጫ ዲና ንኸዳ ብምርጫ ክምለሰለይ ዘይከኣለ ሕቶ ስለ ዝኾነኒ’የ ክሓተካ መሪጸ?” ገና ስማ ከይነገረትኒ ተዋጥረኒ ብምንባራ ብሰንፈላል ከም ዘንሳፍፍ ገበረትኒ።

“ሓብተይ መዓረይ፡ መጀመርታ’ሞ ኣበይ ከም ንፋለጥ ንገርኒ ሽዑ ሕቶኺ በቲ ኣነ ዝመስለኒ ክምልሰልኪ።” ድምጸይ ኣበርኽ ኣቢለ ከረድኣ ፈተንኩ።“ጸገም የለን፡ ስመይ ሰላም’የ

ዝብሃል። ኣብ ኣስመራ’የ ዝቕመጥ። ክፈትሖ ዘይክእል መሰናኽል ናይ ህይወት ገጢሙኒ። ዓለም ድቦላ ዝኾነ ዘየተጸበኽዎ መከራ ሰንድያትለይ። እመን ኣይትእመን ዓለም ብምርጫኻ ትኽየድ’ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ሕጂ ግና ብዕጫኻ ከም ዝኽየድ ፈሊጠ። ምርጫ ናተይ ካልእ ዝበጽሓኒ ዕጫ ድማ በንጻሩ ፋሕ ፋሕ ዝበለዩ በጃኻ……..” ሃንደበት ጽምጻ ኣቋረጸት።“እሰምዓኪ ኣለኹ ቀጽሊ’ባ፡

ሄለው……” ኣብ ዝተኾለፈ ሓሳባት ኣንጠልጢላትኒ ብምቁራጻ ስልጥ ኢለ ድሃያ ክገብር ቀሰበኒ።“እወ እንታይ ድዩ መሲሉካ?

ዘጋጠመኒ ጥውይዋይ መንገዲ’ዩ። በጃኻ ምርዳእ ስለ ዝኣበየኒ’የ ዓቕለይ ጸቢቡኒ ዝድውለልካ ዘለኹ። ገሪሙኒ በቃ ገሪሙኒ!” ብድምጻ ጥራይ ኣብ ጸገም ከም ዘላ ክግምት ፈተንኩ።“ሰላም ነብሲ ዘጋጠመኪ’ሞ ሓብርኒ

ዝፍታሕ እንተኾይኑ ሓቢርና ንፈትሖ። ብመጀመርታ ኣበይ ኢና ንፋለጥ?” ስማ ጠቒሰ ክፈልጣ ተሃንጥየ ከም ዘለኹ ብተዘዋዋሪ ክሕብራ ፈተንኩ።“ምፍላጥ’ሞ ኣይንፋለጥን ኢና።

እንተኾነ ግና ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ተረኣኢና ስለ ዘለና ኣነ እፈልጠካ’የ፡ ንስኻ ኢኻ ዘይትፈልጠኒ። ብዝኾነ ሕጂ ተላሊና አለና። ኣብ ከቢድ ጸገም’የ ዘለኹ። እመን ኣይትእመን ማራ ሽኮሪና ጓል’የ። ዝያዳ ምስ ርኣኻኒ ክትኣምን ኢኻ። ቑሩብ ርጉድ ዝበልኩ ኮይነ ቐያሕ’የ። እንታይ’ሞ መልክዕ እንድዩ’ሞ ምሉእ ሰብ ዘይገብረካ ኮይኑ።” በለት።“ሰላም ሓፍተይ ዝተቖራረጸ ሓሳባት

እናምጻእኺ’ኳ ፋሕ ፋሕ ኣእቲኽለይ። እቲ ክትብልኒ ዝደለኺ ብጋህዲ እንተተዕልልኒ ደስ ምበለኒ። ኣነ ድማ ከይተሰከፍኩ ዝመስለኒ ሓሳባት ምሃብኩኺ። ከምዚ ተዕልልኒ ዘለኺ ዝተቖራረጸ ሓሳባት ግና ክንረዳዳእ ኣይንኽእልን ኢና።” ብሓውሲ መግናሕቲ ነጻ ኮይና ከተዕልሊ ተወከንክዋ።“ጸገም የለን፡ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዩ

መርዓይ ተቖጺሩ ዘሎ። ብኸመይ ፋሕ ክብል ኣለዎ’የ ዝሓስብ ዘለኹ።”“እዋእ!” ኮለፍክዋ።“በቃ ንሱ’ዩ እቲ ሓቂ። ትምኒተይ

ካልእ ዘጋጠመኒ ካልእ ብምዃኑ ክስርዞ ወሲነ’የ።”“ስለምንታይ’ሞ ትስርዝዮ? ወይ ካብ

መጀመርታ ክትኣትውዮ ኣይነበረክን። እንድሕር ኣቲኽዮ ድማ ወርሒ ምስ ተረፎ ንምንታይ ተቋርጽዮ?” ክገንሓ ፈተንኩ።“ኣታ ወዲ መርዓይ ክርእይ ድኣ

ሃረር እንድየ ዝብል ነይረ። እንተኾነ ግና……”“ኢሂ?” ዕድል ከይሃብኩ ውትፍ

በልክዋ።“ጸገም’ዩ በጃኻ……” ሃንደበት

ሕንቕንቕ ብምባል ክትነብዕ

ሰማዕክዋ።“ሰላም ንምንታይ ትነብዒ? ብዝኾነ

ኣብ’ዚ ዘለኽዮ ኩነታት ክንረዳዳእ ስለ ዘይንኽእል ብኣካል እንተንራኸብ ምበለጸ። ትሰምዕኒ ኣለኺ…..” ድምጺ ስለ ዘጥፍኣት ድሃያ ክገብር ተቐሰብኩ።“ጸ…ጸ….ጸጸገም የለን ክንራኸብ

ንኽእል ኢና። በዛ ቑጽሪ ሞባይለይ ጽባሕ ደውለለይ” እናተነኽነኸት ተሌፎና ዓጸወታ። ኣብ ጫሌዳ ሓሳባት ገዲፋትኒ ተሌፎን ምዕጻዋ ሕማቕ እናተሰምዓኒ ንጽባሒቱ ክረኽባ ተሃንጠኹ።

* * * ህንጡይነተይ በሪኹ ዳርጋ ሰለም

ከየበልኩ’የ ነታ ምሸት ኣውጊሐያ። ዝሓተትኒ ኣዋጠር’ቲ ሕቶታት እናሻዕ ኣብ ኣእሙሮይ እናተማላለሱ ስለ ዝረበሹኒ ንምርካባ ሓይል ባህጊ ኣሕደርኩ። ኣንጊሀ’ኳ ክድውለላ ሓሲበ እንተነበርኩ፡ ሓድሽ ሌላ ስለ ዝኾነኒ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ’የ ደዊለላ። ኣብ’ታ ዕለት ድማ ሰዓት ሸውዓተ ድሕሪ ቐትሪ ብኣካል ክንራኸብ ተቛጺርና ተፈላለና። ሰዓታት ቖጸራና እናተቓረበ ኣብ

ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ሻቕሎተይ እናዛየደ መጸ። ‘ሽኮሪና ጓል’የ፡ ዓለም ዕጫ ድያ ምርጫ?’ ወዘተ ዝብላ ቃላታ እንታይ መልእኽቲ ክህልወን ይኽእል? እናበልኩ ብዙሕ ተመራመርኩ። ከም ቖጸራና ልክዕ ኣብ ሰዓትና

ክንራኸብ ከለና፡ ሰላም ከምቲ ንመልክዓ ዝገለጸቶ ወናኒት ብሉጽ መልክዕ ምዃና ክምስክር ግዜ ኣይወሰደለይን። “ከመይ’ከ?” ሌላና ፈለማ ብምንባሩ፡

እንተፎኾሳ ብምባል ፍሽኽታ ሓዊሰ ሰላም በልክዋ። ኣብ ቐጽሪ ህዝባዊ ቤት ንባብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ኮፍ ኢልና ብምንባርና፡ ካብ ሕፍረት ድዩ ካልእ ምኽንያት ንዝነበረ ዛሕሊ ግዲ ዝገበርናሉ ኣይንመስልን።

“እወ፡ እንታይ ድየ ከተማኽረኒ ደልየ መስለካ ኣብ ጉዕዞ ህይወተይ ሓደ ራኢ ሒዘ’የ ዝጉዓዝ ነይረ። ብሕንቃቐ’የ ዓብየ። ከም ኣታዓባብያ ድማ ኣብ ህይወተይ ምልእቲ እምበር ጎዶሎ ከይከውን ማራ’የ ዝጥንቐቕ።” ነቲ ዝነበረ ጸጥታ ዕላል ብምጅማር ተርብዓቶ።“ንስድራይ ንምሕጓስ ዘይገብሮ ነገር

የለን። ኣቦይ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣብ ርእሲ ጸገሙ ጸገም ክኾኖ ድልየት የብለይን።” ብዝንታ ተዋሒጣ ስቕ በለት።“ከመይ ማለትኪ’ዩ?” ግር ከም

ዝበለኒ ካብ ኣጣማምታይ ዝተረድአት ኮይኑ ተሰምዓኒ።“መርዓይ ሓደ ወርሒ’ዩ ተሪፍዎ።

ምሳይ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ዝዞረ ኣፍቃሪ ኣሎኒ። ሕጸ’ኳ ቕድሚ ክልተ ዓመት ኢና ፈጺምናዮ። ብዘይ ብእኡ ምንባር ንዓይ ኮንቱ’ዩ። ሕጂ ግና እቲ መርዓ ክስርዞ ወሲነ…….” ናብ ስግረይ ብምጥማት ብሓሳብ ተዓዝረት።“ትፈትውዮ እንተዄይንኪ ድኣ

ስለምንታይ መርዓ ዝኣክል ትስርዝዮ?” ሓሳባታ ስለ ዝተዋጃበረኒ ክትጥርንፈለይ ሓበርክዋ።“ፍትወት ተበሉኻ ግና ዓለም

ኣይሓገዝትንን። ዘይተጸበኽዎ ገጢሙኒ። ብኸመይ ይፈትሖ ድማ’ዩ ሸጊሩኒ ዘሎ።” ብኽልተ ኣዒንታ ንብዓት ኮረር ከተብል ግዜ ኣይወሰደትን።“እንታይ ድዩ ገጢሙኪ?” ዕትብ

ኢለ ተወከስክዋ።“ሽግር’ዩ በጃኻ! ካብ ሑጹየይ

ምፍላይ ከቢዱኒ፡ ዝፈላልየና ጸገም ተረኺቡ፡”“እንታይ ድዩ እቲ ጸገም?” ጸገማ

ክሰምዕ ተሃወኽኩ።“ጸገመይ’ዶ?”

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……….ይቕጽል

ኩርናዕ ካርቱን

መንሱር ናፍዕ

Page 6: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

ሓዳስ ኤርትራ 27 ለካቲት 2014 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደ

ምልክታ ንኸፈልቲ ግብሪ ቴሌቪዥን

ኩሉኹም ነባራትን ሓደስትን ናይ ውልቂ ይኹን ናይ ትካላት ወነንቲ ቴለቪዥን ኣብ ኩሉን 13 ምምሕዳራት ከባቢታት ዞባ ማእከል ከተማ ኣስመራ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ዞባታት ዝርከባ ከተማታት ዓዲ-ተከሌዛ፡ ከረን፡ ባረንቱ፡ ተሰነይ፡ ደቀምሓረ፡ መንደፈራ፡ ድባርዋ፡ ባጽዕ ዝርከባ ቤት ጽሕፈታት ጨንፈር ማርኬቲንግ ሚኒስትሪ ዜና ቀሪብኩም ዘለኩም ውንዙፍ ክፍሊት ይኹን ናይ 2014 ዓ.ም ዓመታዊ ግብሪ ቴለቪዥን ክትከፍሉ ብጥብቂ ንሕብር።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ንኹሎም ኣብ ሰዓታት ስራሕ ዘይጥዕሞም ሰራሕተኛታት ንምግልጋል ኩሉ ግዜ ቀዳም ቀዳም ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ማርኬቲንግ ካብ ሰዓት 8፡00 ቅ.ቀ ክሳብ 12፡00 ምሉእ ኣገልግሎት ከምእንህብ ንሕብር።

ሚኒስትሪ ዜና

VACANCY ANNOUNCEMENT

Yemen Airways – Asmara Invites qualified applicants for the following post in Our Company.Post: Quality & Safety Control Manager Education: BA degree in Business Administration or Equivalent Qualification: 1-Advanced Passenger Handling (IATA Standard) 2-Station Management (IATA Standard) 3-Safety and Quality Control Management (IATA Standard)As per IOSA requirement

4-DCS Check-In procedure (SITA System) 5-Load Control, Type A320, A310 &A330 (Manual) 6-Automated Load Control (SITA System) 7-Airline Security (IATA Standard) 8-RAMP Safety (IATA Standard) 9-Dangrous Goods Handling (IATA Standard)Experience: 10 years working experience in Airline Industry & Airport Services.Place of work: Asmara International Airport –Yemenia Station Gender: Male Quantity: 01Age: 35-45Language Skill: Arabic language speaking & writing is preferable Interested applicants are required to submit their application form with CV and credentials to Yemen Airways Main office Asmara, within 10 days from the date of this announcement. Applicants must provide certificate of completion or exemption from National Service.N.B.- Only short listed applicants would be considered as potential candidates for an interview - Application documents will not be returned to applicant.

FLY YEMENIA TO ROME EVERY MONDAY AND FRIDAY –VOLO YEMENIA PER ROMA OGNI LUNEDI E VENERDI

ብስራት ብኩሉኹም 2ይ ደረጃ ተመሃሮ

Better way to high school Chemistry ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ኩለን ቤት መጻሕፍቲ ተዘርጊሓትልኩም ኣላ። እዛ መጽሓፍ 16 ምዕራፋት ኣብ 384 ገጻት ዝሓዘት ኮይና ከም መወከሲ መምሃሪት መዳለዊት ን12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ከም እተገልግል ከነበስረኩም ንፈቱ።

ብስራት ንቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ

COLLEGE PHYSICS ዘርእስታ መጽሓፍ• ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ሰመስተር ዓውደ ትምህርቲ (first and second

semester courses) ንቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ ዝሓቖፈት • ዝርዝራውን ገላጽን ክለሰሓሳባት ኣብ ኩሉ ኣርእስትታት ብፍሉይ ኣገባብ

ዘካተተት• ንነፍስ ወከፍ ሕቶ ብዝርዝርን ሓጸርቲ መብሪሂታትን መግለጺታትን ብፍሉይ

ኣገባብ• ልዕሊ 400 ስእላዊ መግለጺታት ከምኡ’ውን ልዕሊ 1000 ሕቶታት ምስ መልሶም

ዝሓዘት• ብተወሳኺ ኣዝዩ ዝርዝራውን ጥልቀትን ዘለዎም ክለሰሓሳባት ናይ ካልኣይ ደረጃን

ዝሓዘት መጽሓፍ ኣብ መሸጣ ኣብያተ መጽሓፍቲ ተዳሊያትልኩም ኣላ፡ ገዚእኩም ተጠቐሙላ ንተወሳኺ ሓባሬታ ቴሌ 07237770 ወይ 07330203 ሰለሙን ወልደጋብር

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ኣብ መንጎ ይግባይ በሃልቲ ወረ/ነፍ ተመስገን ጻዕዱ ዳኔል ተመስገን +1፡ ወሃብቲ መልሲ ወረ/ነፍ ጻዕዱ ሓጎስ፡ ግርማይ ጻዕዱ +7 ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ወሃብቲ መልሲ 1.ጸጋ ጻዕዱ 2.ኣስመረት ጻዕዱ 3.ዮርሳሌም ጻዕዱ 4.ምካኤል ሓድሽ 5.ዛንታና ተመስገን 6.ሚኬኤለ በየነ ብመጸዋዕታ ተጸዊዖም ክቐርቡ ስለዘይከኣሉ፡ ን20/3/14 ኣብ ላ/ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቁ.29 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ድማ ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ሜሪ ዓንደ ዮውሃንስ ምባል ተሪፉ፡ ሜሪ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/3/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ቁ.41 ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣባሻውል

ኣስመሮም ገብረመድህን ተኽለሃይማኖት፡ ወላዲትና ውነሽ ብርሃነ ሃይለ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 1 ሓፍተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/3/14 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ፍሊሞን ሃብቶም ሕድሩ፡ ወላዲተይ ተጋ/ሙሉ ኣርኣያ ኪዳነ ስለዝተሰውአት፡ ኣነ ምስ 1 ሓወይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/3/14 ሰዓት 8፡00

ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ምጽዋዕ

ርግኣት ኡሙን ኣብርሃ ምባል ተሪፉ፡ ርግኣት ተስፋይ ኣብራሃ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/2/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 7: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

ሓዳስ ኤርትራ 27 ለካቲት 2014 - ገጽ 7

VACANCY ANNOUNCEMENT

Bisha Mining Share Company is inviting applicants for the following position for its Bisha Site Project.

1. Position: - Contracts Officer (01)

Major Duties and responsibilities:-• Take responsibility of the Contracts Register and ensure it is regularly updated• Maintain and control the Standard Contracts Templates developed for use by the Company• Assist end user Department Heads to prepare legally conforming Contracts that ensure that the Company’s legal rights and requirements in respect to scope of Services or delivery of Goods is protected• Develop draft and review contracts in compliance with BMSC Policy and Procedures• Assist in negotiation and conclusion of Contracts with Suppliers once the scope and commercial terms are agreed• Monitor regularly the contract performance• Participate in the preparation of Tender documentation• Advise Department Heads on Contract compliance and administration• Keep track of and manage Contract renewal dates• Assist the Finance Manager in Contract matters as required

Profile: Qualifications and Experience

Formal Education, Certifications or Equivalents

• Bachelor Degree in Commerce, Accounting or Law.• Diploma in Commerce or Law.• Knowledge of Eritrean Legal principles and laws concerning contract, civil, labour, customs and mining.

Working Experience – Nature & Length

Minimum five years in a legal or administrative role for BA Degree.Minimum seven years relevant experience for Diploma holders.

Leadership Experience-Nature & length of time

N/A

Other skills and abilities

Good command of English and a good communicator.Good interpersonal skills, pleasant and cheerful disposition.Computer skills – basic Excel, Word and Outlook.

2. Position: - Accountant (01)

Major Duties and responsibilities.

• Take responsibility of analyzing departmental operational cost variances for allocated departments• Assist on the month end preparation process and preparation of Month end Accounts• Prepare GL account reconciliations• Prepare and post journals for month end closing (accruals and prepayments)• Checking regularly the transactions impacting the relevant allocated departmental costs and liaison with other end user department Head of Department on Cost Control• Prepare the Inventory sub-ledger GL Account reconciliations• Analyse and prepare reports on Fuel usage, price and volume variances• Analyse and prepare reports on Equipment operating Hours, Cost of operation and Hourly Costs• Responsible for fuel accruals, fuel delivery reconciliations and month end physical stocktake of fuel quantities at the respective operational sites• Assist on the Goods in Transit reconciliations• Assist on the Goods received not invoiced account reconciliations• Assist on the analysis and reconciliation of Service Orders and Commitments at the month end

Profile: Qualifications and Experience

Formal Education, Certification or Equivalents

• Bachelor Degree in Accounting or Finance • Diploma in commerce or accounting• Knowledge of accounting principles

Working Experience – Nature & Length

Minimum two years in an accounting role for BA DegreeMinimum five years relevant experience for Diploma holders.

Leadership Experience-Nature & length of time N/A

Other skills and abilities

Good command of English and a good communicator.Good interpersonal skills, pleasant and cheerful disposition.Computer skills – basic Excel, Word and OutlookKnowledge of Enterprise Resource Planning Software is desirable but not essential.

3. Position: - Trainee Accountant (01)

Major Duties and responsibilities.

• Assist the Accountants in analyzing operational cost variances• Assist the Accountants in preparing GL account reconciliations• Assist Accountants to prepare and post journals for month end closing (accruals and prepayments)• Assist the Accountants in checking transactions and liaison with other end user departments• Assist in the follow up of receivables and back charges

Profile: Qualifications and Experience Formal Education, Certification or Equivalents

• Bachelor Degree in Accounting or Finance • Diploma in commerce or accounting• Knowledge of accounting principles

Working Experience – Nature & Length

Minimum one year in an accounting role for BA DegreeMinimum two years relevant experience for Diploma holders

Leadership Experience-Nature & length of time N/A

Other skills and abilities

Good command of English and a good communicator.Good interpersonal skills, pleasant and cheerful disposition.Computer skills – basic Excel, Word and OutlookKnowledge of Enterprise Resource Planning Software is desirable but not essential

General Information and other requirements:• Place of Work: Bisha.• Type of contract: Indefinite Period.• Salary: As per Company salary scale.• Additional requirement for Nationals: • Having fulfilled his/her National Service obligation and provide evidence of release paper from the Ministry of Defense. • Present clearance paper from current/last employer.• Testimonial documents to be attached (CV, work experience credentials, a copy of your National Identity Card etc.).• Only shortlisted applicants would be considered as potential candidates for an interview.• Application documents will not be returned to sender.• All applications should be sent through the post office.• Deadline for application: 10 days from the day of publication in the Newspaper.• Address: Please mail your applications to; Bisha Mining Share Company, P. O. Box 4276 Asmara, Eritrea.

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረት ቲራቮሎ

መም/ጽገ ሃብተሚካኤል ፍሳሃየ በዓል ቤተይ መም/ኣብርሃም ኪዳነ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከባቢ ዓዲ ሸኻ

ኣቶ ገብሪሂወት ገብረጽሃይ ሃይሉ፡ ኣቦና ገብረጽሃይ ሃይሉ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ድባርዋ

ዘካርያስ ቀ/ደሳሉ ገላሚካኤል፡ ወለድና ደሳለ ገላሚካኤል ወልደስላሴን ለተዝጊ ተኽሉን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሓውሲ ከተማ

ጸሮና

መርከብ ብርሃነ ገብረስላሴ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ይርጋኣለም

መብራህቶም ተኹሉ፡ ካባይ ካብ ዝፍለ 5 ዓመት ጌሩ ካብ ክልቴና ኣብራኽ ዝተወልደት ሓንቲ ጓል ኣላትና። ምስ ጓለይ ኣብ ትሕቲ ኣሕዋተይ ተጸጊመ ይነብር ኣለኹ። ከምዚ ኢለ ክቅጽል ስለዘይክእል ጉዳየይ ናብ 5 ዘመድ ሽማግለ ይመርሓለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኩዶብዑር

ወ/ሮ ርሻን ሃይለ ወለገርግስ በዓል ቤተይ ሃብተ ክፍለሱስ ኣስጎዶም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 6 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/3/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Invitation for Bid(IFB 001/14)

The Asmara International Airport Management (AIAM) herein after invites eligible bidders for comprehensive maintenance service of PC & PC peripherals. 1. Bidders may purchase the bid document from the airport Marketing unit upon payment of non-refundable fee of 300.00 Eritrean Nakfa. 2. Bids must be delivered to the office of the Marketing unit within 10 working days beginning right after the notice is issued in the news paper. The bid will be opened on the 11th working day at 10:00 AM 3. Bidders are requested to deposit bid security of Nakfa 10,000.00. 4. Bidders are requested to have their license renewed for the year 2012. 5. Bidders must have evidence of exemption from or completion of national service.The Asmara International Airport Management reserves the right to accept or reject all or part of this bid with out justifying for doing so and with out compensation of the expenses incurred by the bidder.

Asmara International Airport ManagementP.O.Box 5846 Tel. 152122

Page 8: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

ሓዳስ ኤርትራ 27 ለካቲት 2014 - ገጽ 8

ዮሴፍ ሃይለማርያም

ስጳኛውያን ጠፈርተኛታት፡ ገዚፍ እምኒ-ሚትዮር ምስ ወርሒ ክጋጮ ከምዝተዓዘቡ ገሊጾም። ንሳቶም ነቲ ግጭት ብስእሊ ኣሰንዮም ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብ እዋን’ቲ ምግጫው ኣብ ምድሪ ኰይንካ ዝርአ መስታ ብርሃን ከምዝተራእየ’ውን ሓቢሮም። እቲ እምኒ ሜትዮር ኣስታት 400 ኪሎ

ግራም ዝኽብደቱ ኰይኑ፡ ኣብ ሰዓት 61 ሽሕ ኪሎ ሜትር ፍጥነት እናተጓዕዘ ንጽፍሒ ወርሒ ከምዘላሃሞ እቶም ተመራመርቲ ኣብሪሆም። እቲ ምግጫው ድማ ኣብ ጽፍሒ ወርሒ ናይ 40 ሜትሮ ዝግፍሑ ጉድጓድ ከምዝፈጠረ’ውን ወሲኾም ገሊጾም። እቲ ተርእዮ ኣብ ወርሒ ካብ ዘጋጠሙ

ግጭታት ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዓቢን ክብረ-ወሰን ዝሓዘ ፍጻሜ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ከምዘሎን’ውን እቶም ተመራመርቲ ኣረዲኦም።“እዚ ኣብ ወርሒ ካብ ዝተዓዘብናዮ እቲ

ዝዓበየን ዝደመቐ መስታ ዝተራእየሉን ምግጫው’ዩ ነይሩ’’ ዝበለ መራሒ ናይቲ ምርምር፡ ፕሮፌሰር ጆስ ማዲየዶ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ምግጫው ንሸሞንተ ካልኢት ከምዝቐጸለ ሓቢሩ። ንሱ ኣስዒቡ፡ “ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ወርሒ

ዘጋጥሙ ምግጫዋት ንኣዝዩ ሓጺር ግዜ’ዮም ዝጸንሑ። ማለት ፍርቂ ካልኢት’ዮም ዝጸንሑ። እዚ ናይ ሕጂ ዝመዝገብናዮ ምግጫው ግን ንሸሞንተ ካልኢት’ዩ ጸኒሑ። መስታ

ያን ፈርተኛታት ገዚፍ እ ኒ

‘ገዚፍ እምኒ-ሚትዮር ምስ ወርሒ ተጋጭዩ” ጠፈርተኛታት

ናይቲ ምግጫው ድማ ከም ኮኾብ ሰሜን ዝድምቀቱ’ዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ መስታ ኣብ ምድሪ ኰይና ካብ ዝመዝገብናዮ እቲ ዝደመቐ ብርሃን ዝተራእየሉ ፍጻሜ ኰይኑ ዘሎ” ኢሉ። ወርሒ፡ ዘይከም ምድሪ፡ ካብ ምግጫው

እምኒ-ሜትዮራት ዝከላኸል ጠፈር ስለዘይብላ፡ ጽፍሓ (ዝባና) ብዙሕ ግጭታት ዘለዋ ምዃኑ ተመራመርቲ ይሕብሩ። ስለዚ፡ ሓደ ሜትሮ ሰንጣቒት ዘለዎም ኣኻውሕ ምስ ወርሒን ምድሪን ክራጸሙ ንቡር ተርእዮ ምዃኑ ድማ ይገልጹ። ዝበዝሑ ካብ’ዞም ንኣሽቱ ኣኻውሕ ግን ናብ ጠፈር ምድሪ ክኣትዉ ከለዉ፡ ኣብ መሬት ከይበጽሑ ብኡ ንብኡ ኣብ ሰማያት ስለዝባርዑ፡ ጉድኣት ኣየውርዱን’ዮም። እምኒ ሚትዮራት ኣብ ምድሪ ሓያል ጽልዋ

(ማህረምቲ) ከስዕቡ እንተድኣ ኰይኖም ግን ኣዝዮም ዓበይቲ ክዀኑ ኣለዎም ማለት’ዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ 2013 ኣብ ቸልያቢንስክ - ሩስያ ዝተፈንጀረ ኣስትሮይድ (እምኒ ሰማይ) ናይ 19 ሜትሮ ጎድኒ ዝነበሮ’ዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ንጠፈር ብናይ 500 ሽሕ ቶን ናይ ቲ.ኤን.ቲ (ሚና) ጸዓት ክሃርማ ክኢሉ። በዚ ከኣ ንዓለም ክልተ ግዜ ዝዘውር ማዕበላዊ ነውጺ ከምዝፈጠረ ይዝከር። ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ዕንወት ኣኸቲሉን ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ጉድኣት ኣውሪዱን’ዩ።

ተመራመርቲ ኣብ ፕላኔት መሬት እቲ ዝጠንተወ ከምዝኾነ ዝገለጽዎ ‘ዚርኮን ክሪስታል’ ዝተባህለ ኣመና ንእሽቶ ክቡር እምኒ ከምዝረኸቡ ሓቢሮም። ክብደት ናይቲ ክቡር እምኒ ሓደ ዝተመቕሎ ን100 ሽሕ (ማይክሮንስ) ኰይኑ፡ ክንዲ ክልተ ሰንጣቒት ጸጒሪ ርእሲ ሰብ

ግዝፊ ዘለዎ’ዩ። ‘ዚርኮን ክሪስታል’ ኣብ

2001 ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ኣብ

ዝጠንተወ ክቡር እምኒ ተረኺቡ

ሓደ ናይ ኣባጊዕ ሕርሻ’ዩ ተረኺቡ። ክግበረሉ ብዝጸንሐ መርመራ ድማ ዕድመኡ 4.4 ቢልዮን ዓመት ምዃኑ ከምዘረጋገጹ ገሊጾም።ኣብ መጽሄት ጂኦ-ሳይንስ ኣብ ዘስፈርዎ

ጽሑፍ እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ርኽበት ዝባን ምድሪ ፕላኔት ምድሪ ድሕሪ ምፍጣራ

ብተዛማዲ ቀልጢፉ ዝተፈጥረ ከምዝዀነ ከምዘመልክት

ገሊጾም። እቲ ክ ቡ ር

እ ም ኒ (ዚርኮን ክሪስታል) ድማ ናይቱ ሽዑ እዋን ተረፍ ምዃኑ ሓቢሮም። ጽቡቕ ዝርኢ ሰብ ነቲ ክቡር እምኒ ኣብ ከብዲ

ኢዱ ገይሩ ብዘይ መጉልሒ መነጸር ክርእዮ ከምዝኽእል ዝገለጹ እቶም ተመራመርቲ፡ ምስ ምንዋሕ ዓመታት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ድኣ ተዳቒቑ’ምበር ኣቐዲሙስ ዓቢዪን ኣመና ውቁብን ነይሩ ክከውን ከምዝኽእል ኣረዲኦም። እቲ ርኽበት ፕላኔት ምድሪ ዘይከምቲ

ዝበዝሑ ተመራመርቲ ዝገልጽዎ፡ ዘይምእምእቲ ስፍራ ከምዘይነበረት ዘርኢ ምዃኑ መራሒ ናይቲ መጽናዕቲ ገሊጹ። ንሱ፡ ዕድመ ‘ዚርኮን ክሪስታል’ ክልተ ዝተራቐቑ ዕድመ ዝነግሩ ቴክኖሎጂ ተሓጊዞም ብዘካየድዎ መርመራ፡ ብዘየወላውል መገዲ 4.4 ቢልዮን ዓመት ምዃኑ ከምዘረጋገጹ ኣብሪሁ። ፕላኔት ምድሪ 4.5 ቢልዮን ዓመት ዕድመ

ከምዘለዋ’ዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ። ዝባን ምድሪ ድማ 100 ሚልዮን ዓመት ድሒሩ ከምዝተፈጥረ ይሕብሩ። ብዘካየድዎ ቅማረ ከኣ፡ ተረኺቡ ዘሎ ዚርኮን ክሪስታል፡ ካብ ፍጥረት ጸሓያዊ ስርዓት 160 ሚልዮን ጸኒሑ ከምዝተፈጥረ ሓቢሮም። “ንሕና ኣዚና ተገዲስናሉ ዘለና ነጥቢ፡ ምድሪ

መዓስ’ያ ንፈለማ ግዜ መዕቆቢት ሂወታውያን ክትከውን ዝኽኣለት? መዓስ ከ ዝሒላን ሂወት ክጅምረላ ክኢሉን ዝብል’ዩ’’ ዝበለ መራሒ ናይቲ መጽናዕቲ፡ ምድሪ መን ይፈልጥ፡ ካብ 4.3 ቢልዮን ዓመት ኣትሒዛ ሂወታውያን ክነብሩላ ምችእቲ ነይራ ክትከውን ትኽእል’ያ ኢሉ። “ኣብቲ ሽዑ እዋን ምድሪ ሂወት ነይሩዋን

ኣይነበራን ዝገልጽ መርትዖ የብልናን። እንተዀነ፡ ቅድሚ 4.3 ቢልዮን ዓመት ሂወት ኣብ ምድሪ ክነብር ኣይክእልን’ዩ ዘብል ምኽንያት ግን የብልናን’’ ክብል ገሊጹ። ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ዝጠንተወ ኣሰር

ሂወታዊ ‘ኣስትሮማቶላይትስ’ ናይ ዝተባህለ ዓሌት ባክተርያ ኰይኑ፡ 3.4 ቢልዮን ዓመት ዕድመ ዘለዎ’ዩ።

ኩባንያ ቴክኖሎጂ ሳምሱንግ ‘ጋላክሲ ኤስ 5’ ዝተሰምየት ሓዳስን ማይ ዘይኣትዋን ምዕብልቲ ሞባይል ዘርጊሑ። ነታ ሞባይል ንምልላይ ኣብ ዓለማዊ ምርኢት ምህዞታት ሞባይል ኣብ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት፡ ጋላክሲ ኤስ 5 ዝመጽእ ሚያዝያ ንመሸጣ ክትዝርጋሕ ምዃና ኣካያዲ’ቲ ስራሕ ኣፍሊጡ። እታ ሓዳስ ሞባይል ካብተን ቅድሚኣ

ዝነበራ ጋላክሲ ኤስ 3ን ጋላክሲ ኤስ 4ን ዝዓበየ ስክሪን ዘለዋን ብዙሓት ፕሮግራማት ዝሓቖፈትን ከምዝዀነት’ውን ተገሊጹ። ገለ ካብቶም ተገጢሞሙላ ዘለዉ ፕሮግራማት፡ ህርመት ልቢ ዝዕቅን መሳርሒ፡ ስካነር ኣሰር ኣጻብዕ፡ ብስጉምቲ ተመሪሑ ዝተጓዓዝካዮ ርሕቀት ዝሕብር መሳርሒ (ፐዶሜትር)ን

ካልእን ይርከብዋ። ብተወሳኺ፡ እታ ሞባይል 16 ሜጋ ፒክስል

ዝዓቐኑ ካሜራ ከምዘለዋ ተሓቢሩ። ጋላክሲ

ወዲ 29 ዓመት መስራቲ መርበብ ሓበሬታ ፈይስቡክ ማርክ ዙከርበርግ “ድሌተይ ንዓለም ከራኽባ’ዩ’’ ክብል ገሊጹ። ንሱ ነዚ ዝገለጸ ኣብ ባርሴሎና ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ምርኢት ምህዞታት ሞባይል’ዩ። ወናኒ ቢልዮናት ዶላር ዝዀነ ዙከርበርግ፡

ኣብ መደረኡ ባህጉ ኩለን ሃገራት ዓለም ምስ ኢንተርነት ክራኸባ ምዃኑ ተዛሪቡ። ንሱ፡ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ተጠቀምቲ ፈይስቡክ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ስለዝበጽሑ፡ ዝቕጽል ዕማሙ ዝበለጸ ኣገልግሎት ኣቕሪብካ ንዓለም ንሓድሕዳ ምርኻብ ከምዝዀነ ኣረዲኡ። ነዚ ዕላማ’ዚ ንምጭባጥ ድማ ዋጋ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኩሉ ህዝቢ መታን ክጥቀመሉ ምስ ኖክያ፡ ሳምሱንግን ኤሪክሶንን ዝኣመሰላ ትካላት ቴክኖሎጂን ኢንተርነትን ሓቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኤስ 5 ተገጢሙላ ዘሎ ካሜራ እቲ ዝበለጸን ባህጊ ዓማዊል ዘዕግብ ከምዝኸውን ድማ ኣካያዲ’ቲ ስራሕ ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ ኩባንያ ሳምሱንግ ‘ጊር 2’

ዝተባህለት ሓዳስ ምዕብልቲ ናይ ኢድ ሰዓትን ብቕዓት ኣካላት ዝመዝን ዝውደ መሳርሒን (the Gear Fit) ቴክኖሎጂ ኣፍሪዩ ንምርኢት ዘርጊሑ። ኩባንያ ሳምሱንግ ኣቐዲሙ ጋላክሲ ኤስ

3ን ጋላክሲ ኤስ 4ን ዝተባህላ ክልተ ምዕቡላት ሞባይላት ስለዝዘርግሐ፡ ተቐላጢፉ ጋላክሲ ኤስ 5 ምዝርግሑ ኣብ ዕዳጋ ክሳራ ከጋጥሞ ከምዝኽእል’ዮም ክኢላታት ዘተንብሁ። እዚ ከኣ፡ ጋላክሲ ኤስ 3ን ጋላክሲ ኤስ 4ን ኣዝዩ ምዕቡል ፕሮግራማት ዝወነነ ስለዝዀነ፡ ወነንተን

ንዕአን ገዲፎም ሓዳስ ሞዴል ንዝዀነት ጋላክሲ ኤስ 5 ንምዕዳግ ዝጓየይሉ ምኽንያት ስለዘይህልዎም’ዩ።

ቕ ዝርይሩ እል ዓመ

ተዳቒኣ ና ቁኩባንያ ቴክኖሎጂ ሳምሱንግ ‘ጋላክሲ ኤስ 5 ተገጢሙላ ዘሎ ካሜራ እቲ ዝበለጸን

ጽቡቕኢዱ ገይከምዝኽእምንዋሕድኣ ተ

ሳምሱንግ ጋላክሲ ማይ ዘይኣትዋ ሞባይል ዘርጊሑ

‘ንዓለም ከራኽብ’ዩ ድሌተይ’ መስራቲ ፈይስቡክ

ዙከርበርግ፡ ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ተጠቀምቲ ኢንተርነት ምስ ዝዀኑ፡ መነባብሮኦም ከመሓይሸሎም ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። ፈይስቡክ ምጥቃም፡ ኣብ ምምሕያሽ ጥዕና ሰባት፡ ዕድላት ሽቕለት ኣብ ምርካብን ቁጠባ ኣብ ምሕያልን ከምዝሕግዞም ከም ኣብነት ጠቒሱ። “ራኢና ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ

ምርኻብ’ዩ፣ ነዚ ድማ ዝዀነት ኩባንያ ክትዕንቅጾ ኣይትኽእልን’ያ” ዝበለ ዙከርበርግ፡ መትከላዊ ዕላማኡ ን5 ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ቀረብ ኢንተርነት ንምቕራብ’ዩ። ዓርሞሸሽ መርበብ ሓበሬታ ፈይስቡክ፡

ዝለዓለ ማሕበራዊ መራኺቢታት ኢንተርነት ዓለምና ኰይኑ፡ ኣብ 2004’ዩ ተጀሚሩ። መስረትቱ ድማ ናይቲ ሽዑ እዋን ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዝነበረ ኣመሪካዊ ማርክ ዙርከበርግን መዳቕስቱን ከምኡ ድማ ኣርባዕተ መማህርቱን’ዮም። ፈለማ ተጠቀምቲ ናይቲ መርበብ፡ ንኣባላት’ቲ ዩኒቨርሲቲ ጥራይ ዝተሓዝአ’ኳ እንተነበረ፡ ቀስ ብቐስ ግን ናብ ካልኦት ዩንቨርሲታት’ዩ ከሰፋሕፍሕ ተራእዩ። ሎሚ ድማ ኣብ ዓለም ካብ ሽዱሽተ ሰባት ንሓደ ኣገልግሎት ናብ ናይ ምሃብ ደረጃ በጺሑ ይርከብ።

Page 9: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

ሓዳስ ኤርትራ 27 ለካቲት 2014 - ገጽ 9

ፍናን መሓሪ

ቢራ ሓደ ካብ’ቶም ንመዘናግዒ ዝጠቕሙ ነገራት ምዃኑ’ዩ ብብዙሓት ዝእመነሉ። ኣብ ህይወትና ወይ መነባብሮና ግና ጥቕሚ ኣለዎ ክበሃል ኣይከኣልን። እኳ ደኣ ዘምጽኦ መዘዝ ይዓቢ። እዚ ኮይኑ እቲ ግና፡ ይጠቅም ኢዩ ተባሂሉ ኣብ ዕዳጋ ክቐርብ ካብ ተፈቕደሉ ግና ብዛዕባኡ ምዝራብ ባህርያዊ ብምዃኑ፡ ብፍላይ ንመሸጢ ዋጋኡ ብምዝልከት ብዙሕ ተጻሒፉን ተለፍሊፉን’ዩ። ፋብሪካ ቢራ ኣስመራ ሕጋዊ መሽጢኡ ብንጹር ከምዝሓበረ ዝስሕቶ የልቦን።ንምቁጽጻሩ’ውን ብዝካኣሎ ይጽዕር ይህሉ ይኸውን። እቲ ሕጊ ተኸቢሩ በቲ ዝተሓበረ ዋጋ ክሽየጥ ክሳብ ዘይረአና ግና፡ ንፋብሪካ ቢራ ኣስመራ ይኹን ጨንፈር ሕግን ስርዓትን ዞባ ማእከል ወይ ድማ ምምሕዳር ዞባታትን ንኡዛን ዞባታትን ከተማታትን “ኣገናዕ ጸባ ስተዩ!” ኣይንብልን። እቶም ሕጊ ዝጥሕሱ ዘለዉ፡ ወነንቲ ትካላት ይኹኑ ካልኦት ኣብ’ቲ ቅኑዕ መስመር ክሳብ ዘይኣተዉ ንተቘጻጸርቲ ብዙሕ ተወሳኺ ጻዕሪ ዘድልየኩም ይመስለኒ። ብዓቢኡ ግና ሕጊ ከም ዝኸብርን ከምዝሓስርን ዝገብር ሓፋሽ/ህዝቢ/ እዩ። ብፍላይ ከኣ እቶም ዓማዊል ናይ ቢራ። ኣፍካ ሚቕ-ሚቕ ኢሉኳ፡ ጁባኻ ሓቢጥካ ኣቲኻ ዝላሓፍካዮ ቢራስ፡ 30 ናቕፋ ቀሊጦሙኒ፣ 40 ናቕፋ ለጢጦሙኒ ምባል ዘምሕረልካ ኣይኮነን። መጀመርታ ናብ’ቲ ትካል ክትኣቱ እንከለኻ ኣዒንትኻ ዓሚቱ፡ ብኣእዳውካ ወጢጡ ዘእተወካ የልቦን። ምናልባት ንኣታሓሳስባኻ መዝሚዞም ንኣእምሮኻ ዝሰልብ ከም ጥዑም ሙዚቃ ዝኣመሰለ መዋዕውዒ ይገብሩልካ ይኾኑ። ልዕሊ ዝተፈቕደ ዋጋ ክፈል ኢሉ ክሳድካ ብምሕናቕን ኣእዳውካ ብምጥዋይን ካብ ጁባኻ ገንዘብ ዝወስድ ግና የልቦን። ወይ’ውን ንዓ ዝባን ሕጊ ኢሉ ናብ ቦታ ሕጊ ዘቕርበካ ጠሓሲ ሕጊ ዘሎ ኣይመስለንን። እንተወሰደካ ከኣ ሊላይ! ረቲዕኻ ክሳድካ ነፊሕካ ትወጽእ። እምበር ንገለስ 14 ናቕፋ ንቢራ ምኽፋል’ውን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ገዛ

ዘረባ ብዛዕባ ቢራ መዓስ ኮን’ዩ ዘብቅዕ!ክንደይ ጥቕሚ ከምዘለዎ ስለዝርዳእ። ኣብ መወዳእታ ሕጂ’ውን ዕቱብ

ምቁጽጻር ክግበረሉ ንሓትት ኣሎና። ሓደ በዓል ቤት መስተ ካብ ፋብሪካ ቢራ 11 ናቕፋ ብዘይመልእ ዋጋ ኣውጺኡ፡ ኣብ ዕዳጋ 25-30 ናቕፋ ክሸጦን ኣይሓረሰ-ኣይመሓሰ ልዕሊ ዕጽፊ መኽሰብ ክግሕጥን እናረኣኻ ትም ኢልካ ክትዕዘቦ

ኣብ ባንክታትና እንተደኣ ተንቀሳቒስና፡ ብውሑዱ ዝጠፍአ ኤርትራዊ መንነት ወረቐት ኣብ ቤትሮ ተቐሚጡ ንርኢ ኢና። ንኣብነት ኣብ ጎደና ሓርነት ዝርከብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ንዝጠፍአ ንብረት ኣብታ እትው ምስ በልካ ጎፍ እትብለካ ብቤትሮ ዝተሰርሐት ሳንዱቕ ይጸንሓካ እዩ። ባንክታት ዝተረስዐ ወይ ከኣ ወዲቑ ንዝጸንሐን ንብረት ተገዲሰን ክሕዝኦ ምኽኣለን ክምስገናሉ ዝግብአን እዩ፡ “ኣብ ባንክ እገለ ቡከይ ተዓቂቡ ጸኒሑኒ”። “መንነት ወረቐተይ ሳላ ባንክ ዝዓቀቦ ካብ ኮለል ድሒነ” እናበሉ ንባንክታት ኣመስጊኖም ንኣመስገንቲ ዝህቡ ውሑዳት ኣይኮነን። ዜርና ዜርና ንተበግሶ ኢና ንንእድ ዘሎና ማለት እዩ። እዚ እወታዊ ጎድኒ ኣብ ቦታኡ እናሃለወ ገለ መአረምታ ዘድልዮ ከይሃለወ ኣይተረፈን ዘሎ’ሞ ትዕዝብተይ ብኸምዚ ዝስዕብ ከካፍል።ኣብ ጎደና ሓርነት ዝርከብ ንግዳዊ

ባንክ ብግቡእ ዝኣርነቦም ዝተፈላለዩ ንብረት ከምዘለዉ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ከይተኣተዉን ከይተኣርነቡን ቢቲቢቶ ዝኣተዎም ዝተዛሕዝሑ ንብረት ጨሪሑ ምህላዉ ግን ክእመነሉ ዘለዎ እዩ፡ ቡክ ናይ ባንክ። መንነት ወረቐት። ካርድ ነባርነት። ኣስፔዛ ዝወጸሉ ኩፖን ናይ ዱኳን ሕድሪ። መፋትሕ። ሜትሮ። መረጼን ናይ ዓይኒ። ቦርሳታት። ጽላል። ጨርቀ መርቂ። ሻርባ ቆቢዕ እንታይ እሞ ዘየለ ኣብኡ!? ካበይ እዩ ተኣኪቡ ዘይርድኣካ “ንግዳዊ ባንክ ካብ መዓስ እዩ ናብ ቤት ስእሊ ተቐይሩ?” ንኽትብል ዘድፍሩኻ ቁጽሮም ውሑዳት ዘይኮኑ ጉርዲ ስእልታት’ውን ብግዳማዊ ሸነኽ ናይቲ ሳንዱቕ (ቤትሮ) ተገቲሮም ትዕዘብ! ካብቲ ንቕሬታኻ ድርዒ ዝውስኽ እቲ ቤትሮ ቀጻሊ ዘይጸርን ዘይውልወልን ምዃኑ፡ እቶም ኣብኡ ዛሕዛሕ ኢሎም ቋሕመም ዝብሉ ንብረት ብዶሮና ተዓብሊኾምን ዘይምሱል መሲሎምን ምርኣይ እዩ። በዓል ንብረት ዝጠፍኦ ንብረት ክደልዮን ክፍትሾን እንተደለየ’ውን በቲ ዛሕማሕ ኢሎሞ ዘለዉ ንብረቱ ክለልዮ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ! ኣብ ባንክ ኣባይትን ንግድን ኣብ ከባቢ

ባሕቲ መስከረም ዝርከብ ይኹን ኣብ ከባቢ ቤት ቡስጣ ዘሎ ኣተሓሕዛ ናይ ዝጠፍአ ንብረት ብተዛማዲ ዝሓሸ እዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ከባቢ ቤት ቡስጣ ዝርከብ ባንክ ኣብቲ ገንዘብ እተውጽኣሉን እተእትወሉን ቤትሮ ናይ መኽፈሊ ክልተ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ተገቲሩ ኣሎ። ንኽንደይ እዋን እዩ ግን ከምኡ ኢሉ ተገቲሩ ዝጸንሕ? ሓግዩ ዝኸርም ዲዩ? ደረት ግዜ ኣለዎ ዲዩ?

ኣብ ከባቢ ባሕቲ መስከረም ብተመሳሳሊ ዝጠፍአ ንብረት ዝእከበላ ሳንዱቕ ኣላ። ተጠሚቓቶ ዘላ ስም “ሳንዱቕ መግለጺ ርእይቶ” እዩ ዝብል። ብእሩም ቋንቋ ተጻሒፉ ከይንብል ብእሩም ቋንቋ’ውን ኣይተጻሕፈን ዘሎ። ቅድም ቀዳድም ሳንዱቕ ርእይቶ ተባሂሉ ክጸሓፍ ይግብኦ።ብማዕዶ ንዝርእያ ተገልጋሊ ሳንዱቕ

ናይ ርእይቶ እያ ትመስሎ። ብርግጽ ግን ከም ስማ ሳንዱቕ ናይ ርእይቶ ዲያ ዘላ? ቀሪበ ብዙሕ ግዜ ከምዝረኣኹዋ እዛ ሳንዱቕ ናይ ርእይቶ ዘይኮነት መአከቢት ናይ ዝጠፍአ ንብረት እያ ኮይና ዘላ። ርእይቶ ክህብ ዝደለየ። ዘሎ መረጼን ዘሎ ቦርሳ ምስ ረኣየ ርእይቶኡ ኣብኡ ከስፍር ይኽእል ዶ? ሳንዱቕ ናይ ርእይቶ። ብዝጠፍአ ንብረት ካብ ተጎብአ ዓሚል/ተገልጋሊ ኣብ ምንታይ ርእይቶኡ የእቱ!? ብትዕዝብተይ ስማን እትሰርሖ ዘላ ስራሕን እግርን ከበሮን በበይኑ ስለዘሎ መጸውዒ ናይታ ሳንዱቕ ክቕየር እዩ ዘለዎ። ኣብዛ ብስም “ሳንዱቕ መግለጺ

ርእይቶ” እትፍለጥ ዘላ እንታይ እሞ ዘየለ! ክሳብ 10 ዝኸውን ኦሪጅናል ኤርትራዊ መንነት። ሰለስተ ፎቶ ኮፒ። ብርክት ዝበሉ ኦሪጅናልን ፎቶ ኮፒን ናይ ነባርነት ካርድ። ቁጽሮም ውሑዳት ዘይኮኑ መለለዪ ካርድ ናይ ተማሃሮ። ሊብሬቶ። ፎቶ ኮፒ ምስክር ወረቐት ናይ ሓርበኛ፡ሊብሬቶ። መፋትሕ። ቦርሳ ናይ ደቂ ኣንስትዮ። ሳንጣታት። ናይ ዲግሪን ጸሓይን መረጼን ዓይኒ . . . እንታይ እሞ ኣብኡ ተኣኪቡ ዘየለ! እዞም ልዒሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ገለ ገሊኦም ኣብቲ ሳንዱቕ ነዊሕ ግዜ ዝተቐመጡ እዮም። ኣተሓሕዛ ናይ ባንክ ኣባይትን ንግድን ካብ ንግዳዊ ባንክ ዝፈልዮ እንተልዩ ነቶም ዝጠፍኡ ንብረት ብግቡእ ብምእርናቡ ብተወሳኺ ነቲ ሳንዱቕ ብጽሬት ይሕዞ ምህላዉ እዩ። ኣብዚ ንነፍስ ወከፍ ሰብ ኣብ ሓንጎሉ ዝመጾ ሕቶ እንተልዩ ካብ ነብሰይ ጀሚርካ “ስለምንታይ ናብ መደበራት ፖሊስ ኣይውሰዱን? ብፍላይ ድማ መንነት ወረቐት” ዝብል እዩ። ዝተረስዐ ንብረት ምዕቃቡ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ ነዊሕ ግዜ ክወስድ የብሉን በሃላይ እየ። ክሳብ ዋናኡ ዝርከቦ ባንክታትና ምሓዘን ዘይተረፈን ብዕቱብን ብግቡእን ክእርንባኦን ክዕቕባኦን ይግብአን። እቶም ኣበይ ኮን ኣጥፊእናዮ ንኸውን እናበልና ሃለው ንብል ዘሎና’ውን ብሰንኪ ወጅሃላይ ኣተሓሕዛና ኢና እነጥፍኦ ዘሎና’ሞ ኣብ ኣተሓሕዛና ጥንቁቓት ንኹን!

ልዋም ካብ ኣስመራ

ባንክታት ዝተረስዐ ንብረት ምሓዘን ዘይተረፈን

ብዝሓለፍካዮም ዓበይቲ ጎደናታትን ጸበብቲ መንገድታትን ዝተሰርሑ ሓደስቲ ዝተጸገኑ ጽርግያታት ምርኣይ ልሙድ ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ኣብ ጎደና ሓርነት ጥቓ ሚኒስትሪ ትምህርትን ካቴድራለን ኣብ ዘለዋ ፌርማታታት ኣውቶቡስ ዝርከቡ ጽርግያታት እንታይ ዓይነት ቅርጺ ሒዞም ነይሮም መብዛሕትና ንፈልጦ ኢና። ብዝያዳ እኳ ደኣ ኣብዘን ፌርማታታት ዝወርዱን ዝድይቡን “መዓስ ኮን እዮም ዕዉት መጥባሕቲ ዘካይዱሎም?” እናበሉ ሰስምዒታቶም ይገልጹ ነይሮም ይኾኑ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ኣጋኒንካዮ ደኣ ከይትብሉኒ እምበር፡ በቲ ተነፊሖኦምን ተሰብሲቦምን ሒዞምዎ ዝነበሩ ቅርጺ ልክዕ ሕማም መንድዓት ዝሓዞም እዮም ዝመስሉ ነይሮም። ምስ ኣብ ማእከል ከተማ ምዃኖም ዝኾነ ሰብ ዝሓርሶ ጎደና ልዕሊ ኩሉ ድማ በጻሕቲ ሃገር (ወጻእተኛታት) ብብዝሒ ዝመላለሱሉ ከም ምዃኑ መጠን ንረኣዪኡ ስክፍታ ዝፈጥር፡ ከም ሓበላ ዓይኒ ዝርኣዩ ነይሮም። እዘን ብሓበላ ዓይኒ ዝገልጾም ዝነበርኩ ካብ ዱባይ ምስ ተመልሰኩ ንስክፍታይን ንከምዚ ከማይ ስክፍታ ዝነበሮምን ዝቕንጥጥ ስጉምቲ ተወሲዱሎም ጸኒሑኒ። ዝዓጅብ ጽገና ተገይሩሎም ተዓዚበ!ብልክዕ ንምዝራብ ካብ መገሻ ኣብ

ሕልና’ውን ዝቕበሎ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ኣብ ኣስመራ ጨንፈር ሕግን ስርዓትን ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዞባታት ድማ ምምሕዳራት ብዕቱብ ክከታተሉዎን ሰብ ትካላት ሓቀኛ ዝርዝር ዋጋ ክልጥፉ ከገድድዎምን ይግባእ እብል።

ኣማረ ወልዳኣብ

ንዓኹም የማስሎም!ዘዝመጽኣሉ ጽርግያታት ተሓዲሶም ክጸንሑኒ ግድን እዩ። ንኣብነት ኣብ ከባቢ ቢላጆ ጥቓ እንዳ ሕርሻ ዘላ መጥወዪት ክንደይ ዘትዓበት ጽርግያ እያ። ዘይበትከላ ጽርግያ እየ ዝብላ ነይረ። ትጽገን ትበላሾ! ትበላሾ ትዕረ! ክንደይ ገንዘብን ሓይሊ ፍልጠት ሰብን ዘህለኸት ጽርግያ ሳላ ዕውት መጥባሕቲ ዝተገብረላ ኣብዚ ግዜ እዚ ተማሒራ ብምርኣየይ ነቶም ዓመታዊ ዝሃልኩ ዝነበሩ እንቋዕ ጻማኹም ረኸብኩም እብሎም። ካብ ደምበ ሰምበል ናብ እንዳ ሃይወይ ዘጥዊ ንተሽከርከርቲ መካይኖም እናዕነወ ዘሽግር ዝነበረ’ውን ግቡእ ጽገና ተገይሩሉ ምሕር ኢሉ ጸኒሑኒ። ምስጋና ይብጽሓዮም ነቶም ኣብዚ ዕዉት ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ዞባ ማእከልን ናይ ስራሕ መዋስእቶምን!ዞባ ማእከል ምስ መዋስእቱ ዝኾና

ትካላት መደባት እንተዘይገፊሕዎም ንኹሉ በብመዓልቱን በብሰዓቱን ከምዝበጽሖ ከቶ ኣይጠራጠርን እየ። ካብ ምጽጋንን ምሕዳስን የዕርፉ ከምዘየለ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ፡ ዝተርፎ ዕዮ ገዛ ከምዘሎ ድማ ይዝንግዖ ኣይብልን። ኣብ መወዳእታ ዝብሎ እንተልዩ፡ እቶም ምዕራይን ምጽጋንን ዘይተባጽሖም ዘለዉ ጽርግያታት ንዓኹም የማስሎም ጥራይ እየ ክብል ዝኽእል።

ሳልሕ ነስረዲን ካብ ዱባይ

ኣብ ንኡስ ዞባ በሪኽ ምምሕዳር ከባቢ ቁሸት ናይ ልዕሊ 10 ዓመት ዕድመ ዘለዋ ቤተ ንባብ ኣላ። እዛ ቤተ ንባብ ብሓደ ገባሪ ሰናይ ዝተተኽለት ኮይና ካብ መባእታ ክሳብ 2ይ ደረጃ ንዝመሃሩ ተማሃሮ ፍልጠት ዘቕስም መጻሕፍቲ ትውንን ብምንባራ ክሳብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝመሃሩ ተማሃሮ ናብኣ ብምኻድ ፍልጠት ይድልቡ፡ ሓበሬታ ይምእርሩ ነይሮም እዮም።ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ግዜ

ናይ ስርቂ ፍጻመ ተፈጺሙ እዩ ኣብዛ ቤተንባብ። ሰረቕቲ ብሉጽን ኣገዳስን መጻሕፍቲ ካብዚ ቤት ንባብ ምዝማቶም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ ተግባር እዚ ኣዚና እናጎሃና ከሎና ሓደ ንኹሉ ዝትንክፍ ነገር ከኣ ተራእዩ። ንሱ ድማ ምዕጻው እዛ ቤት ንባብ። ካብ ትዕጾ ዳርጋ ዓመታ ገይራ’ላ። ከም ሳዕቤን እቲ ፍልጠት፣ ሓበሬታ ካብኣ ክምእርር ናብኣ ዝመላለስ ዝነበረ

ዳግማይ ኣገልግሎት ትህበሉ መገዲ ይፈጠር

ካብቲ ረኺብዎ ዝነበረ ዕድላት ፍጹም ተሓሪሙ ኣሎ። እዛ ቤት ንባብ ኣብዚ ግዜ እዚ ዋርድያ ዝበሃል የብላን። ምስቲ ክልተ ግዜ ዘጋጠማ ናይ ስርቂ ፍጻመታት ዘይምህላው ናይ ዋርድያ ዝመዝመዙ ዳግማይ ከይዓጥቁላ ዘየሰክፍ ኣይኮነን።ኣነ እዛ ቤት ንባብ ብሃ.ማ.መ.ት.ኤ ዞባ

ማእከል ከምእተመሓደር እየ ዝፈልጥ። ሃ.ማ.መ.ት.ኤ ዞባ ማእከል ኣመት እዛ ቤት ንባብ ከይገበረ ዓመት መመላእታ ምጽንሑ ኣብ ትዕዝብቲ ምእታዉ ኣይተረፎን ዘሎ። ቤት ንባብ መንእሰያት ተማሃሮ ክንዮ ትምህርታውን ስነፍልጠታውን ትሕዝቶታት ምቕሳም፡ ግዚኦም ኣብ ዘየድሊ ቦታታትን ተግባራትን ከየጥፍእዎ ከነው ኣቢሉ ዝሕዝ ምዃኑ፡ ባዕሉ እቲ ማሕበር’ውን ዝኣምነሉን ዝሰርሓሉን እዩ። እሞ ኸ ደኣ ድሌትን ዝንባለን ናይ ምንባብ ዘለዎም መንእሰያት ተማሃሮ ኣበይ ከይዶም የንብቡ? ዝንበቦ ቦታ ከምዘይሰኣን

ርዱእ እኳ እንተ ኾነ ኣብ ቀረብኦም ቤት ንባብ ተተኺሉሎም እናሃለወ ናብ ምሕድግ ዝበለ ከይዶም ከንብቡ የምሕር ዶ?ዝተኸስረ ግዜ ውሑድ ኣይኮነን። በዚ

ተዓጽያቶ ዘላ ክትቅጽል ግን ንጻወሮ ኣይኮነን። ሃ.ማ.መ.ት.ኤ ዞባ ማእከል ብሓድሽ መንፈስ ከበራብራን ጠለባት ኣንበብቲ ከማልእን እየ ዝብል እንተኾይኑ ሊላይ! እንተዘይኮይኑ ሓላፍነቱ ኣውሪዱ እቲ ሓላፍነት ንምምሕዳር ከባቢ ቁሸት ከረክብ ኣለዎ እብል። ምናልባት እቲ ዝመወላ ገባር ሰናይ ምዕባለኣን ዝበጽሓቶ ደረጃን ክዕዘብ ኣብ ዝመጸሉ በዚ ዘላቶ ኩነታታ ዘየተሓጓጉስ ኩነታት ክፍጠር ስለዝኽእል ንኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው እዛ ቤተ ንባብ ተኸፊታ ዳግማይ ኣገልግሎት ትህበሉ መገዲ ክፍጠር አዘኻኽር።

ዞድያክ ካብ ቁሸት

Page 10: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

ሓዳስ ኤርትራ 27 ለካቲት 2014 - ገጽ 10

ኣሮን ኪሮስ

ደብዳቤ ፍቕሪንዓኺ’የ ኣዒንተይ ኣዉዲቐልኪ

ሶልያና፡ ናፍቖትን ፍትወትን ዝመልአት ልበይ ኣብ ዝሃለወት ሃልያ ንዓኺ

ክትዝክርን ብኣኺ ክትሻቐልን ወትሩ ውዒላ ምስ ሓደረት’ያ። ኣብ ፍቕሪ ሓደ ዓቢ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ “ንኹሉ ሰብ ምስ ኩሉ ድኽመታቱ ተቐቢልካ ኣብ’ቲ ንስኻ ትሓልሞ ዝላዓለ ጥርዚ ከተሕኩሮ ከይተሓለልካ ምጽዓር’ዩ፡” ስለ’ዚ እየ ኣነ ድማ ንስንክልናኺ እናመሳመስኪ ካብ ፍቕራዊ ምቅርራበይ ክትርሕቒ ትገብርዮ ዘለኺ ቀልዓለም ክቕበሎ ዘይከኣልኩ። ሶልያና፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝመልከዐን ዝሓየለን ሰብ ብኣካላዊ ብቕዓቱ

ዘይኮነ ብብስለቱን ኣቀራርብኡን’ዩ ዝምዘን። እቲ ሚዛን ፍቕሪ ኸኣ ሕልፊ ኹሉ ኣብ ሓልዮትን ክብርን ተወቒሩ ምስ ዝወሃሃድ’ዩ ንዘልኣለም ከም ዘይነጽፍ ዒላ ዝነትዕ። ሶልያና፡ እቲ መጀመርያ ክንርአአ እንከለና ዝሓደረና ጦብላሕታ

ከመይ ኣቢልኪ ትርስዕዮ? ኣዒንቲ ክልቴና ከም ሰብ ቆጸራ ኣብ’ቲ እኩብ ህሞት ክጋጠማ፡ ከበሮ ኣዒንትና ብሕንከት ክደና እደገና ክኽፈታ ዘምሰይኦ ምሸት መቐረቱ ከመይ ኣቢልኪ ኣህፊፍክዮ? ሎሚ ዝምድናና ደልዲሉ ብፍቕሪ ክጥመር እንተደለኹ ብኣካላዊ ስንክልናኺ እናመሳመስኪ ካብ ሕቶይ ትሃድሚ ኣለኺ። ሶልያና፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ጣዕሙ ዳህሲስና ዕምቆት ጽባቐኡ ብምሉእ

ልብና ዘይሓንበስናሉ ውቅያኖስ ፍቕሪ ጥራይ’ዩ። ኣነ ድማ ኣብ ደሴት ኰይነ’የ ዝዳሃየኪ ዘለኹ። ኩለንትናይ በቲ ብሱልን ንቑሕን ውሽጥኺ ስለ ዝዓገበን ዝተደነቐን። ሶልያና፡ ክንዮ ደጋዊ ውሽጣዊ ጣዕሚ’ዩ ዘብህግ ኣብ ፍቕሪ። ኣነ

ኸኣ ን ኩለንትናኺ ብህድኣት ኣድቂቐ ጠሚተዮ። ብልሕኽን ትሕትናኽን ኣብ ልበይ ኣይሂ ዘየጥፍኦ መጋርያ ፍቕሪ’ዩ ኣጉዱለይ። ሓንሳብን ንሓዋሩን መሳኹቲ ልበይ ዓይኑ ዘውደቐልኪ ንዓኺ’ዩ። ንኣካላዊ ስንክልናኺ ከም ጸጋ ዝተቐበሎ ፈቃር ልበይ ብሃረርታ ይጽበየኪ ኣሎ’ሞ ብፍቕሪ ከተማሙቑዮ ተበገሲ።

ጆሜትራ ደጀን ተኽለ

ፍትሕ እቲ ካልእ ኣንጻር ገጽ ናይ ሓዳር’ዩ። ሕ/ሰባት ንፍትሕ ከም ባህሊ መዓስ ከም ዘታኣታተዎኦ ብልክዕ’ኳ እንተዘይተፈልጠ መርዓን ሓዳርን ተኸቲሉ ዝመጸ ባህሊ ምዃኑ ግን ብዙሓት ይሰማምዑ።ልክዕ ከምቲ ባህልን ልምድታትን

መርዓ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝፈላለ፡ ባህልን ልምድታትን ፍትሕ’ዉን ከምኡ’ዩ። ኣብ ሳይቤርያ ብዓልቲ ቤቱ ክፈትሕ ዝደለየ ሰብኣይ ናይ ርእሳ መንዲል ብምቕዳድ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ይሰቅሎ። ሻቡ ወለዳ ናብቲ ገዛ ብምምጻእ ብዘይ ሕቶ ጓሎም ይወስዱ። በንጻሩ ዞኒ ኣብ ዝጽዋዕ ክፋል ሜክሲኮ ናይ ምፍታሕ መሰል ኣብ ኢድ ደቀንስትዮ’ዩ ዝርከብ። ሰብኣያ ክትፈትሕ ዝወሰነት ሰበይቲ ክዳዉንቱን ናዉቲ ሃድኑን ኣብ ኣፍደገ’ታ ዝነብሩላ ኣግነት ተንጠልጥለሉ። ነዚ ዝርኣየ ሰብኣይ ድማ ብዘይ ገለ ዘረባ ንብረቱ ጠርኒፉ ይዕዘር። ኣብ ቡርማ ሰበይቱ ክፈትሕ ዝወሰነ

ሰብኣይ ዕድመ ዝደፍኣ ደቀንስትዮ’ታ ዓዲ ብለይቲ ናብ ቤቱ ብምጽዋዕ ኣብ ቅድሚኤን ክልተ ሽምዓ ይውልዕ። እዘን ሽማዓ ሓንቲ ናቱ እታ ካልኣይቲ ድማ ናይ ብዓልቲ ቤቱ’ያ። ዋና’ታ ቀዲማ ዝጠፍኤት ሽምዓ ድማ ካብ’ቲ ገዛ ጥራሕ ኢዱ ይወጽእ። ኣብ ምብራቓዊ ክፋል

ኮንጎ ሰበይቲ ካብ ገዛ ናብ ዝኾነ ቦታ ክትውጽእ እንድሕር ደልያ ካብ በዓል ቤታ ፍቓድ ክትሓትት ትግደድ’ያ። ሻቡ ሰብኣያ “ኪዲ” እንተ ኢሉዋ ፍትሕቲ ኢኺ ማለት’ዩ። “ብሰላም ተመለሲ” እንተ ኢሉዋ ግን ኩነታት ድሓን ኣሎ ማለት’ዩ። ካብ ኣፍሪቃ ከይወጻና ድማ ኣብ

ኣህዛብን ባህልታቶምን

ገለ ከባቢታት ጫድ ዝተፈትሐት ሰበይቲ ክሳብ ትምርዖ ብሰብኣያ ክትቅለብ ዘገድድ ባህሊ ኣሎ። እንተኾነ ሰብኣይ ወርሓዊ ኣብ ዝካየድ “ዕዳጋ ፍቱሓት” ናብ ካልእ ሰብኣይ እንተሸይጡዋ ካብ’ዚ ሕጊ ነጻ ይኸዉን። ኣብ’ዚ ዕዳጋ እተን

ኣንስቲ ካብ ቀቢለኤን ወጻኢ ወይ ንናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ሰብኡት ከይሽየጣ ክልኩል’ዩ። ካብዚ ዘይፍለ ኣብ ደሴታት ሉሽያን ሰብይቱ ክፈትሕ ዝደለየ ሰበኣይ ሒዙዋ ናብ ዕዳጋ ብምውራድ ንዓኣ ትሕጃ ኣትሒዙ “ባድላ ሓርነት” ዝባሃል ክዳን ይወስድ። ወለዳ ድማ ነዚ ምስ ሰምዑ ናብ’ቲ ዱካን ብምኻድ ሕሳቦም ከፊሎም ጓሎም ይወስዱ።መቸም ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም

ፍትሕ ዘሰንብድን ኣብ ጓህን ሓዘንን ዝሸምም ነገር’ዩ። ኣብ ሞሪታንያ ግን ፍትሕ ብጓይላን ዳንኬራን’ዩ ዝጽንበል። ስድራ ቤትን ጎሮባብትን’ታ ዝተፈትሐት ሰብ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዕለተ መርዓኣ ዝነበረ ዓቢ ድግስ ብምድላው ብዕልልታን ሳዕሳዒትን ይቕበሉዋ። ኣብቲ ዕለት ነታ ፍትሕትን ስድራኣን ዘመጉስን በቲ ካልእ ድማ ንበዓል ቤታ ነበር ዘቆናጽብ ድርፍታት ይድረፍ። ንዓኣ ክምርዓዉ ዝደልዩ ሰብኡት ድማ ዕድመ ይቐርበሎም። ንሳ’ውን ድሕሪ ሓደ ወርሒ ‘ዑዳ” ምስ ተወደኤ ባህ ዝበላ መሪጻ ከም ብሓዲሽ ንካልኣይ ግዜ ወይ’ዉን ልዕሊኡ ናይ ሓዳር ዕድል ትፍትን።

ሽሃብ ኣርኣያጋዜጣ ኣልሓዲሳ

ወዲ ሰብ ብዘይ መግቢ ልዕሊ ክልተ ቅነ ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ብዘይ ማይ ግና ልዕሊ ሓሙሽተ መዓልታት’ውን ክጸንሕ ኣይክእልን። ካብ ናይ ሰብነትና ክብደት ¾ ዝኸውን ማይ እዩ።ንኣብነት ሓንጎልና ካብ 75-85% ከምኡ’ውን ጨዋዳታታና 70% ማይ እዩ። እንተኾነ ¾ ናይ ዓለም ክፋል’ውን ብማይ ዝተሸፈነ’ዩ። ማይ፡ መግቢ ናብ ዋህዮታትና ኣብ ምጉዕዓዝ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ጠቕምታት ማይ ብዙሕ እዩ፡ ተዘርዚሩ’ውን ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ ጉዕዞኻ ማይ ኣይትፍለ።

መግቢ ድሕሪ ምምጋብና ሓንቲ ቢኬሪ ማይ ስተ። እቲ ብመንገዲ ቡንባ ይኹን ካብ ቦጣት እንረኽቦ ማይ መቐረት ምእንቲ ክህልዎን ተሓዋስያን ጉድኣት ከየስዕቡልና ለሚን ሓዊስካ ምስታይ ኣገዳሲ’ዩ።

ብድላይኪ ኣወዳድርኒኣብ ሰሌዳ ልብኺ ኮፍ ኣቢልክያ

ኣይተዋሕጠሉን ሕልናይ ቅድመይ ሰሪዕክያ፡

ኣነ’የ ናትኪ ፍሉጥ ኣባጓይላቀላሲ መኣዝን ሓላው መሸላ፡

ንስኺ ግን

እናፈለጥክያ ሓረውያ

ልዕለይ ክትከውን

በየን ሓረኽያ፡

ኣጋግዩኪ ከይከውን

ምሳኺ ምጽላላ

ክሳብ ዝጥዕማ’ዩ

ኣብ በዓትኺ ኣዕቂላ፡

ግዜ’ዩ ዝፈርድ

ግዜ’ዩ ዝመዝን

ግዜ’ዩ ዝልክዕ

ግዜ’ዩ ዝዕቅን፡

በሊ ረጊእኪ ሕሰቢ

ዳግማይ ምዘኒ

ሰማይ’ዩ ሚዛነይ

ብድላይኪ ዓይርኒ

ምስግና ተኽላይ (ዋርሳይ)

ቀዳሞት ኣቦታትና ብዛዕባ ኣገዳስነት ማይ ዝተረድኡ ክመስሉ ንሓያሎ ዓድታትን ቦታታትን ብማይ ብዝጅምር ቃላት ሰምዮሞ ይርከቡ። ኣነ ብዝገበርክዎ ኣፈናዊ መጽናዕቲ ልዕሊ 45 ዓድታትን ቦታታትን ብማይ ከም ዝጽዋዓ ፈሊጠ ኣለኹ። ማይ ተመናይ፡ ማይ ጭሆት፡ ማይ

ጃሕጃሕ፡ ማይ በላ፡ ማይ ኣንበሳ። እዚ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቦታታት’ዩ። ካብ ኣስመራ ወጻኢ ማይ ዕዳጋ፡ ማይ ዓይኒ፡ ማይ ድማ፡ ማይ ኣልቦ፡ ማይ ሰራዉ፡ ማይ ምነ፡ ማይ ጋባ፡ ማይ ቆቛሕ፡ ማይ ጨቖምጠ፡ ማይ ዝሕልቶ፡ ማይ ላም፡ ማይ ውዕይ፡ ማይ ሓባር፡ ማይ ለሓም፡ ማይ በላ፡ ማይ ኣጣል፡ ማይ ነብሪ፡ ማይ ስርዋ፡ ማይ ዕማኾ፡ ማይ ሓራሳት፡ ማይ ጻዕዳ፡ማይ ኣሓ፡ ማይ ቀይሕ፡ ማይ ጉንዲ፡ ማይ ሩባ፡ ማይ ጫዖ፡ ማይ የጉሊ፡ ማይ ዉራይ፡ ማይ ሻኻ፡ ማይ

ኣገዳስነት ማይ ካብ መስመዪ ቦታታትናን ምስላታትናንደደም፡ ማይ ቋቑ፡ ማይ ጫባ፡ ማይ ልቡስ፡ ማይ ሓርማዝ፡ ማይ ሽሓ፡ ማይ ውቕሳ፡ ማይ ሓሪሽ፡ ማይ መፍለስ፡ ማይ ጎርዞ፡ ማይ ሓዛ፡ ማይ ጸብሪ፡ ማይ ጨቓት፡ ማይ ኣድከሞም፡ ማይ ነፍሒን ማይ መላጸን ዛጊት 49 ዓድታት ተዘርዚረን ኣለዋ። ኣብ ሃገርና ንማይ ዝምልከት

ምስላታት’ውን ወስ ከነብል። ማይ ባሕሪ ዘይረኣየ ማይ ጻሕሊ ረኣኹ በለ፣ ማይ ንርባኡ ዕንዳይ ናብ እኖኡ፣ ማይን ዓሻን ናብ ዝመራሕካዮም ይኸዱ፣ ማይ ንዝጸምእ ምኽሪ ንዝሰምዕ፣ ማይ ኣይጓዳእ ዘረባ ኣይውዳእ፣ ማይ ካብ ሩባኡ ሓርጭ ካብ ቦኽራኡ፣ ማይ ክትግልል ግበር ገመድ ዘረባ ክትለምድ እህን ልመድ፡ ማይ ዝሰተ ጨና የብሉ ከውሒ ዝረገጸ ኣሰር የብሉ።

ፓሎ-ዘ-ፓራዲዞ

Page 11: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

ሓዳስ ኤርትራ 27 ለካቲት 2014 - ገጽ 11

ኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

ስፖርታዊ ንጥፈታት ማእከል ስልጠና

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ቀጺሉ

ሳምንቲ ዘቑጸረ ስፖርታዊ ንጥፈታት ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ሳልስቲ እውን ምቕጻሉ ኮሚተ ስፖርት ናይቲ ማእከል ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ሓቢሩ፣ጋንታታት ኵዕሶ እግሪ መሪሕን ኦማልን ኣብ

ዘካየዳኦ ግጥም፡ መሪሕ ኣብ መበል 19 ደቒቕ ብመገዲ ዮናታን ተኽለኣብ ብዝረኸበታ ሸቶ መሪሕነት ሓዘት፣ እንተኾነ መሪሕነታ ክሳብ 75 ደቒቕ እዩ ጸኒሑ፣ ኦማል ሸቶ ብምምዝጋብ ነጥቢ ተማቒላ ክትወጽእ ክኢላ፣ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ጸወታ፡ ኣዳልን ሳሕልን

እየን ገጢመን፣ ኣዳል ኣብ መበል 13 ደቒቕ ብመገዲ ብኣማን ተስፋሚካኤል መሪሕነት እተትሕዛ ሸቶ ከተመዝግብ እንከላ፣ ድሕሪ ዓሰርተ ደቒቕ ግን ሳሕል ፍጹም ቅላዕ ብምርካባ ብመገዲ መርሃዊ ሕድራይ ማዕረ ኮነት፣ ክልቲአን ጋንታታት ድማ ድሕሪ ዕረፍቲ ሸቶ ዝበሃል ከየመዝገባ ናይ መወዳእታ ፊስካ ኣርከበን፣ኣብ ጸወታታት ኵዕሶ መርበብ፡ ጋንታታት

መሪሕን ኦማልን እየን ገጢመን፣ እታ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ሰዓብቲ ረኺባ ዘላ መሪሕ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ላዕለዋይ ኢድ ኣብ ምሓዝ ኣይተጸገመትን፣ ብፍላይ ሃብተስላሰ ዘርኦም፡ ያሲን እስማዒል፡ ንጉሰ ሃይለን ኣምለሶም ቃልኣብን ዘርኣይዎ ብቕዓት ንብዙሓት ክምስጡ ክኢሎም እዮም፣ ብመንጽሩ ጋንታ ኦማል እውን ብመጠኑ ነቲ ግጥም ኣብ ምቕያር ዝነኣድ ምንቅስቓስ ተርኢ ነይራ፣ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ሰታት፡ መሪሕ 25ብ21 ብዝኾነ ውጽኢት ተዓዊታ፣ ኣብ ሳልሳይ ሰት ግን ኦማል ንጸወታ ብምቁጽጽራ ነቲ ውጽኢት ናብ ናብ ረብሓኣ ቀየረቶ፣ ከም ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ሰታት ውጽኢት ብምምዝጋብ ድማ 2ብ1 ክትምራሕ ጀመረት፣ ኣብ ራብዓይ ሰት ግን መሪሕ መትሓዚ ኣይነበራን፣ ንኦማል ብምዕብላል 25ብ16 ውጽኢት ብምርታዕ ዕዉቲት ናይቲ ግጥም ኮነት፣ጋንታታት እዳልን ሳሕን ኣብ ዘካየዳኦ ግጥም

ብዓወት ኣዳል እዩ ተዛዚሙ፣ ኣዳል ኣብቲ ግጥም 25ብ20፡ 25ብ14፡ 24ብ27 ከምኡ ድማ 25 ብ22 ብዝኾነ ውጽኢት እያ 3ብ1 ክትዕወት ክኢላ፣ ኣብ ውድድር ኣትለቲክስ፡ ኣብ ናይ 400

ሜተር ጉያ ምሕረትኣብ ብርሃነ (1:00 ደቒቕ)ካብ ኦማል ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ክዛዝም እንከሎ፡ ኣባዲ ይሕደጎ ካብ ኣዳል (1:01) ከምኡ ድማ ኣሮን ወልደንኪኤል ካብ ሳሕል ብ1:03 ሳልሳይ ኮይኑ፣ ኣብ ናይ 5000 ሜተር፡ ደበሳይ ደስበለ ካብ

ሳሕል ንውድድሩ ብ16 ደቒቕን 54 ካልኢትን ብምዝዛሙ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ደቂ ጋንታኡ ኢሳቕ ካሕሳይን ተወልደ ጻማን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ብምውጻእ ንጋንታኦም ድርዒ ኮኑ፣

ኤሪተል ብጋንታን ብውልቅን ተዓዊታ

ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል ንሰለስተ ሰናብቲ ኣብ ዝሰርዖ ውድድር መዳለዊን መምዘኒ ብቕዓት ዓመት 2014፡ ዓርሞሸሽ ክለብ ኤሪተል ብውልቂን ብጋንታን ቀዳመይቲ ወጺኣ፣ትማሊ ስንበት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም

መዛዘሚ፡ ‘ቴለፎናውያን’ ጎሊሖም እዮም ተራእዮም፣ መኽሰብ ደበሳይ ዕዉት ናይቲ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ወዲ ጋንታኡ ዮናስ ተኸስተ ድማ ብውህሉል ነጥቢ ብምዕዋቱ ኣብ መድረኽ መሸሊሚ ደይቡ፣ ብውህሉል ነጥቢ እውን ኤሪተል ከም ላህመት ጸብለል እያ ኢላ፣ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ዕለት፡ በረኸት የማነ

- ኣስቤኮ፡ ኤልያስ ኣፈወርቂ - ኤሪተል፡ ተስፋኣለም ኣብርሃ - ሰምበል፡ መርሃዊ ክብሮም - ብውልቂ፡ ዮናስ ተኸስተ - ኤሪተል፡ ኣማኑኤል መንግስ - ኤሪተል፡ ሰለሙን ሃብተ - ኣስቤኮ፡ ኣሮን ደብረጼን - ኣስቤኮን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር - ኣስቤኮን ንመኽሰብ ስዒቦም ካብ ካልኣይ ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ዝሓዙ ተቐዳደምቲ እዮም፣ ብውህሉል ድማ ዮናስ፡ መኽሰብን በረኸትን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ወጺኦም፣ኣብ ውድድር ካልኣይ ዲቪዥን ዮውሃንስ

ወልደሩፋኤል - ኣስቤኮ፡ ሜሮን ኣብርሃም - ኤሪተልን ኣቤል ገብርሂወት - ኣስቤኮን ቀዳሞት ሰለስተ ናይቲ መዛዘሚ ዕለት ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣቤል፡ ዮውሃንስን ሲራክ ዮውሃንስ - )ብውልቂ)ን ድማ ብድምር ነጥቢ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጹ እዮም፣ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ፡ ወሓዚት

ኪዳነ - ኤለክትሮላይት፡ ዝናብ ፍጹም - ኤለክትሮላይትን ሰናይት መንግስ - ዓራግን ብውህሉልነጥቢ ዝተዓወታ እየን፣ ካብ ሳልሳይ ዲቪዥን፡ ንያት ርእሶም - ገዛባንዳ፡ ዳንኤል ጊላይ - ማእከል ከተማ ከምኡ ድማ ኣቤል ኣረጋይ - ብውልቂ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብተኸታታሊ ዕዉታት ናይቲ ውድድር እዮም፣ብሓፈሻ ኣብቲ ውድድር፡ ኣቶ

ዮውሃንስ ኪዳነ ብርክት ዝበለ ገንዘብ (ንቮላታ ዝኸውን) ብምውፋይ፥ ኣሰልጣኒ ክለብ ኤለክትሮላይት ኣቶ ቢንያም ገብረመስቀል ድማ ንዝኽሪ ነፍስሄር ብእምነት ምሕረትኣብን ነፍስሄር ደምሳስ ገብረመስቀልን ዝወፈዮ ዋናጩ እቲ ውድድር ህልኽ ክረኣዮ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይሩ፣

ኤርትራ ቀጺሉኤኤርርትራትራ ቀቀጺሉጺሉ

ማእከል ስልጠናማእማእከእከልል ስልጠናከል ስልስልልጠናናጠናሓይልታት ምክልኻል ሓይልታት ምክሓይሓይልይልልታትታት ምክምክልክልኻኻልልኻልኻል

ኤርትራ ቀጺሉኤኤርትርትራራ ቀጺቀጺሉ

ስፖርታዊ ንጥፈታት ስፖስፖፖርርታዊ ንንጥፈፈታትጥፈታፈታታትስፖርታዊ ንጥፈታትስፖፖርፖርታታዊታዊ ንንጥፈፈታትፈታትታት

ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ ውድድራት ኤፍ ኤን ካፒታል ዋንን ግልፍቲ፡ ካብ ብሉጻት ኣርባዕተ ክለባት ርሕቕቲ፡

ካብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ኸ . . .ድሕሪ ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ናብ ጸወታ ጎቦ ልባ ትኣቱ ዘላ ማን ዩናይትድ፡ ብቕድሚ ትማሊ እውን ኣይቀደዋን - ናብ ካራይንካሲስ ስታድዪም ተጓዒዛ ምስ

ኦሎምፕያኮስ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ቀዳማይ እግሪ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ 2ብ0 ብምርትዓ፣ ‘እታ እንኮ ዋንጫ ክትዓትረላ እትኽእል

ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ጥራይ እዩ’ እናተባህለ ዝንገረላ ዘሎ ክለብ በቲ ስዕረት ተጻወትታ ንሓድሕዶም ኣብ ናይ ቃላት ኵናት ተጸሚዶም ምህላዎም ድማ እቲ ካልእ ኣርእስቲ እታ ጋንታ ኮይኑ ኣሎ፣ ዝበዝሑ ተጻወትቲ ማን ዩናይትድ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ከድምዑ ኣብ ዘይከኣሉሉ ምሸት፡ ኣጥቃዒ ሮቢን ቫን ፐርሲ፡ “ኣነ ዝከኣለኒ ኣበርኪተ ደቂ ጋንታይ ግን . . .” ክብል ንሓንቲ መደበር ራድዮ ሆላንድ ዝሃቦ ርእይቶ ንብዙሓት ኣባላት እታ ክለብ ኣቖጢዑ ኣሎ፣ “ኩሎም ደቂ ጋንታይ ኣብ ቦታኦም

ይጻወቱ ኣይነበሩን፣ ዘቐብሉኒ ኮዓሱሱ ፍጥነቱ ርዱእ እውን ኣይነበረን፣ በዚ ድማ ኣነ ከምዝጥዕመኒ ናህረይ ከመዓራሪ ኣምስየ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብቲ ኣነ ዝስለፈሉ ቦታ ክተጻወቱ ተጻወትቲ እውን ውሑዳት ኣይነበሩን - ዘሕፍር እዩ” ይብል ቫን ፐርሲ፣ እንተኾነ እቲ ሆላናዳዊ ኣጥቃዒ ኣብ መበል 82 ካብ ክሪስ ስሞሊን ንዝተዋህቦ ኵዕሶ ክጥቀም ብዘይምኽኣሉ በደሉ ተኣሚኑ፣“ሓደ ካብቲ ዝገርመኒ፡ ሓደ ኣጥቃዒ

ሓያለ ዕድል ይፍጠረሉ፡ ካብአን ከኣ ሸቶ የመዝግብ፣ ነዓይ ዝተወሃበ ዕድል ኣይነበረን፣ ስለዚ ድማ 2ብ0 ተረቲዕና” ክብል እቲ ኣጥቃዒ ነድሪ ዝተሓወሶ ቃላት ተዛሪቡ፣ እዚ ውጽኢት ኣብ ልዕሊ እቲ ንመንበሩ

ኣደልዲሉ ዘይተቐመጠ ኣሰልጣኒ ደቪድ ሞየስ ልዑል ጸቕጢ ፈጢሩ ምህላዉ

ይግለጽ ኣሎ፣ ነቲ ግጥም ድማ “ኣዝዩ ድኹም ብቕዓት ኣርኢና” ክብል እቲ ኣሰልጣኒ ገሊጽዎ፣ እንተኾነ፡ ማን ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ

ልዑል ጸዓት ከምዘድልያ ዝተኣመነ ቫን ፐርሲ፡ ጋንታኡ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ዘሕልፍ ዕድል ከምዘለዋ ብምሕባር እዩ ዘረባኡ

ደምዲሙ፣ኦሎፕያኮስ፡ ኣለጃንድሮ ዶሚንጉዝን

ካምፕበልን ብዘቑጸርወን ሸቶታት እያ 2ብ0 ረቲዓ ሓደ እግራ ናብ ግጥም ርብዒ ፍጽመ ከተዝልል ክኢላ፣ግጥም ካልኣይ እግሪ ሻምፕዮንስ ሊግ

ኤውሮጳ ኣብ ሜዳ ኦልድትራፎርድ 19 መጋቢት ክካየድ እዩ፣

** ** **

ዘዋሪት ዋንጫ ዞባ ማእከልብቕድሚ ትማሊ ኣብ ስታድዪም ኣስመራ ኣብ

ዝተኻየደ ግጥም ኵዕሶ እግሪ ንዘዋሪት ዋንጫ ዞባ ማእከል፡ ቀይሕ ባሕሪ ንሓበን 7ብ0፡ ኣልታሕሪር ድማ ንዕዳጋ ሓሙስ 3ብ0 ረቲዐን፣ተወዳዳሪት ሊግ ኤርትራ ዓርሞሸሽ ክለብ

ቀይሕ ባሕሪ፡ ነታ ኣብ ካልኣይ ዲቪዥን ዞባ ማእከል እትርከብ ጋንታ ሓበን ንምርታዕ፡ ካብ ኢዮብ መብርሃቱ፡ ሙሴ ነጋሲ (ክልተ ሸቶታት) ፡ ዮውሃንስ ብርሃነ (ክልተ ሸቶታት)፡ ነጋሲ ግርማይን ያቆብ ሓመድረቢን ሸቶታት ረኺባ፣ኣብ ካልኣይ ጸወታ ናይቲ ዕለት፡ ኣልታሕሪር

ንዕዳጋ ሓሙስ ንምስናፍ 65 ደቒቕ እያ ተጸብያ፣ ሳሙኤል ሃይለ ነታ ፈላሚ ሸቶ ኣልታሕሪር ከቑጽር እንከሎ፡ ቶማስ ብርሃነን መድሃኔ ስዩምን ድማ ነተን ዝተረፋ ሸቶታት ኣቑጸሩ፣ ኣብቲ ግጥም፡ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ መበል 75 ደቒቕ ተጻዋታያ ኤርምያስ በራኺ ብቐይሕ ካርድ ብምብራሩ ንምዱብ ጸወታኣ ብ10 ተጻወትቲ ክትዛዝም ተገዲዳ፣እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ

ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ግጥም፡ ኣስመራ ቢራ ንሰገን ኮንስትራክሽን ብፍጹም ቅላዕ 4ብ3 ከተሰንፋ እንከላ፡ ገዛ ባንዳ ድማ ንደንደን 9ብ8 ብፍጹም ቅላዕ ስዒራ፣ ግጥም ዘዋሪት ዋንጫ ዞባ ማእከል ሎሚ እውን

ኣብ ስታድዪም ኣስመራ ካብ ሰዓት 2:00 ድ.ቐ ጀሚሩ ክቕጽል እዩ፣ በዚ መሰረት፡ ሰላም ምስ ኣኽርያ፥ ጎዳይፍ ድማ ምስ ሲቲ ሰንተር ዘካይዳኦ ግጥም ክእንገድ ምዃኑ ጸብጻብ ኣባል ህዝባዊ ርክባት ኮምሽን ስፖርት ዞባ ማእከል ለተብርሃን ወልደኣረጋይ ይሕብር፣

ተወሳኺ= ማዕከናት ዜና እስጳኛ፡ ኣሰልጣኒ ባርሴሎና

ጀራርዶ ማርቲኖ ኣብታ ክለብ ዝጸንሓለን እዋናት ኣዝየን ሒደት ምዃነን ይገልጻ ኣለዋ፣ እንተ ኣንድሬ ኢነስታ ግን ብምሉኦም ደቂ ጋንታኡ ኣብ ጎድኒ እቲ ኣሰልጣኒ ከምዘለው እዩ ኣረዲኡ፣ “ትማሊ፡ ሎሚ፡ ጽባሕ ምስ ማርቲኖ ኣሎና፣ ኣብ ሓደ ወይ እውን ክልተ ጸወታታት ስዕረት ዘሎ እዩ፣ ስለዚ፡ ነዚ ዝጠፍአ ነጥቢ ክንመልስ ዝከኣለና ክንገብር ኢና” ይብል ኢነስታ፣ ኣብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ንሲቲ 2ብ0 ዝደሃኸት ባርሳ ኣብ ውድድር ላ’ሊጋ ግን ብሪያል ሶሴዳድ 3ብ1 ምርታዓ ነቲ ኣሰልጣኒ ኣብ ወጥሪ ከእቱ ክኢሉ ኣሎ፣ ካታላን ደይቲ ዝተባህለት ጋዜጣ ድማ፡ ሓለፍቲ ባርሳ ሓሙሽተ ንቦታ ማርቲኖ ዝትክኡ ኣሰልጠንቲ ተሓጽዮም ምህላዎም ኣብ ዓምድታታ ብምስፋራ ቀጻልነት ናይቲ ኣሰልጣኒ ኣብ ቀራና መገዲ ከምዘሎ ዝገልጻ ማዕከናት ዜና ክብርክታ ክኢለን ኣለዋ፣ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታ

ላ’ሊጋ፡ ማርቲኖ ካብ ሜዳ ብምብራሩ ኣብ ዝስዕብ ጸወታ ኣብ መንበር ተቐየርቲ ኣይክሉን እዩ፣

= ተኸላኻሊ ስቶክ ኣንድሬ ዊልኪንሰን ንዘለዎ ውዕል ከናውሕ መዲቡ ምህላዉ ኣፍሊጡ፣

= ሓላዊ ልዳት ባርሳ - ቪክቶር ቫልደስ ናብ ካልእ ክለብ ክሰጋገር መደብ ከምዘለዎ ይንገር፣ በዚ ድማ ካብ ክለባት ማን ሲቲን ሞናኮን ክመርጽ ይዳሎ ምህላዉ ተሓቢሩ፣

= ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ሊቨርፑል - ሉዊስ ስዋረዝ ብኣትለቲኮ ማድሪድ ይህደን ምህላዉ ፉት ቦል እስጳኛ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ፣

= ዝመጽእ ክረምቲ ካብ ማን ዩናይትድ ክወጽእ ምዃኑ ይንገረሉ ዘሎ ሓለቓ ጋንታ ማን ዩናይትድ ቪዲች፡ ካብ ክለብ ኢንተር ሚላን 20 ሚልዮን ፓውንድ ተሰሊዑሉ ምህላዉ ጋዜጣታት ዓዲ እንግሊዝ ሓቢረን፣ነቲ ገዲም ተኸላኻሊ፡ ኢንተር ሚላን ካብ ነዊሕ እዋን ዓይና ከምዘውደቐትሉ እኳ እንተሓበረት፡ ንዝሰልዓቶ መጠን ገንዘብ ግና ብወግዒ ከምዘይገለጸት እዩ መርበብ ሓበሬታ ደይሊ መይል ትሕብር፣ እቲ ወዲ 32 ዓመት ናብ ኢጣልያ እንተደኣ ተሰጋጊሩን እሞ ድማ እቲ ዝተሰልዓሉ መጠን ገንዘብ ወጻኢታት እንተደኣ ተገይሩሉን ንሰለስተ ዓመታት ስፖርት ክታሙ ከንብር ከምዝኽእል ይግመት፣

= ወዲ 31 ዓመት ተጻዋታይ ቶተንሃም - ጀርማይን ዲፎ ናብ ኤፍ ሲ ቶሮንቶ ምስግጋሩ ይፍለጥ፣ እቲ ተጻዋታይ ኣብ እግሩ ብዝገጠሞ ማህሰይቲ ሎሚ ኣብ ዝካየድ ግጥም ዩሮፓ ሊግ ኣይህሉን እዩ፣ በዚ ድማ ጽባሕ ናብ ካናዳ ዘምርሕ ዲፎ፡ ንቶተንሃም ብመጉዳእቲ ክፋነዋ ተገዲዱ ኣሎ፣

= ኣብ መጉዳእቲ ዝርከብ ባርስቲያን ሽዋይን ስታይገር ጥዕናኡ ናብ ንቡር እናተመልሰ ምህላዉን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ልምምድ ከምዝምለስ ክለቡ ኣፍሊጣ፣

ሞቕሽሽኣብ እስጳኛ ንማእከላይ ዳኛ ኵዕሶ እግሪ ኩርኩር

ዝደርበየ ተዓዛቢ 200 ዩሮ ብማሕበር ኵዕሶ እግሪ እታ ሃገር ተቐጺዑ፣ እቲ እስጳኛዊ ተዓዛቢ ኵዕሶ እግሪ፡ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ክለባት ኮማርካን ላ ካናዳን ዝተባህላ ክለባት ግጥም ኣብ ዘካየዳሉ እዩ ብውሳነ ዳኛ ብምሕራቑ ነቲ በደል ፈጺሙ፣ እታ ዝተደርበየት ኩርኩር ነቲ ኣብ ከባቢ መስመር ዝነበረ ዳኛ ንስክላ እኳ እንተሰሓተቶ፡ ኣብቲ ሜዳ ዘወን ብምባላ ግን ነቲ ግጥም ንዝተወሰነ ደቓይቕ ከምዝቋረጽ ኣገዲዳ፣ ሓያለ ተጣበቕቲ እንስሳታት በቲ ፍጻመ ኣዝዮም ብምቑጥዖም እቲ ‘ገበነኛ’ ተወሳኺ መቕጻዕቲ ክብየነሉ ጠሊቦም፣

Page 12: TIGRIGNA THURSDAY 27 FEBRUARY 201450.7.16.234/eritrea-alhaditha/haddas_ertra_27022014.pdf · ካብ ቅልስ ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ፡ ካብ

ሓዳስ ኤርትራ 27 ለካቲት 2014 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

ተስፋኣለም የማነ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ደማዊ ግጭት ብቐሊሉ ክሃድእ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይዓርግ ከምዘሎ ኬንያ ኣጠንቂቓ።ብፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ

ዝምራሕ ሃገራዊ ቤት-ምኽሪ ጸጥታ’ታ ሃገር ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዝተሰማምዕሉ ምቁራጽ ተኹሲ ዕሽሽ ኢሎም ኲናት ዳግማይ ክቕጽሉ ምምራጾም ብትሪ ኮኒኑ። ኣብታ ካብ ሱዳን ተነጺላ ኣብ ዝሓለፈ

2011 ብወግዒ ልኡላዉነታ ዝኣወጀት ሃገር፡ ኣብ መንጎ ብፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ዝምራሕ መንግስቲን ብምክትል ፕረዚደንት ነበር ሬክ ማሻር ዝምርሑ ዕጡቓት ተቓወምቲን ብዝካየድ ዘሎ ዓሌታዊ ግጭት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ ካልኦት ኣስታት 900 ሽሕ ድማ መረበቶም ጠንጢኖም ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ። ሓያለ ካብኣቶም’ውን ብሰንኪ

ኣብ ናይጀርያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ኣብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 29 ተማሃሮ ከምዝቐተለ ቢ.ቢ.ሲ ገሊጹ። በቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ’ታ ሃገር ኣብ እትርከብ ዞባ ዮበ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፡ ካልኦት 11 ተማሃሮ ናይ’ቲ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ብኸቢድ ክቖስሉ እንከለዉ፡ እቲ ቤት-ትምህርቲ ድማ ብሓዊ ተሃሚኹ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ። ዕጡቕ ቦኮ ሓራም፡ ኣብ ሰሜናዊ

ምብራቕ ናይጀርያ ንዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ብተደጋጋሚ ከምዘጥቅዕ’ዩ ዝንገረሉ። ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ጥራይ’ኳ ንሓንቲ

ኣብ ካሊፎርንያ - ሕ.መ.ኣመሪካ ዝቕመጡ ክልተ መጻምድቲ፡ ዋጋ 10 ሚልዮን ዶላር ጥንታዊ ናይ ወርቂ ሰናቲም ኣብ ሕርሻኦም ክረኽቡ ብምኽኣሎም መዛረቢ ማዕከናት ዜና ኮይኖም። እቶም ኣስማቶም ዘይተጠቕሱ

ሰብ-ሓዳር፡ ነቲ ብጠቕላላ 1,427 ሰናቲም ሰቲሩ ዝጸንሐ መራት ቴኖ ኣብ እግሪ ሓደ ዓቢ ገረብ ተቐቢሩ እንከሎ’ዮም ረኺበሞ። ብውሕጅ ምስ ተሸርሸረ ፍርቂ ጎድኑ ምስ ተቐልቀለ ድማ’ዮም ብወዝቢ ክርእይዎ ዝኻኣሉ። ክኢላታት ድሕሪ ዘካየድሉ መርመራ ድማ፡ እቲ ሰናቲም ካብ 1847 ክሳብ 1894 ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተሰርሐ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ናብ ዕዳጋ ወሪዱ ብውሕዱ 10 ሚልዮን

=ሱዕዲ-ዓረብ፡ ኣንጻር መንግስቲ ሶርያ ንዝቃለሱ ዕጡቓት ተቓወምቲ’ታ ሃገር ዘመናዊ ኣጽዋር ከተዕጥቖም እንተጀሚራ፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ከባቢኡን ሓደገኛ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ክኽሰት ምዃኑ ሩስያ ኣጠንቂቓ።ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ብሰሉስ

ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሱዕዲ-ዓረብ ካብ መንኮብ ዝትኮስ ስርሓት ፓኪስታን ዝኾነ ጸረ-ነፈርቲን ጸረ-ታንክን ሚሳይላት ሸሚታ ነቶም ኣብ መሬት ዮርዳኖስ ዝርከቡ ተቓወምቲ ሶርያ ከተዕጥቖም መዲባ ምህላዋ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ መደብ ብመሰረቱ ግጉይ ምዃኑ ተገንዚባ ክትስርዞ ጸዊዑ። “እዚ ተኣፋፊ ኣጽዋር’ዚ ናብ ኢድ’ቶም

ኣብ መላእ ሶርያ ተዘሪኦም ዘለዉ ጥሩፋትን ኣሸበርቲን ጉጅለታት እንተኣትዩ፡ መወዳእታኡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሶርያን ካልኦትን ብምስላዂ ከቢድ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ከምዘኸትል ርጉጽ እዩ” ዝበለ

ሱዕዲዓረብ ኣንጻር ንግስቲ ሶርያ

ኬንያ ደማዊ ግጭት ደቡብ ሱዳን ናብ ዝኸፍአ ደረጃኡ ይዓርግ ከምዘሎ ተጠንቅቕ

ዓሌቶም ከይቅተሉ ብምስጋእ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ መዓስከራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቚቦም ከምዝርከቡ ጸብጻባት የረድኡ።ኣብቲ ብ15 ታሕሳስ ጀሚሩ ገና

ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ክልቲኦም ሓይልታት በብወገኖም ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዘስካሕክሕ ገበናት ኲናት ይፍጽሙ ከምዘለዉ’ዮም ዝውቀሱ። ኬንያ ብወገና፡ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ

ተወሰኽቲ 300 ዓቀብቲ ሰላም ወታሃደራት ክትልእኽ ወሲና ምህላዋ ትሕብር። በዚ ድማ ቁጽሪ ናብታ ሃገር ዘዋፈረቶም ወታሃደራታ ናብ ሓደ ሽሕ ክብ ክብል ምዃኑ ይግለጽ። ኬንያ፡ ካብ 1983 ክሳብ 2005

ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳን ንዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ኣብ ምዕራፍ ካብ ዝሸምገላ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ይንገረላ።

ናይ ሕርሻ ኮለጅ ብምህጃም ን40 ተማሃሮ ረሺኑ ምንባሩ ይዝከር።

***ኣብ ሲናይ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት

ጉጅለታት፡ ካብ ግብጺ ናብ ዮርዳኖስ ጋዝ ንዘመሓላልፍ መስመር ሻምብቆ ብነታጒ ከምዘዕነዉ ተገሊጹ። ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ንሰብ-መዚ ግብጺ ምርኩስ ጌሩ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ዕጡቓት ዝሓለፈ ሰሉስ’ዮም ነቲ መጥቃዕቲ ኣካዪደሞ። ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ካብቲ

መስመር ሻምብቆ ጽዑቕ ሃልሃልታ ንሰማይ ክተፍእ ከምዝተራእየ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝወረደ ዕንወት ዛጊት ዝኾነ ዝተዋህበ ሓበሬታ ከምዘየለ ኣረዲኡ። ዕጡቓት ሲናይ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ

ዓመት’ዚ ንራብዓይ ግዜኦም’ዮም ኣብ ልዕሊ’ቲ በቲ ከባቢ ኣቢሉ ዝሓልፍ መስመር ሻምብቆ ጋዝ መጥቃዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ። እቶም ዕጡቓት፡ ዝያዳ ድሕሪ ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባርክ ካብ ስልጣኑ ምዕላዉ ክነጥፉ ከምዝጀመሩ’ዩ ዝንገረሎም።

***ኬንያ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ

ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታን ከባቢኡን ዘሎ ጸጥታዊ ሓለዋ ዝያዳ ክሕይል ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ። እታ ሃገር ነዚ ትእዛዝ’ዚ ተመሓላልፍ ዘላ፡ ኣብታ ሃገር ጥሩፍ ሃይማኖታዊ ስነ-ሓሳብ ሒዞም ዝስስኑ ዘለዉ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ነቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ከጥቅዕዎ ይዳለዉ ምህላዎም ዘመልክት

ስለያዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምርካባ’ያ። በዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ መዓርፎ ነፈርቲ እንተላይ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከካይዱ ከምዝኽእሉ ዝሰግኡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ኬንያ፡ ጽኑዕ ጸጥታዊ ሓለዋ ክግበር ኣዚዞም ኣለዉ። ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም

ህይወት 67 ኬንያውያንን ወጻእተኛታትን ዝቐዘፈ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዋ ምንባሩ ኣይርሳዕን። እቲ ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ህንጻ (ሞል) ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ብዕጡቓት ኣልሸባብ ናይ ሶማል ከምዝተፈጸመ’ዩ ዝንገረሉ። ኬንያ ሰራዊታ ናብ ሶማል ድሕሪ

ምኽታታ፡ ንጸጥታዊ ርግኣታ ዝፈታተን ተደጋጋሚ ግብረ-መጥቃዕቲታት የጋጥማ ከምዘሎ’ዩ ዝሕበር።

***ብእስጳኛ ዝዉነን ‘ረፕሶል’

ዝተባህለ ኩባንያ ነዳዲ፡ ካብ ኣርጀንቲና ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክቕበል ከምዝተሰማምዐ ተገሊጹ። እቲ ኩባንያ፡ ምህርቲ ነዳዲ ንምዕባይ እኹል ወፍሪ ኣየካየደን ተባሂሉ’ዩ ኣብ ሃገራዊ ኩባንያ ነዳዲ ኣርጀንቲና ኣትይዎ ዝነበረ ብርክታት ኣብ 2012 ብመንግስቲ ኣርጀንቲና ተሃጊሩ። ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ ኩባንያ 10.5

ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክወሃቦ ብተደጋጋሚ ክጠልብ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ ድማ መንግስቲ ኣርጀንቲና “በዚሑ!” ብምባል ክነጽጎ ምጽንሑ ይግለጽ። እቲ ኣብ መንጎኦም ክቐጽል ዝጸንሐ ክርክር ብስምምዕ ክዓርፍ ምኽኣሉ፡ ኣርጀንቲና ናይ ወጻኢ ወፍሪ ኣብ ምስሓብ ክሕግዛ ከምዝኽእል ተዓዘብቲ የረድኡ።

ሮ ረሺኑ ምንባሩ ይዝከር።

ለያዊ ሓዚ ድማፈርቲ እመጥቃዕቲሰግኡ ላንያ፡ ጽኑ

ኣዚዞም ኣ

ሕርሻ ኮለጅ ብምህጃም ን40 ሮ ረሺኑ ምንባሩ ይዝከር።

ስለበዚነፈመዝሰኬን

ዜና ብሓጺሩእቲ መግለጺ፡ ናይ’ቲ ብሰንኩ ኣብቲ ዞባ ክኽሰት ዝኽእል ሳዕቤናት ተሓታቲት ሱዕዲ-ዓረብ ምዃና ኣጠንቂቑ። ኣብ መንጎ መሓዛ ኣመሪካ ዝኾነት

ሱዕዲ-ዓረብን ሩስያን ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸረ ፖለቲካዊ ምትፍናን’ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብዚ እዋን ግን እቲ ምትፍናን ዝያዳ ሓዪሉ ምህላዉ’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ከባቢ ዘረድኡ። ሱዕዲ-ዓረብ፡ ብኣመንቲ ሽዓ ንዝውከል

ፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድን ንሱ ዝመርሖ መንግስቲን ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ክትብል ንተቓወምቲ’ታ ሃገር ብቕሉዕ ክትድግፍ እንከላ፡ ሩስያ ድማ ብኣንጻሩ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ተጻራሪ መርገጺ ብምውሳድ፡ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ባሻር ኣል-ኣሳድ ደው ኢላ ትርከብ። ኣብ ሶርያ ካብ 2011 ኣትሒዙ ብዝቅጽል ዘሎ ደማዊ ውግእ ዛጊት ህይወት ኣስታት 140 ሽሕ ሶርያዉያን ጠፊኡ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ሱዕዲ-ዓረብ ንተቓወምቲ ሶርያ ሚሳይል ከይተቐብል ዘጠንቀቐት ሩስያ

ዶላር እቶት ክርከቦ ከምዝኽእል ደምዲሞም። ካልኦት ኣብ ቅርሲ ዝግደሱ ክኢላታት ብወገኖም፡ ገለ ካብቲ ሰናቲም

ፍሉይን ብቐሊሉ ዘይርከብ ምዃኑ ብምምልካት፡ ነፍሲ-ወከፉ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክሽየጥ ከምዝኽእል የረድኡ። እቲ ናይ ወርቂ ሰናቲም ብመን ተቐቢሩ ንምንታይ ዕላማኸ ተቐቢሩ ዛጊት ብተመራመርቲ ክምለስ ዘይካኣለ ምስጢር ኮይኑ ምህላዉ እቲ ብሮይተርስ ዝተዘርግሐ ዜና የመልክት።